ክርስትያናዊ ህይወት
ካብ ናይ ፈለማ መዝሙራት እንታይ ክትምሃር ትኽእል፧
ካብቲ ናይ ፈለማ መዝሙራት ብዝያዳ ንኣየናይ ኢኻ እትፈትዎ፧ ስለምንታይከ፧ ትሕዝቶ እታ ቪድዮ ንመዓልታዊ ህይወትካ ዜንጸባርቕ ኰይኑዶ ረኺብካዮ፧ ነፍሲ ወከፍ ሰብ በዚ እተፈላለየ ዓይነት ቴማን ሙዚቃን ይስሓብ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ፈለማ መዝሙራትን ሙዚቃዊ ቪድዮን ካብ ምዝንጋዕ ንላዕሊ ጥቕሚ ኣለዎ።
ኵሉ እቲ ናይ ፈለማ መዝሙር፡ ኣብ ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን ክንትግብሮ እንኽእል ግብራዊ ትምህርትታት ይምህረና እዩ። ገሊኡ መዝሙራት ኣብ ከም ምቕባል ጋሻ፡ ሓድነት፡ ምሕዝነት፡ ትብዓት፡ ፍቕሪ፡ ወይ እምነት ዘተኰረ እዩ። ገሊኡ ድማ ናብ የሆዋ ኣብ ምምላስ፡ ይቕረ ኣብ ምባል፡ መዓልታዊ ንጽህና ኣብ ምሕላው፡ ከምኡ እውን መንፈሳዊ ሸቶታት ኣብ ምስዓብ ዘተኰረ እዩ። ብዛዕባ ሚዛናዊ ኣጠቓቕማ ሞባይል ተሌፎን ዚገልጽ ናይ ፈለማ መዝሙር እውን ኣሎ። ንስኻኸ ኻብቲ ናይ ፈለማ መዝሙራት እንታይ ካልእ ግብራዊ ትምህርቲ ረኺብካ፧
ነታ ጀስት ኣራውንድ ዘ ኮርነር ዘርእስታ ናይ ፈለማ መዝሙር ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦