መጽናዕቲ 43
እተመደበልካ ጽሑፍ ምጥቃም
መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ኣካላት ሰብ እዩ ዜመሳስላ። ነፍሲ ወከፍ ኣካል ኣገዳሲ እኳ እንተ ዀነ: ‘ተግባሩ ግን ሓደ ኣይኰነን።’ ምስዚ ብምስምማዕ: ኣብ ዝዀነ ይኹን እተኸፍተልና ኣጋጣሚ ኸነገልግል ኣሎና። እዚ ድማ ገለ ርእሰ ነገር ካብ ካልእ ርእሰ ነገር ዝያዳ ኣገዳሲ ኢልና ብምሕሳብ ንእተዋህበና ኽፍሊ ኣብ ክንዲ እንንዕቕ: ንዝዀነ ይኹን እተመደበልና ኽፍሊ ኽንርድኦን ብዚግባእ ከነቕርቦን ዚሓትት እዩ። (ሮሜ 12:4-8) እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ መንፈሳዊ ምግቢ “በብጊዜኡ” ንኬቕርብ ሓላፍነት ኣለዎ። (ማቴ. 24:45) በቲ እተዋህበና መምርሒታት ተመርኲስና ንብሕታዊ ኽእለታትና መደረታት ኣብ ምቕራብ ምስ እንጥቀመሉ: ነቲ ስርዓት ዘሎና ሞሳ ኢና እነርኢ። እዚ ንብምልእታ እታ ጉባኤ ብዘይ ዕንቅፋት ንኽትዓዪ ኣበርክቶ ይገብር።
ኣብ መደረኻ እተጠቓልሎ ነገራት። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ሓደ ርእሰ ነገር ምስ ዚወሃበካ: ኣብቲ ርእሰ ነገር ተመርኲስካ ኸተቕርቦ ደኣ እምበር: ኣብ ካልእ ከይትምርኰስ ተጠንቀቕ። ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት: መወከሲ ጽሑፍ ይወሃበካ እዩ። ንመደረኻ መሰረት ዚኸውን ነገር ካብ ኣየናይ ጽሑፍ ከም እተቕርብ እንተ ዘይተነጊሩካ: ካብ ዝደለኻዮ ምንጪ ሓበሬታ ኽትእክብ ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር: ንመደረኻ ኽትዳሎ ኸለኻ: ብምሉኡ እቲ እተቕርቦ ትምህርቲ ኣብቲ እተመደበልካ ርእሰ ነገር ከም ዜተኵር ኣረጋግጽ። ኣብ መደረኻ እንታይ ከም እተጠቓልል ክትውስን ከለኻ: ንሰማዕትኻ እውን ኣብ ግምት ከተእቱ ኣሎካ።
ነቲ መወከሲ ጽሑፍ ተጠንቂቕካ ኣጽንዓዮ: ነቲ ኣብኡ ዘሎ ጥቕስታት እውን መርምሮ። ድሕሪኡ: ንሰማዕትኻ ብዝያዳ ብዚጠቕሞም መገዲ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ኸም እትኽእል ሕሰበሉ። ካብቲ ጽሑፍ ኣብ መደረኻ ኸም ቀንዲ ነጥብታት ጌርካ እተቕርቦ ኽልተ ወይ ሰለስተ ነጥብታት ሕረ። ብተመሳሳሊ: ካብቲ እተመደበልካ ጽሑፍ ከተንብቦን ክትገልጾን እትደልዮ ጥቕስታት ሕረ።
ካብቲ ጽሑፍ ክንደይ ዚኣክል ክፋል ኢኻ ኽትሽፍን ዘሎካ፧ ብውጽኢታዊ መገዲ ኽትገልጾ እትኽእል መጠን ጥራይ ኢኻ ኽትሽፍን ዚግብኣካ። ብዙሕ ሓበሬታ ንኸተቕርብ ኢልካ: ንጽቡቕ ኣመሃህራ ኣይትዓምጽጾ። ገለ ኻብቲ ጽሑፍ ምስ ዕላማ እቲ መደረኻ ዘይሰማማዕ እንተ ዀይኑ: ኣብቲ ሸቶኻ ንኽትወቅዕ ዚሕግዘካ ኽፋል ኣተኵር። ካብቲ እተመደበልካ ጽሑፍ: ንሰማዕትኻ ዝያዳ ዜስተምህርን ዚጠቅምን ክፋል ተጠቐም። ኣብዚ ባህርይ መደረ እዚ ዕላማ ኽትገብሮ ዘሎካ: ክንደይ ዚኣክል ክትሽፍን ከም እትኽእል ዘይኰነስ: ነቲ ንመደረኻ መሰረት ኪኸውን እተመደበልካ ነገር ምጥቃምካ እዩ።
መደረኻ ነቲ እተመደበልካ ጽሑፍ ጽሙቕ ኣቢልካ እተቕርበሉ ጥራይ ኪኸውን የብሉን። እተወሰነ ነጥብታት ክትገልጽ: ብዝርዝር ከተብርህ: ብምሳሌ ኸተረድእ: ከምኡውን እንተ ተኻኢሉ ብኣብነት ጌርካ ኣወዓዕላኡ ኽትገልጽ ኣሎካ። ተወሳኺ ሓሳባት ነቲ ኣብቲ እተመደበልካ ጽሑፍ ዚርከብ ኣገዳሲ ነጥብታት ኬራጕዶ ደኣ እምበር: ኪትክኦ የብሉን።
መምህራን ንኪዀኑ ብቕዓት ዘለዎም ኣሕዋት: ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ትምህርቲ ይህቡ እዮም። ነቲ እተመደበሎም ጽሑፍ ብኻልእ ኣብ ክንዲ ዚትክእዎ: ከመይ ገይሮም ብዚግባእ ኪጥቀሙሉ ኸም ዘለዎም ይርድኡ እዮም። ብተመሳሳሊ: ህዝባዊ መደረታት ዜቕርቡ ኣሕዋት: ኪስዕብዎ ዘለዎም ኣስተዋጽኦታት ይወሃቦም እዩ። እዚ ኣስተዋጽኦታት እተወሰነ ምትዕጽጻፍ ዜፍቅድ እኳ እንተ ዀነ: ነቲ ኺግለጽ ዘለዎ ቐንዲ ነጥብታትን ነቲ ንዕኡ ዚድግፍ መርትዖታትን ነቲ መደረ መሰረት ዚኸውን ጥቕስታትን ግን ብንጹር ይሕብር እዩ። ኣብቲ እተመደበልካ ጽሑፍ ተመርኲስካ ብኸመይ ከም እትምህር ምፍላጥ: ካልእ ምስ ምስትምሃር እተተሓሓዘ ሓላፍነታት ንኽትረክብ ዜዳልወካ ኣገዳሲ ኽፋል እዩ።
እዚ ስልጠና እዚ ዕቤት ዚገብሩ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትመርሕ እውን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ካብቲ ርእሰ ነገር ወጺእካ መሳጢ ኪኸውን ዚኽእል ግን ከኣ ነቲ ርእሰ ነገር ንምርዳእ ዘይሕግዝ ካልእ ነጥብታት ብምጕላሕ ኣብ ክንዲ እትህውትት: ኣብቲ ዚጽናዕ ጽሑፍ ብኸመይ ከም እተተኵር ክትመሃር ኢኻ። እዚ ትምህርቲ እዚ ሒዝዎ ዘሎ መንፈስ እንተ ተረዲኡካ: ኣመና ደረቕ ብምዃን ነቲ ተመሃራይ ዜድልዮ መግለጺ ኸይሃብካዮ ኣይክትተርፍን ኢኻ።