ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp22 ቍ. 1 ገጽ 10-11
  • 3 | ንጽልኢ ኻብ ኣእምሮኻ ኣውጽኣዮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 3 | ንጽልኢ ኻብ ኣእምሮኻ ኣውጽኣዮ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦
  • እዚ እንታይ ማለት እዩ፧
  • ክትገብሮ እትኽእል፦
  • እስጢፋኖስ “ሞገስ ኣምላኽን ሓይልን መሊእዎ ነበረ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • እስጢፋኖስ ብዳርባ እምኒ ተቐትለ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ዓንኬል ጽልኢ ብኸመይ ይስበር፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
  • ንጽልኢ ኽንስዕሮ ንኽእል ኢና!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
wp22 ቍ. 1 ገጽ 10-11
ሓደ ሰብ ካልእ ምስ ዝዓሌቱ ሰብ ሰላም ኪብሃሃል ከሎ ብኣእምሮኡ ይስእል። ናይ ክልቲኦም ጽላሎት ግና ናይ ተቓውሞ ታቤላታት ሒዞም ንሓድሕዶም ይቋየቑ።

ዓንኬል ጽልኢ ብኸመይ ይስበር፧

3 | ንጽልኢ ኻብ ኣእምሮኻ ኣውጽኣዮ

ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦

“እቲ ሰናይን ቅቡልን ፍጹምን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ መርሚርኩም ክትፈልጡስ፡ ንኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ።”—ሮሜ 12:2።

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

ኣምላኽ ብኣተሓሳስባና ይግደስ እዩ። (ኤርምያስ 17:10) መሸም ጽልኢ ዜንጸባርቕ ዘበለ ኽንዛረብ ወይ ክንገብር የብልናን፣ ጽልኢ ንምውጋድ ግና፡ ካብኡ ንላዕሊ እውን ክንገብር ኣሎና። ዓንኬል ጽልኢ ኻብ ኣእምሮን ልብን እዩ ዚጅምር። ስለዚ፡ ኣሰር ጽልኢ ዘበለ ኻብ ሓሳባትናን ስምዒታትናን ክንምሕዎ ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና ጥራይ ኢና ብሓቂ ‘ኽንልወጥን’ ንዓንኬል ጽልኢ ኽንሰብሮን እንኽእል።

ክትገብሮ እትኽእል፦

ብዛዕባ ኻልኦት ሰባት፡ ምናዳ ኸኣ ደቂ ኻልእ ዓሌት ወይ ደቂ ኻልእ ዓዲ ብዛዕባ ዝዀኑ ሰባት እንታይ ከም እትሓስብን እንታይ ከም ዚስምዓካን ብቕንዕና ገዛእ ርእስኻ ገምግም። ‘ብዛዕባኦም እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘሎኒ፧ ኣረኣእያይ ኣብቲ ኣነ ብብሕቲ ብዛዕባኦም ዚፈልጦ ነገር እተመርኰሰ ድዩ፡ ወይስ ኣቐዲመ እየ ዝፈርዶም፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ጽልእን ዓመጻን ዚንጸባረቐሉ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ፊልም፡ ወይ መዘናግዒ ኣወግድ።

ቃል ኣምላኽ ንጽልኢ ኻብ ልብናን ካብ ኣእምሮናን ከነውጽኦ ይሕግዘና

ሓሳባትናን ስምዒታትናን ብፍትሓዊ መገዲ ምግምጋም ቀሊል ኣይኰነን። እንተዀነ ግና፡ ‘ቃል ኣምላኽ፡ ልቢ ዚሓስቦን ዚሕልኖን ክንመሚ’ ይሕግዘና እዩ። (እብራውያን 4:12) እምበኣር፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብቐጻሊ መርምሮ። ንትምህርትታቱ ምስ ኣተሓሳስባኻ ኣነጻጽሮ። ንኣተሓሳስባኻ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ንምስምማዕ ከኣ ዚከኣለካ ግበር። ቃል ኣምላኽ ነቲ ኣብ ኣእምሮናን ልብናን “ጽኑዕ ዕርድታት” ዝገበረ ጽልኢ ኽንስዕሮ ይሕግዘና እዩ።—2 ቈረንቶስ 10:4, 5።

ናይ ሓቂ ታሪኽ—ስቲቨን

ኣተሓሳስባኡ ቐዪሩ

ስቲቨን።

ስቲቨንን ኣባላት ስድራ ቤቱን፡ ነቲ ጸዓዱ ኣብ ልዕሊኦም ዘለዎም ጽልኢ ርእዮም እዮም። ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ስቲቨን ብሓደ ምእንቲ መሰላት ዚቃለስ ፖለቲካዊ ጕጅለ ተጸልዩ ነይሩ እዩ። ድሕርዚ ድማ፡ ብጽልኢ ተላዒልካ ኣብ ዚግበር ገበን ተሳቲፉ እዩ። ስቲቨን ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣነን ኣዕሩኸይን ነቲ ኣፍሪቃውያን ባሮት ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዘሕለፍዎ ስቓይ እተርኢ ፊልም ንርኢ ነበርና። በቲ ዘይፍትሓውነት ስለ እተቘጣዕና፡ ኣብቲ ሲነማ ንዝነበሩ ጸዓዱ መንእሰያት ቀጥቀጥናዮም። ካብኡ ወጺእና፡ ንኻልኦት እውን ምእንቲ ኽንቅጥቅጥ፡ ጸዓዱ ናብ ዚቕመጡሉ ኸባቢ ኸድና።”

ስቲቨን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ምስ ጀመረ፡ ኣብ ኣረኣእያኡ ዓብዪ ለውጢ ገበረ። ብዛዕባ እዚ ድማ ከምዚ ኢሉ የዘንቱ፦ “ንብዙሕ ዓሌታዊ ጽልኢ እተቓላዕኩ ብምንባረይ፡ በቲ ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝረኣኽዎ ነገራት ተደመምኩ። ንኣብነት፡ ሓደ ጻዕዳ ናይ የሆዋ ምስክር ናብ ካልእ ዓዲ ኺገይሽ ከሎ፡ ንደቁ ምስ ጸለምቲ ዝዀኑ ስድራ ቤት ሓዲግዎም ከደ። ሓንቲ ስድራ ቤት ጸዓዱ እውን ንሓደ መንበሪ ቤት ዘይነበሮ ጸሊም መንእሰይ፡ ምስኣ ኺነብር ተቐበለቶ።” እዚ ምስ ረኣየ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓድሕዶም ዚፋቐሩ ኣሕዋት ምዃኖም፡ የሱስ ድማ ብዛዕባ እዞም ናይ ሓቂ ክርስትያናት እዚኦም ከም እተነበየ ኣመነ።—ዮሃንስ 13:35።

እሞ ደኣ ስቲቨን ነቲ ብጽልኢ ተደሪኹ ዚወስዶ ዝነበረ ስጕምትታት ኪሓድጎ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ ሮሜ 12:2 ሓጊዛቶ እያ። ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ይብል፦ “ኣተሓሳስባይ ክቕይር ከም ዘሎኒ ተገንዘብኩ። ሰላማዊ ክኸውን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሰላማዊ ምዃን ዝበለጸ መገዲ ህይወት ከም ዝዀነ ገይረ ምእንቲ ኽርእዮ፡ ኣእምሮይ ብምሕዳስ ክልወጥ ነበረኒ።” ሕጂ ስቲቨን ንልዕሊ 40 ዓመት ካብ ጽልኢ ናጻ ዝዀነ ህይወት ይመርሕ ኣሎ።

ተወሳኺ ታሪኽ ስቲቨን ኣብ ናይ 1 ሓምለ 2015 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 10-11 ኣንብብ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ