ክርስትያናዊ ህይወት
ጽልኢ ብመለኮታዊ ትምህርቲ ይስዓር
የሆዋ ኣየዳሉን እዩ። (ግብ 10:34, 35) “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ህዝብታትን ቋንቋታትን” ዝዀኑ ሰባት ይቕበል። (ራእ 7:9) ስለዚ፡ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ጽልኢ ወይ ኣድልዎ ቦታ የብሉን። (ያእ 2:1-4) ሳላ መለኮታዊ ትምህርቲ፡ ባህርያት ሰባት ተቐይሩ ኣብ እንርእየሉ መንፈሳዊ ገነት ንነብር ኣለና። (ኢሳ 11:6-9) ኣብ ልብና ዘሎ ዝዀነ ይኹን ጽልኢ ኻብ ስሩ ንምም ሓው ብትግሃት ንዓዪ እንተ ደኣ ዄንና፡ ንኣምላኽ ከም እንመስሎ ኢና እነርኢ። —ኤፌ 5:1, 2።
ነታ ጆኒን ጊዴዎንን፦ ቀደም ጸላእቲ፡ ሕጂ ኣሕዋት ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ። ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ኣድልዎን ጽልእን ብምጥፋእ ዝመጸ፡ መለኮታዊ ትምህርቲ ኻብቲ ሰባት ዚገብርዎ ጻዕሪ ዚበልጽ ስለምንታይ እዩ፧
ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ሕውነትና ዜደንቐካ እንታይ እዩ፧
ክርስትያናዊ ሓድነትና ምስ እንዕቅብ፡ የሆዋ ዚኸብር ብኸመይ እዩ፧