ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb20 ሕዳር ገጽ 7
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ብተሌፎን መስክር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ብተሌፎን መስክር
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምስክርነት ተሌፎን ውጽኢታዊ ኪኸውን ይኽእል
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ —ንተመላሊስካ ምብጻሕ መሰረት ኣንብር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • “ኣብ ቤቱ ኽረኽቦ ኣይከኣልኩን!”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ ንJW.ORG ተጠቐመሉ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
mwb20 ሕዳር ገጽ 7
ስእልታት፦ ሓደ መንእሰይ ምስ ኣረጋውያን ሰብ ሓዳር ኰይኑ ምስክርነት ተሌፎን ይገብር። 1. እቲ ሓው ንሓደ ሰራሕተኛ ተሌፎን ይድውለሉ። 2. እቲ ሰራሕተኛ ነቲ ሓው ይሰምዖ።

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ​—ብተሌፎን መስክር

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ብተሌፎን ዚግበር ምስክርነት ‘ብዛዕባ ብስራት ኣጸቢቕና ኽንምስክር’ ዚሕግዝ ኣገዳሲ መዳይ ኣገልግሎትና እዩ። (ግብ 20:24)a ንሓደ ሰብ ብኣካል ክንበጽሖ ኣብ ዘይንኽእለሉ ዅነታት፡ ክንምስክረሉ የኽእለና።

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

  • እቲ መንእሰይ ጥቕስታት ብምርኣይን ሓጺር መዘኻኸሪ ብምጽሓፍን ንምስክርነት ተሌፎን ይዳሎ።

    ተዳሎ። ዚሰማማዕ ርእሰ ነገር ምረጽ። ቀጺልካ፡ ብዛዕባ እቲ ኽትዛረቦ እትደሊ ነጥብታት፡ ኣስተዋጽኦ ኣዳሉ። ምናልባት መልእኽቲ ኽትገድፈሉ ዚሕብር እተቐድሐ ድምጺ እንተ ሰሚዕኻ፡ ዝደወልካሉ ምኽንያት ዚሕብር ሕጽር ዝበለ ሓሳብ ተዳሎ። ኣስተዋጽኦኻን ካልእ ዜድልየካ ነገራትን፡ ንኣብነት፡ JW Library® ወይ jw.org® ኣብ ሞባይልካ ወይ ኣብ ታብለትካ ኸፊትካ ኣብ ሰደቓ ዄንካ ኾፍ ኢልካ ምጽናሕ ሓጋዚ እዩ

  • እቲ መንእሰይ ነቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው፡ ብተሌፎን ኪዛረብ ከሎ ይሕግዞ።

    ፍዅስ ይበልካ። ብባህርያዊ መገዲ ተዛረብ። እቲ ሰብ ከም ዚርእየካ ጌርካ ብምሕሳብ ፍሽኽ ኢልካ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ እናተጠቕምካ ተዛረብ። ዘረባኻ እተቘራረጸ ኪኸውን የብሉን። ምስ ካልኦት ኴንካ ምዕያይ ጠቓሚ እዩ። እቲ ብዓል ቤት ሕቶ እንተ ሓቲቱ፡ መገላግልትኻ መልሲ ኣብ ምሃብ ምእንቲ ኺሕግዘካ ነታ ሕቶ ዓው ኢልካ ድገማ

  • እቲ መንእሰይ ካብ jw.org ቪድዮ ይልእኽ።

    ንተመላሊስካ ምብጻሕ ዚኸውን መሰረት ኣንብር። እቲ ሰብ ተገዳስነት እንተ ኣርእዩ፡ ኣብ ዚቕጽል ክትድውለሉ ኸለኻ እትምልሰሉ ሕቶ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። ኢ-መይል ክትገብረሉ ወይ ጽሑፍ ክትሰድደሉ ፍቓደኛ እንተ ዀይኑ እውን ክትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። ወይ ከኣ ካብ ቪድዮታትና ወይ ካብ ሕታማትና ብተክስት ወይ ብኢ-መይል ክትሰድደሉ ዚደሊ እንተ ዀይኑ፡ ክትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ወብ ሳይትና ዘሎ ኻልእ ነገራት ሓብሮ

a ምስክርነት ተሌፎን ኣብ ሃገርኩም እንተ ኣልዩ፡ ምስ ሕግታት ብሕታዊ ሓበሬታ ተሰማሚዕካ ኪግበር ኣለዎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ