ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 6-7
“ሕጂ እቲ ንፈርኦን ዝገብሮ ኽትርኢ ኢኻ”
የሆዋ ኣብ ግብጻውያን መዓት ቅድሚ ምውራዱን ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ሓራ ቕድሚ ምውጻኡን፡ ብዛዕባ እቲ ዚገብሮ ነገራት ንእስራኤላውያን ነጊርዎም ነይሩ እዩ። እስራኤላውያን ቅድሚ ሕጂ ርእዮምዎ ብዘይፈልጡ መገዲ ሓይሊ የሆዋ ርእዮም እዮም፣ ግብጻውያን ድማ፡ የሆዋ ብርግጽ መን ምዃኑ ፈሊጦም እዮም። ተስፋታት ኣምላኽ ምስ ተፈጸመ፡ እምነት እስራኤላውያን ደልዲላ እያ፣ እዚ ድማ፡ ነቲ ኣብ ግብጺ ኸለዉ ኣጋጢምዎም ዝነበረ ጽልዋ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኬርሕቑ ሓጊዝዎም እዩ።
እዚ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ተስፋታት ኣምላኽ ከም ዚፍጸም ንዘሎካ እምነት ዘደልደለልካ ብኸመይ እዩ፧