ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb17 ሚያዝያ ገጽ 6
  • መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ትብዓት ይህብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ትብዓት ይህብ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ተሓጒስካ ንየሆዋ ብመዝሙር ወድሶ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ምኽሪ መጽናዕቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ንኣምልኾ ዚኸውን ሓድሽ መዝሙር!
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ኣብ ኣኼባታት ንየሆዋ ኽትዝምረሉ ተዳሊኻዶ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
mwb17 ሚያዝያ ገጽ 6

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ትብዓት ይህብ

ሓውና ኤሪኽ ፍሮስት ኣብ ጥቓ ፕያኖ ኾፍ ኢሉ

ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዀይኖም ንኣምላኽ ይውድስዎ ነበሩ። (ግብ 16:25) ኣብ ግዜና ድማ ኣብ ናዚ ጀርመን፡ ኣብ መዳጐኒ ደምበ ዛክሰንሃውዘን እተኣስሩ፡ ኣብ ሳይበርያ ኸኣ ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ይዝምሩ ነበሩ። እዚ ኣብነታት እዚ፡ መዝሙራት ዘለዎ ሓይሊ፡ ፈተና የሕልፉ ንዘለዉ ክርስትያናት ትብዓት ከም ዚህቦም የርኢ።

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’ ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ መዝሙር ብሓያሎ ተወሰኽቲ ቛንቋታት ክትወጽእ እያ። እታ መጽሓፍ ኣብ ኢድና ምስ ኣተወት፡ ነቲ መዝሙራት ኣብ እዋን ኣምልኾ ስድራ ቤት ብምልምማድ ኣብ ኣእምሮና ኸም ዚቕረጽ ክንገብር ንኽእል ኢና። (ኤፌ 5:19) ድሕሪኡ፡ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ምእንቲ ኽንዝክሮ መንፈስ ቅዱስ ኪሕግዘና እዩ። መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ተስፋና ኸነተኵር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ትብዓት ኪህበና ይኽእል እዩ። ጽቡቕ ኣብ ዚስምዓና እዋን ነቲ ዜተባብዕ ግጥሚ ‘ብታሕጓስ ክንዝምር’ የኽእለና። (1ዜና 15:16፣ መዝ 33:1-3) እምበኣር፡ ዝከኣለና ዘበለ ብምግባር ንመዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕና ንጠቐመሉ።

ነታ ንሸቃሎ ዘተባብዐት መዝሙር ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ሓውና ፍሮስት መዝሙር ኬዳሉ ዝደረኾ ዅነታት እንታይ እዩ፧

  • እቲ መዝሙር ኣብ መዳጐኒ ደምበ ዛክሰንሃውዘንን ንዝነበሩ ኣሕዋት ዘተባብዖም ብኸመይ እዩ፧

  • ኣብ ከመይ ዝበለ መዓልታዊ ዅነታት እዩ መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ኬበርትዓካ ዚኽእል፧

  • ንኣየናይ መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ኢኻ ብቓልካ ኽትወጾ እትደሊ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ