ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዮሃንስ 5-6
ብቕኑዕ ድራኸ ንየሱስ ሰዓቦ
የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኺርድእዎ ዜጸገሞም ምሳሌ ምስ ነገሮም፡ ገሊኦም ተዓንቂፎም ንዕኡ ኻብ ምስዓብ ኣቋሪጾም እዮም። ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙ፡ ብተኣምራዊ መገዲ መጊብዎም ነይሩ እዩ፣ እዚ ድማ፡ የሱስ እቲ ዝረኸቦ ሓይሊ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ዜረጋግጸሎም እዩ ነይሩ። ስለምንታይ ደኣ እዮም እሞ እተዓንቀፉ፧ ምኽንያቱ ንየሱስ ዚስዕብዎ ዝነበሩ ንጥቕሚ ርእሶም ኢሎም እዮም። ምስ የሱስ ዚቐርቡ ዝነበሩ ምእንቲ ስጋዊ ነገራት ኢሎም እዮም።
ነፍሲ ወከፍና ‘ንየሱስ ዝስዕቦ ስለምንታይ እየ፧ ብቐንዱ ኣብዚ እዋን እዝን ኣብ መጻእን ንዝረኽቦ በረኸት ኢለ ድየ፡ ወይስ ንየሆዋ ስለ ዜፍቅሮን ንዕኡ ኸሐጕስ ስለ ዝደልን እየ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ኣሎና።
ንየሆዋ እነገልግሎ ብቐንዱ ምእንቲ እዚ ዚስዕብ ምኽንያታት እንተ ዀይኑ ኽንዕንቀፍ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ምዃን ስለ ዜሐጕሰና
ኣብ ገነት ክንነብር ስለ እንደሊ