ካብ ዚኽዘን ተጠቐመሉ
ኣብ ሓያሎ ጉባኤታት ናይ ቀደም ጽሑፋት ተኸዚኑ ኣሎ። ኣብ ጉባኤኻ እተኸዘነ ጽሑፋት እንተ ኣልዩ፡ ንቲኦክራስያዊ ቤተ-መጻሕፍትኻ ዝዀነካ ጽሑፋት ዘይትወስድ፧ ንገለ ኻብዚ ጽሑፋት እዚ፡ ትሕዝቶኡ ኣብ ዎች ታወር ላይብሬሪ ኽትረኽቦ ትኽእል እኳ እንተ ዀንካ፡ ኣብ ቤተ-መጻሕፍትኻ ኺህልወካ እውን ጠቓሚ እዩ። መጽናዕቲ እትመርሓሉ፡ ዕቤት ዜርኢ ተመሃራይ ኣሎካዶ፧ ነዚ ናይ ቀደም ጽሑፋት ብምእካብ፡ ኪጥቀመሉ ኣተባብዓዮ። ሓላው ቤት ትምህርቲ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት፡ እቲ ኣብ መኽዘን ጉባኤ ዘሎ ናይ ቀደም ጽሑፋት፡ ኣብ ቤተ-መጻሕፍቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዘይርከብ እንተ ዀይኑ፡ ኪወስድ ኣለዎ። እዚ ጽሑፋት እዚ፡ ሕጂ እውን ጥቕሚ ኣለዎ። ኣብ መኽዘን ጽሑፋት ጉባኤ ኣብ ክንዲ ዚቕመጥ፡ ክንጥቀመሉ ዝሓሸ እዩ።