ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb20 ለካቲት ገጽ 3
  • ካብ ናይ ፈለማ መዝሙራት እንታይ ክትምሃር ትኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ናይ ፈለማ መዝሙራት እንታይ ክትምሃር ትኽእል፧
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናብ ኣምላኽ ዜቕርበና መዝሙራት
    ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧
  • ተሓጒስካ ንየሆዋ ብመዝሙር ወድሶ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ትብዓት ይህብ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
  • ምኽሪ መጽናዕቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
mwb20 ለካቲት ገጽ 3
ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ግዳም፡ ብጊታር ተሰንዮም ይዝምሩ።

ክርስትያናዊ ህይወት

ካብ ናይ ፈለማ መዝሙራት እንታይ ክትምሃር ትኽእል፧

ካብቲ ናይ ፈለማ መዝሙራት ብዝያዳ ንኣየናይ ኢኻ እትፈትዎ፧ ስለምንታይከ፧ ትሕዝቶ እታ ቪድዮ ንመዓልታዊ ህይወትካ ዜንጸባርቕ ኰይኑዶ ረኺብካዮ፧ ነፍሲ ወከፍ ሰብ በዚ እተፈላለየ ዓይነት ቴማን ሙዚቃን ይስሓብ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ፈለማ መዝሙራትን ሙዚቃዊ ቪድዮን ካብ ምዝንጋዕ ንላዕሊ ጥቕሚ ኣለዎ።

ኵሉ እቲ ናይ ፈለማ መዝሙር፡ ኣብ ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን ክንትግብሮ እንኽእል ግብራዊ ትምህርትታት ይምህረና እዩ። ገሊኡ መዝሙራት ኣብ ከም ምቕባል ጋሻ፡ ሓድነት፡ ምሕዝነት፡ ትብዓት፡ ፍቕሪ፡ ወይ እምነት ዘተኰረ እዩ። ገሊኡ ድማ ናብ የሆዋ ኣብ ምምላስ፡ ይቕረ ኣብ ምባል፡ መዓልታዊ ንጽህና ኣብ ምሕላው፡ ከምኡ እውን መንፈሳዊ ሸቶታት ኣብ ምስዓብ ዘተኰረ እዩ። ብዛዕባ ሚዛናዊ ኣጠቓቕማ ሞባይል ተሌፎን ዚገልጽ ናይ ፈለማ መዝሙር እውን ኣሎ። ንስኻኸ ኻብቲ ናይ ፈለማ መዝሙራት እንታይ ካልእ ግብራዊ ትምህርቲ ረኺብካ፧

ነታ ጀስት ኣራውንድ ዘ ኮርነር ዘርእስታ ናይ ፈለማ መዝሙር ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • እቶም ኣረጋውያን ሰብ ሓዳር ብዛዕባ እንታይ ናይ መጻኢ በረኸት እዮም ዚሓስቡ ዘለዉ፧—ዘፍ 12:3

  • የሆዋ ንተስፋታቱ ኺፍጽሞ ኸም ዚኽእል ንዘሎና እምነት ከነደልድሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

  • እንታይ ዳግም ምትእኽኻብ እዩ ቐሪቡ ዘሎ፧

  • እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ተስፋ፡ ነዚ ሕጂ ዜጋጥመና ፈተናታት ክንጻወሮ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧—ሮሜ 8:25

ንኣምልኾ ስድራ ቤት ዚኸውን ሓሳብ

ነዚ ዚስዕብ ናይ ፈለማ መዝሙር ቪድዮታት ርኣዮ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዘን ዚስዕባ ኽልተ ሕቶ መልሰን፦ እተን ቪድዮታት እንታይ ግብራዊ ትምህርቲ እየን ዚምህራ፧ ነዚኸ ኣብ ህይወተይ ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

  • ኣትብዓኒ

  • ፎርጊቭ ዋን ኣናዘር

  • “ፎሎው ዘ ኮርስ ኦቭ ሆስፒታሊቲ”

  • ኪፕ ዘ ፔስ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ