ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb23 መስከረም ገጽ 13
  • ዘይሃይማኖተኛታት ሰባት ንፈጣሪኦም ኪፈልጡ ሓግዞም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዘይሃይማኖተኛታት ሰባት ንፈጣሪኦም ኪፈልጡ ሓግዞም
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ልቢ ዘይሃይማኖተኛታት ብኸመይ ትትንኪ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ነቲ ንመምሃሪ ዚኸውን ቀንዲ ናውቲ ጽቡቕ ጌርካ ተጠቐመሉ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ሓቂ ምሃር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ነቲ መርትዖ መርምሮ
    ንቕሑ!—2021
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
mwb23 መስከረም ገጽ 13
ሓንቲ ሓብቲ ንሓንቲ እስያዊት ሰበይቲ ትምስክረላ።

ክርስትያናዊ ህይወት

ዘይሃይማኖተኛታት ሰባት ንፈጣሪኦም ኪፈልጡ ሓግዞም

ዘይሃይማኖተኛታት ሰባት ኣይሰምዑን እዮም ብዚብል፡ ንዕኦም ካብ ምምስካር ድሕር ምሕር ኢልካዶ ትፈልጥ፧ ከምኡ ይስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ሓያሎ ዘይሃይማኖተኛታት ሰባት፡ እንተላይ ብህላወ ኣምላኽ ዘይኣምኑ ዝነበሩ ሰባት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪዀኑ ኸም ዝኸኣሉ ዘክር። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንህልውና ኣምላኽ ዜረጋግጽ መርትዖ ኺምርምሩ ንእሽቶ ሓገዝ ጥራይ እዩ ዜድልዮም።—ሮሜ 1:20፣ 10:14።

ነታ እምነት ዘይነበሮም ሰባት፡ እምነት ኬጥርዩ ኸም ዚኽእሉ ኣይትረስዕ!—ዘይሃይማኖተኛታት ሰባት ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዛ እትስዕብ ሕቶ መልሳ፦

ተመክሮ ቶማዞ ንዘይሃይማኖተኛታት ሰባት ምእንቲ ኽትምስክር ኣወንታዊ ኣርኣእያ ኽትሕዝ ዝሓገዘካ ብኸመይ እዩ፧

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

ሓደ ሰብ ብኣምላኽ ከም ዘይኣምን እንተ ገሊጹልካ፡ ለዋህን ሜለኛን ኩን፣ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ነገር ዘለዎ ሓሳብን ስምዒትን ኣኽብረሉ። (2ጢሞ 2:24) ብዛዕባ ንዕኡ ኺስሕቦ ዚኽእል ርእሰ ነገራት ተመያየጡ። ንብዙሓት ብፈጣሪ ኺኣምኑ ብዛዕባ ዝገበሮም መርትዖ ኺመያየጥ ፍቓደኛ ድዩ፧ ፍቓደኛ እንተ ዀይኑ፡ ነዚ ዕላማ እተዳለወ ሕታማትን ቪድዮታትን ተጠቐም። እተን ዎዝ ላይፍ ክሪኤትድ፧ን ዘ ኦርጅን ኦቭ ላይፍ—ፋይቭ ኰስችንስ ዎርዝ ኣስኪንግን ዘርእስተን ብሮሹራት ብቐሊሉ ምእንቲ ኺርከባ ኣብ ናውቲ ትምህርቲ ተጠቓሊለን ኣለዋ።

ኣብ ፈለማ፡ ምስ ሓደ ብህልውና ኣምላኽ ዘይኣምን ሰብ ብዛዕባ ሓቂ ኽትመያየጥ የፍርሃካ ይኸውን። ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ ካብ ሓደ ተመክሮ ዘለዎ ኣስፋሒ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንዘንቀዱ ሰባት ዋላ እውን ኣብ ፈለማ ብህልውናኡ ዘይኣምኑ ንዝነበሩ፡ ልቦም ክንትንኪ ኺሕግዘና ኸም ዚኽእል ኣይትረስዕ።—ግብ 13:48።

“ዎዝ ላይፍ ክሪኤትድ፧” ዘርእስታ ብሮሹር
“መበቈል ህይወት—ሓሙሽተ ኣገዳሲ ሕቶታት” ዘርእስታ ብሮሹር
    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ