ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp22 ቍ. 1 ገጽ 6-7
  • 1 | ኣይተዳሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 1 | ኣይተዳሉ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦
  • እዚ እንታይ ማለት እዩ፧
  • ክትገብሮ እትኽእል፦
  • ቲቶስ “ንረብሓኹም ዝሰርሕ መዓይይቲ”
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • 3 | ንጽልኢ ኻብ ኣእምሮኻ ኣውጽኣዮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ዓንኬል ጽልኢ ብኸመይ ይስበር፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
wp22 ቍ. 1 ገጽ 6-7
ሓደ ጸሊም ሰብ፡ ስእሊ ፍሽኽ ዝበለ ጻዕዳ ሒዙ ይርአ፣ ሓደ ጻዕዳ ኸኣ፡ ስእሊ ፍሽኽ ዝበለ ጸሊም ሒዙ ይርአ። ኣብ ድሕረ ባይታ ስእሊ እተቘጥዑ ሰባት ይርአ።

ዓንኬል ጽልኢ ብኸመይ ይስበር፧

1 | ኣይተዳሉ

ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦

“ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ ሕጂ ብሓቂ ተረዲኡኒ፣ የግዳስ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል እዩ።”—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35።

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

የሆዋa ኣምላኽ ብዓድና፡ ብዓሌትና፡ ብሕብሪ ቘርበትና፡ ወይ ብባህልና ኣይፈርደናን እዩ። የግዳስ፡ ኣብቲ ብሓቂ ዜገድስ ነገር፡ ማለት ኣብ ውሽጣዊ እንታይነትና እዩ ዜተኵር። እወ፡ “ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ የሆዋ ግና ልቢ እዩ ዚርኢ።”—1 ሳሙኤል 16:7።

ክትገብሮ እትኽእል፦

ልቢ ኸነንብብ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ንኣምላኽ ክንመስሎን ንኻልኦት ብዘይ ኣድልዎ ኽንርእዮምን ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ንሰባት ብደረጃ ጕጅለ ዘይኰነስ፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ክትርእዮም ጽዓር። ንኻልኦት ሰባት፡ ንበል ንወዲ ኻልእ ዓሌት ወይ ንወዲ ኻልእ ዓዲ ኣሉታዊ ስምዒታት እንተ ኣልዩካ፡ ናብ ኣምላኽ ጸሊ። ነዚ ስምዒታት እዚ ኻብ ሱሩ ኽትምሕዎ ምእንቲ ኺሕግዘካ እውን ለምኖ። (መዝሙር 139:23, 24) ብዘይ ኣድልዎ ንምምልላስ ዜድሊ ብርታዐ ንምርካብ ንየሆዋ ኻብ ልቢ እንተ ለሚንካዮ፡ ንሱ ጸሎትካ ሰሚዑ ኸም ዚሕግዘካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—1 ጴጥሮስ 3:12።

a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18።

“ይትረፍዶ ናብ እንዳ ሓደ ጻዕዳ ሰብ ከይደ ምስኡ ምግቢ ኽበልዕሲ፡ ብሰላም እኳ ኣብ ጥቓኡ ኾፍ ኢለ ኣይፈልጥን እየ። ሕጂ ግን ኣባል እቲ ናይ ሓቂ ዓለምለኻዊ ሕውነት ኰይነ እየ።”—ታይተስ

ናይ ሓቂ ታሪኽ—ታይተስ

ዓንኬል ጽልኢ ሰቢሩ

ታይተስ።

ታይተስ በቲ ኣብ ዓሌታዊ ፍልልይ እተመርኰሰ ጨቋኒ ሕግታት እተቘጥዐ ዕዋላ እዩ ነይሩ። ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “ናብቲ ጸለምቲ ሰባት ኪኣትውዎ ዘይፍቀደሎም ከም ሆቴልን ቤት መስተን ዝኣመሰለ ቦታ እናኸድና ንበኣስ ነበርና።” ልቡ ብጽልኢ መሊኡ ምንባሩ ድሕሪ ምግላጽ፡ “ምስ ሰብኣይ ይኹን ምስ ሰበይቲ ክከራኸር እንተ ጀሚረ፡ ወትሩ ቐዳመይቲ መጥቃዕቲ ዚፍኑ ኣነ እየ ነይረ” ይብል።

ታይተስ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ምስ ጀመረ፡ ኣብ ህይወቱ ለውጢ ኺገብር ጀመረ። መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣንበበ ኸኣ፡ ሓያል ጽልዋ ኣሕደረሉ። ምናዳ እቲ፡ “ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ” ዚብል ብዛዕባ ናይ መጻኢት ዓለም ዜተስፉ ተስፋ ምስ ኣንበበ፡ እዚ ንልቡ ተንከዮ።—ራእይ 21:3, 4።

ኣብ ፈለማ፡ ታይተስ ነቲ ኣብ ልቡ ዝነበረ ጽልኢ ምውጋድ ከቢድዎ ነይሩ እዩ። ነዚ ብዚምልከት ከኣ፡ “ንኣተሓሳስባይን ተግባራተይን ምቕያር ኣዝዩ ኸበደኒ” ብምባል ተኣሚኑ ኣሎ። እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35 እተማህሮ ነገር ግና ብዙሕ ሓገዞ። ኣብታ ጥቕሲ፡ ኣምላኽ ዘየዳሉ ኸም ዝዀነ ተገሊጹ ኣሎ።

እሞኸ እዚ እንታይ ኣፍረየሉ፧ ታይተስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ዓሌት ኰነ ሕብሪ ቘርበት ከይፈለዩ ኣብ ንሓድሕዶም ፍቕሪ ኸም ዘላቶም ምስ ረኣኹ፡ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከም ዚስዕቡ ኣመንኩ። ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ቕድሚ ምጥማቐይ እውን ከይተረፈ፡ ኣብታ ጉባኤ ዚርከብ ሓደ ጻዕዳ ሓው ናብ ቤቱ ዓደመኒ። ዝሓልም ዘለኹ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ቅድሚኡ ይትረፍዶ ናብ እንዳ ሓደ ጻዕዳ ሰብ ከይደ ምስኡ ምግቢ ኽበልዕሲ፡ ብሰላም እኳ ኣብ ጥቓኡ ኾፍ ኢለ ኣይፈልጥን እየ። ሕጂ ግን ኣባል እቲ ናይ ሓቂ ዓለምለኻዊ ሕውነት ኰይነ እየ።”

ተወሳኺ ታሪኽ ታይተስ ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 2009 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 28-29 ኣንብብ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ