ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bt ምዕ. 7 ገጽ 52-59
  • “ብዛዕባ የሱስ ኣበሰሮ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ብዛዕባ የሱስ ኣበሰሮ”
  • ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “እቶም ፋሕ ዝበሉ” (ግብሪ ሃዋርያት 8:4-8)
  • “ንዓይ እውን እዚ ስልጣን እዚ ሃቡኒ” (ግብሪ ሃዋርያት 8:9-25)
  • “ነቲ እተንብቦስ ብሓቂዶ ትፈልጦ ኢኻ፧” (ግብሪ ሃዋርያት 8:26-40)
  • ፊልጶስ ቀናእ ወንጌላዊ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ፊልጶስ ንሓደ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን የጠምቕ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ናይ ፓይነር መንፈስ ኣርኢ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ትፈልጥዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
ዝያዳ ርአ
‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
bt ምዕ. 7 ገጽ 52-59

ምዕራፍ 7

“ብዛዕባ የሱስ ኣበሰሮ”

ፊልጶስ ከም ወንጌላዊ መጠን ዝሓደጎ ኣብነት

ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 8:4-40 እተመስረተ።

1, 2. ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ንስብከት እቲ ብስራት ደው ንምባል እተገብረ ጻዕርታት ትጽቢት ዘይተገብረሉ ፍረ ዘፍረየ ብኸመይ እዩ፧

ብርቱዕ መሰጐጕቲ ተጀመረ፡ ሳውል ከኣ ነታ ጉባኤ “የጥፍኣ” ነበረ፣ እዛ ቓል እዚኣ ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ ንዜስካሕክሕ ጭከና ተመልክት። (ግብ. 8:3) እቶም ደቀ መዛሙርቲ ሃደሙ፣ እቲ ሳውል ንክርስትና ንምጥፋእ ዝሓሰቦ ሸቶ እውን እተዓወተ መሰለ። ይኹን እምበር፡ ካብቶም እተበተኑ ክርስትያናት ትጽቢት ዘይተገብረሉ ውጽኢት ተረኽበ። እዚኸ እንታይ እዩ ነይሩ፧

2 እቶም እተበተኑ፡ ኣብቲ ዝሃደሙሉ ሃገራት፡ “ቃል ብስራት እናኣበሰሩ” ኣብታ ምድሪ ዞሩ። (ግብ. 8:4) ሕስብ እሞ ኣብሎ! እቲ ነቲ ስብከት ደው ንምባል እተገብረ ጻዕርታት ፈሺሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ መልእኽቲ ብዝያዳ ኸም ዚዝርጋሕ እውን ገይርዎ እዩ! እቶም ሰጐጕቲ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸም ዚብተኑ ብምግባሮም፡ ከይተፈለጦም ነቲ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ርሑቕ ክልታት ከም ዚዝርጋሕ ገበሩ። ቀጺልና ኸም እንርእዮ፡ ኣብዚ ግዜና እውን ተመሳሳሊ ነገር ኣጋጢሙ እዩ።

“እቶም ፋሕ ዝበሉ” (ግብሪ ሃዋርያት 8:4-8)

3. (ሀ) ፊልጶስ እንታዋይ እዩ ነይሩ፧ (ለ) ኣብ ሰማርያ ብዙሕ ዘይተሰብከ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ኰይኑ ግና የሱስ ኣብቲ ኽሊ እቲ እንታይ ከም ዚኸውን እዩ እተነበየ፧

3 ሓደ ኻብቶም “ፋሕ ዝበሉ” ፊልጶስ እዩ ነይሩ።a (ግብ. 8:4፣ “ፊልጶስ እቲ ‘ወንጌላዊ’” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ንሱ ናብታ ብዙሕ ዘይተሰብከላ ኸተማ ሰማርያ ኸደ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ የሱስ ንሃዋርያቱ፡ “ናብ ዝዀነት ከተማ ሳምራውያን . . . ኣይትእተዉ፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ኪዱ” ኢልዎም ነበረ። (ማቴ. 10:5, 6) ኰይኑ ግና፡ ቀቅድሚ ምዕራጉ፡ “ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳብ ወሰናት ምድርን መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም” ስለ ዝበለ፡ ድሕሪ ግዜ ሰማርያ ኣጸቢቕካ ኸም ዚምስከረላ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።—ግብ. 1:8።

4. ሳምራውያን ንስብከት ፊልጶስ ብኸመይ ተቐበልዎ፧ ነዚ ኣበርክቶ ዝገበረኸ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

4 ፊልጶስ ናብ ሰማርያ ምስ ከደ፡ ሰማርያ ‘ንዓጺድ ጻዕድያ’ ጸንሓቶ። (ዮሃ. 4:35) እቲ ሒዝዎ ዝኸደ መልእኽቲ ነቶም ተቐማጦኣ ባህ ዜብል ነበረ፣ ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ብቐሊሉ ኺርድኣና ይኽእል እዩ። ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ዋላ ሓንቲ ርክብ ኣይነበሮምን፣ አረ ብዙሓት ኣይሁድሲ ንሳምራውያን ይንዕቅዎም እዮም ነይሮም። ሳምራውያን ነቲ መልእኽቲ ብስራት ዘይፈላሊ ዀይኑ ረኸብዎ፣ ካብቲ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ፈሪሳውያን ድማ ኣጸቢቑ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ፊልጶስ ብቕንኣትን ብዘይ ኣድልዎን ብምስባኽ፡ ከምቶም ንሳምራውያን ዚንዕቅዎም ሰባት ኣቐዲሙ ዘይፈርድ ምዃኑ ኣርኣየ። ብዙሓት ሳምራውያን “ብሓደ ሰሚሮም” ናብቲ ፊልጶስ ዚዛረቦ ምቕላቦም እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።—ግብ. 8:6።

5-7. ብምብትታን ክርስትያናት፡ እቲ ብስራት ከም እተዘርግሐ ዜርኢ ኣብነታት ሃብ።

5 ሎሚ እውን ከም ቀዳማይ ዘመን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ዚወርድ መስጐጕቲ ንስብከቶም ደው ኣየበሎን። ንክርስትያናት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምድጓን ወይ ናብ ካልእ ሃገር ከም ዚስደዱ ምግባር፡ ነቶም ኣብቲ ቦታ እቲ ዚርከቡ ሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምብጻሕ ጥራይ እዩ ሓጊዙ። ንኣብነት፡ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ናዚ እተዳጐኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜደንቕ ምስክርነት ኪህቡ ኺኢሎም እዮም። ሓደ ኣብ መዳጐኒ ደምበ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተራኸበ ኣይሁዳዊ፡ “እቶም እሱራት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበሮም ጽንዓት፡ እምነቶም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም እተመስረተት ኣእሚኑኒ፣ ኣነ እውን ናይ የሆዋ ምስክር ኰንኩ” በለ።

6 ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ነቶም ሰጐጕቲ እውን ምስክርነት ተዋሂብዎም እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ተቐቢሎምዎ እዮም። ንኣብነት፡ ፍራንዝ ደሽ ዝስሙ ናይ የሆዋ ምስክር ናብቲ ኣብ ኦስትርያ ዝነበረ መዳጐኒ ደምበ ጉዘን ምስ ገዓዘ፡ ምስ ሓደ መኰንን ኤስ.ኤስ. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ክኢሉ ነይሩ። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ምስ ተራኸቡን ክልቲኦም ኣወጅቲ እቲ ብስራት ከም ዝዀኑ ምስ ፈለጡን እተሰምዖም ሓጐስ እሞ ገምቶ!

7 ክርስትያናት ብሰንኪ መስጐጕቲ ናብ ካልእ ሃገር ኪሃድሙ ምስ ተገደዱ፡ ተመሳሳሊ ነገር ኣጋጢሙ እዩ። ንኣብነት፡ ብ1970ታት ደቂ ማላዊ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ዓዶም ኪሃድሙ ምስ ተገደዱ፡ ኣብ ሞዛምቢክ ዓብዪ ምስክርነት ሃቡ። ጸኒሑ ኣብ ሞዛምቢክ ምጽራር ምስ ተላዕለ እውን ከይተረፈ፡ እቲ ዕዮ ስብከት ቀጸለ። ፍራንሲስኮ ኮኣና፡ “ሓቂ እዩ፡ ገሌና ብሰንኪ ንጥፈታት ስብከት ብተደጋጋሚ ተኣሲርና ኢና፣ ኰይኑ ግና፡ ብዙሓት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ተቐበሉ፡ ኣምላኽ ከምቲ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝሓገዞም፡ ንዓና እውን ይሕግዘና ኸም ዘሎ ተኣማመንና” በለ።

8. ፖለቲካውን ቍጠባውን ለውጥታት ኣብ ዕዮ ስብከት እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩ፧

8 ንክርስትና ኣብ ወጻኢ ኽልታት ከም ዚሰፍሕ ዝገበረ፡ መስጐጕቲ ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ ቀረባ ዓሰርተታት ዓመታት እተፈጥረ ፖለቲካውን ቍጠባውን ለውጥታት፡ ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ሓያሎ ቛንቋታትን ህዝብታትን ከም ዚዝርጋሕ ገይሩ እዩ። ውግእ ኣብ ዘለዎ ዞባታትን ቍጠባዊ ውድቀት ኣብ ዘጋጠሞ ኸባብታትን ዚነብሩ ገሊኦም ሰባት ናብቲ ዝያዳ ርግኣት ዘለዎ ቦታታት ሃዲሞም፡ ኣብታ እተሰድዱላ ዓዲ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀሚሮም እዮም። ዋሕዚ ስደተኛታት፡ ክልታት ቋንቋ ወጻኢ ኸም ዚኽፈት ገይሩ እዩ። “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ህዝብታትን ቋንቋታትን” ንዝመጹ ሰባት ክትምስክር ትጽዕርዶ ኣለኻ፧—ራእ. 7:9።

“ንዓይ እውን እዚ ስልጣን እዚ ሃቡኒ” (ግብሪ ሃዋርያት 8:9-25)

እቲ ቕድም ስሒር ዚገብር ዝነበረ ስምኦን ኣብ ማሕፉዳ ዝመልአ ገንዘብ ሒዙ ናብ ሓደ ሃዋርያ ይቐርብ። እቲ ሃዋርያ ኣብ ልዕሊ ሓደ ክርስትያን ኢዱ ኣንቢሩ ኣሎ። ኣብ ድሕሪት፡ ካልእ ክርስትያን ንሓንቲ ልምስቲ ጓል የሕውያ፣ እቶም ነዚ ዝረኣዩ ድማ ይሕጐሱ።

“ስምኦን ከኣ እቲ መንፈስ ብምንባር ኣእዳው ሃዋርያት ከም እተዋህበ ምስ ረኣየ፡ ገንዘብ ኣምጺኡ፡ . . . ”​—ግብሪ ሃዋርያት 8:18

9. ስምኦን እንታዋይ እዩ ነይሩ፧ ናብ ፊልጶስ ዝሰሓቦኸ እንታይ ኪኸውን ኣለዎ፧

9 ፊልጶስ ኣብ ሰማርያ ብዙሕ ትእምርቲ ገበረ። ንኣብነት፡ ስንክልና ንዝነበሮም ኣሕወየ፡ እኩያት መናፍስቲ እውን ኣውጽአ። (ግብ. 8:6-8) ብፍላይ ሓደ ሰብኣይ በቲ ንፊልጶስ እተዋህቦ ተኣምራዊ ውህበት ተደነቐ። እዚ ሰብኣይ እዚ ስምኦን ዝስሙ ጠንቋሊ ዝነበረ ዀይኑ፡ ሰባት ኣዝዮም የኽብርዎ ስለ ዝነበሩ፡ “ሓይሊ ኣምላኽ እዚ እዩ” ይብሉ ነበሩ። ኰይኑ ግና፡ ፊልጶስ ተኣምራት ኪገብር ከሎ፡ ስምኦን ናይ ሓቂ ሓይሊ ኣምላኽ ብዓይኑ ረኣየ፡ ኣማኒ ድማ ዀነ። (ግብ. 8:9-13) ጸኒሑ ግና ውሽጣዊ ድራኸኡ ተፈተነ። ብኸመይ፧

10. (ሀ) ጴጥሮስን ዮሃንስን ኣብ ሰማርያ እንታይ ገበሩ፧ (ለ) ስምኦን ነቲ ጴጥሮስን ዮሃንስን ዘለዎም ፍሉይ መሰል ምስ ረኣየ እንታይ ገበረ፧

10 ሃዋርያት ነቲ ኣብ ሰማርያ እተገብረ ወሰኽ ምስ ሰምዑ፡ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ለኣኽዎም። (“ጴጥሮስ ነቲ ‘መፋትሕ መንግስተ ሰማያት’ ተጠቕመሉ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) እቶም ሃዋርያት ናብታ ኸተማ ምስ በጽሑ፡ ነቶም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ።b ስምኦን ነዚ ምስ ረኣየ፡ ተደመመ። ነቶም ሃዋርያት ከኣ፡ “ኣነ ኢደይ ዘንብረሉ ዘበለ፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኪቕበልሲ፡ ንዓይ እውን እዚ ስልጣን እዚ ሃቡኒ” ኢሉ ሓተቶም። ነዚ ቕዱስ መሰል እዚ ኺዕድግ ኢሉ እውን ገንዘብ ኣምጸኣሎም!—ግብ. 8:14-19።

11. ጴጥሮስ ንስምኦን እንታይ ኢሉ መዓዶ፧ ስምኦንከ እንታይ ምላሽ ሃበ፧

11 ጴጥሮስ ንስምኦን ተሪር ምላሽ ሃቦ። “ነቲ ናጻ ውህበት ኣምላኽ ብገንዘብ ክትገዝኦ ስለ ዝሓሰብካ፡ ብሩርካ ምሳኻ ይጥፋእ። ልብኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ኣይኰነን እሞ፡ ኣብዚ ነገር እዚ ኽፍሊ ወይ ግደ የብልካን” በሎ። ድሕሪኡ፡ ኪንሳሕን በደሉ ኺሕደገሉ ናብ ኣምላኽ ኪጽልን ነገሮ። “ምናልባት ክፍኣት ልብኻ እንተ ሓደገልካ፡ ናብ የሆዋ ተማህለል” በሎ። ስምኦን እኩይ ኣይነበረን፣ ቅኑዕ ኪገብር ይደሊ ነበረ፣ ንእተወሰነ ግዜ ግና መገዱ ስሒቱ ነበረ። ስለዚ ድማ፡ ነቶም ሃዋርያት፡ “ካብዚ ዝበልኩምዎ ሓደ እኳ ኸይበጽሓንስ፡ ናብ የሆዋ ተማህለሉለይ” ኢሉ ለመኖም።—ግብ. 8:20-24።

12. ስልጣን ቤተ ክርስትያን ምሻጥ ወይ ምዕዳግ ንህዝበ ክርስትያን መፈንጠራ ዝዀና ብኸመይ እዩ፧

12 እቲ ጴጥሮስ ንስምኦን ዝሃቦ መግናሕቲ፡ ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት ከም መጠንቀቕታ ዀይኑ የገልግል እዩ። ኣብ ታሪኽ እታ ኸሓዲት ዝዀነት ህዝበ ክርስትያን፡ ብዙሓት ንስልጣን ቤተ ክርስትያን ሸይጦምን ዓዲጎምን እዮም። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ፡ ታሽዓይ ሕታም እቲ ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (1878) ኸምዚ ይብል፦ “ብዛዕባ ታሪኽ እቲ ምስጢራዊ ኣኼባ ጳጳሳት መጽናዕቲ ዚገብር ተምሃራይ፡ ስልጣን ቤተ ክርስትያን ብምሻጥ ወይ ብምዕዳግ ዘይተበከለ ምርጫ ኽሳዕ ሕጂ ኸም ዘይተገብረ እዩ ዜረጋግጽ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከኣ፡ ኣብቲ ምስጢራዊ ኣኼባ ስልጣን ቤተ ክርስትያን ብምሻጥ ወይ ብምዕዳግ እተገብረ ተግባር፡ እቲ ዝኸፍአን ኣዝዩ ዜሕፍርን ኣዝዩ ቕሉዕን እዩ ነይሩ።”

13. ክርስትያናት ብዘይግቡእ መገዲ ሓላፍነት ንምርካብ ጻዕሪ ኸይገብሩ ኺጥንቀቑ ዘለዎም ብኸመይ እዮም፧

13 ክርስትያናት ካብዚ ዓይነት ሓጢኣት እዚ ኺጥንቀቑ ኣለዎም። ንኣብነት፡ ነቶም ተወሳኺ ፍሉይ መሰላት ኪህቡ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ብዙሕ ህያባት ብምሃብ ወይ እምብዛ ብምንኣድ፡ ሞገስ ኪረኽቡ ኺጽዕሩ የብሎምን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ነቶም ሃብታማት ከየዳልዉ ኺጥንቀቑ ኣለዎም። ኵሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ ካልኦት ‘ኪንእሱ፡’ መንፈስ የሆዋ ኽሳዕ ዚሸሞም ድማ ኪጽበዩ ኣለዎም። (ሉቃ. 9:48) ኣብ ውድብ ኣምላኽ ነቶም ‘ክብሪ ርእሶም’ ዚደልዩ ሰባት ዚኸውን ቦታ የሎን።—ምሳ. 25:27።

ጴጥሮስ ነቲ “መፋትሕ መንግስተ ሰማያት” ተጠቕመሉ

የሱስ ንጴጥሮስ፡ “መፋትሕ መንግስተ ሰማያት ክህበካ እየ” ኢልዎ ነበረ። (ማቴ. 16:19) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ እቲ “መፋትሕ” እቲ፡ ጴጥሮስ ንእተፈላለዩ ጕጅለታት ናብ መሲሓዊት መንግስቲ ንምእታው ፍልጠትን ኣጋጣምታትን ከም ዚኸፍተሎም እዩ ዚሕብር። ጴጥሮስ ነቲ መርሖታት መዓስ እዩ ተጠቒሙሉ፧

  • ነታ ቐዳመይቲ መርሖ፡ ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ.፡ ንኣይሁድን ንጵሮሴሊታትን ኪንስሑን ኪጥመቑን ምስ ተማሕጸኖም እዩ ተጠቒሙላ። ኣስታት 3,000 ሰባት ከምቲ ዝበሎም ገበሩ፡ ወረስቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪዀኑ ድማ ኣጋጣሚ ተኸፍተሎም።—ግብ. 2:1-41።

  • ነታ ኻልአይቲ መርሖ፡ ድሕሪ እቲ እስጢፋኖስ ሰማእት ዝዀነሉ ግዜ ነዊሕ ከይጸንሐ እዩ ተጠቒሙላ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ ጴጥሮስን ዮሃንስን ኣብቶም ካብ ዚጥመቑ ነዊሕ ዘይገበሩ ሳምራውያን ኣእዳዎም ኣንበሩ፡ ድሕሪኡ ኸኣ እቶም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ።—ግብ. 8:14-17።

  • ነታ ሳልሰይቲ መርሖ፡ ብ36 ድ.ክ. እዩ ተጠቒሙላ። ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ጴጥሮስ ነቲ ተስፋ ሰማያዊ ውርሻ፡ ንዘይተገዝሩ ኣህዛብ ከፈተሎም። እዚ ዝዀነ ድማ፡ ንቆርኔሌዎስ ምስ ሰበኸሉን ንሱ ኸኣ ካብ ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ናይ መጀመርታ ክርስትያን ወደ መዝሙር ምስ ኰነን እዩ።—ግብ. 10:1-48።

“ነቲ እተንብቦስ ብሓቂዶ ትፈልጦ ኢኻ፧” (ግብሪ ሃዋርያት 8:26-40)

14, 15. (ሀ) እቲ “ስሉብ ኢትዮጵያዊ” እንታዋይ እዩ ነይሩ፧ ፊልጶስ ዝረኸቦኸ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እቲ ኢትዮጵያዊ ነቲ ፊልጶስ ዝነገሮ መልእኽቲ ብኸመይ ተቐበሎ፧ ኪጥመቕ ዝገበሮ ውሳነ፡ ስምዒታዊ ዀይኑ ዝወሰዶ ስጕምቲ ዘይነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።)

14 ድሕርዚ፡ መልኣኽ የሆዋ ንፊልጶስ በታ ኻብ የሩሳሌም ናብ ጋዛ እትመርሕ መገዲ ኪኸይድ መምርሒ ሃቦ። ፊልጶስ በታ መገዲ እቲኣ ኪኸይድ ዘድለየሉ ምኽንያት ይሓስብ ነይሩ እንተ ዀይኑ፡ ንሓደ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ‘ትንቢት ኢሳይያስ ኬንብብ’ ምስ ረኸቦ ተመሊሱሉ እዩ። (“‘ስሉብ’ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ንፊልጶስ፡ ናብ ሰረገላ እቲ ሰብኣይ ኪቐርብ ደረኾ። ፊልጶስ ነቲ ኢትዮጵያዊ፡ “ነቲ እተንብቦስ ብሓቂዶ ትፈልጦ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ኢትዮጵያዊ ድማ፡ “ሓደ እኳ ኸይመሃረኒ፡ ከመይ ኢሉ ይዀነለይ፧” ኢሉ መለሰሉ።—ግብ. 8:26-31።

15 እቲ ኢትዮጵያዊ ንፊልጶስ፡ ናብ ሰረገላኡ ኺድይብ ሓተቶ። ድሕሪኡ ዝገበርዎ ምይይጥ እሞ ገምቶ! መንነት እቲ ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ እተጠቕሰ “በጊዕ” ወይ “ጊልያ፡” ንነዊሕ እዋን ምስጢር ኰይኑ ጸኒሑ ነይሩ። (ኢሳ. 53:1-12) ኰይኑ ግና፡ እናተጓዕዙ ኸለዉ፡ ፊልጶስ ነቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ፡ እዚ ትንቢት እዚ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ከም እተፈጸመ ገለጸሉ። እቲ ኢትዮጵያዊ ኸምቶም ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. እተጠምቁ ጵሮሴሊታት ስለ ዝነበረ፡ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ብኡብኡ ፈለጠ። “እንሆ ማይ፣ ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧” ኢሉ ንፊልጶስ ሓተቶ። ፊልጶስ ነቲ ኢትዮጵያዊ ብኡብኡ ኣጥመቖ።c (“ኣብ ማይ ምጥማቕ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ድሕሪኡ፡ ፊልጶስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ ናብ ኣሽዶድ ከደ፣ ኣብኡ ድማ ነቲ ብስራት ይሰብኽ ነበረ።—ግብ. 8:32-40።

“ስሉብ” ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

እታ “ስሉብ” ተባሂላ እትትርጐም ኢዩኑኮስ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ንሓደ ኸም ዘይወልድ እተገብረ ሰብኣይ ወይ ንሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ተመልክት። ንኣንስቲ ንጉስ ዚሕልዉ ሰበ ስልጣን ቃል ብቓሉ ስሉባት ኪዀኑ ዜድሊ እኳ እንተ ነበረ፡ ከም ኣሰላፊ ወይ ሓለቓ ግምጃ ዝኣመሰሉ ሰበ ስልጣን ግና ብልዕቶም ኪቝረጽ ኣየድልን እዩ ነይሩ። እቲ ፊልጶስ ዘጠመቖ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ኣዛዝ ገንዘብ ስለ ዝነበረ፡ ኪስለብ ኣየድልዮን እዩ ነይሩ። ብኻልእ ኣበሃህላ ሚኒስተር ፋይናንስ እዩ ነይሩ።

እቲ ኢትዮጵያዊ፡ ጵሮሴሊት እዩ ነይሩ፣ ማለት ንኣምልኾ የሆዋ እተቐበለ ኣይሁዳዊ ዘይኰነ ሰብ እዩ ነይሩ። ፊልጶስ ዝረኸቦ እውን፡ ኣብ የሩሳሌም ሰጊዱ ኺምለስ ከሎ እዩ። (ግብ. 8:27) ሕጊ ሙሴ ንስሉባት ሰባት ክፍሊ ማሕበር እስራኤል ከይዀኑ ዚኽልክል ስለ ዝነበረ፡ እቲ ኢትዮጵያዊ ቓል ብቓሉ ስሉብ ከም ዘይነበረ ኽንድምድም ንኽእል ኢና።—ዘዳ. 23:1።

ኣብ ማይ ምጥማቕ

ክርስትያናዊ ጥምቀት ብኸመይ እዩ ዚፍጸም፧ ገሊኦም ሰባት ኣብ ርእሲ ሰብ ማይ ምፍሳስ ወይ ምንጻግ እኹል ከም ዝዀነ ይኣምኑ። ይኹን እምበር፡ እቲ ጸብጻብ፡ “ክልቲኦም ፊልጶስን እቲ ስሉብን ናብቲ ማይ ወረዱ” እዩ ዚብል። (ግብ. 8:36, 38) ማይ ምፍሳስ ወይ ምንጻግ ጥራይ እኹል እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ እቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ንሰረገላኡ ኣብቲ ማይ ዚርከበሉ ቦታ ደው ኬብላ ኣይመድለዮን። ኣብ ሓርቢ ዝሓዞ ሒደት ማይ እኳ ምኣኸሎ። ኣብ “መገዲ ምድረ በዳ” ይጐዓዝ ስለ ዝነበረ እውን፡ እተወሰነ ማይ ሒዙ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ግብ. 8:26።

ብመሰረት እቲ ብሊደልን ስኮትን እተዳለወ ኤ ግሪክ-ኢንግሊሽ ሌክሲኮን ዚብሃል መዝገበ ቓላት፡ እታ “ምጥማቕ” ተባሂላ እትትርጐም ባፕቲዞ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ምጥላቕ፡ ምጥሓል” ማለት እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ንጥምቀት ዝጠቐሰሉ መገዲ፡ ምስዚ ትርጉም እዚ ዚሰማማዕ እዩ። ኣብ ዮሃንስ 3:23፡ “ኣብ ሄኖን፡ ኣብ ጥቓ ሳሊም ብዙሕ ማይ ስለ ዝነበረ፡ ኣብኡ የጥምቕ ነበረ” ዚብል ነንብብ። ብዛዕባ ጥምቀት የሱስ ዚገልጽ ጸብጻብ እውን፡ “ካብ ማይ ምስ ወጸ፡ ብኡብኡ ሰማያት ኪኽፈት . . . ከሎ ረኣየ” ይብል። (ማር. 1:9, 10) ስለዚ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ማይ ብምጥላቕ እዮም ዚጥመቑ።

16, 17. ሎሚ መላእኽቲ ኣብ ዕዮ ስብከት ዚሳተፉ ዘለዉ ብኸመይ እዮም፧

16 ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ኣብቲ ፊልጶስ እተኻፈለሉ ዕዮ ናይ ምዕያይ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣለዎም። ነቶም ኣብ ጕዕዞ ዀነ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ብወዝቢ ዜጓንፍዎም ሰባት፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ይነግርዎም እዮም። ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት፡ ቅኑዕ ምስ ዝልቦም ሰባት ምርኻቦም፡ ናይ ኣጋጣሚ ጥራይ ዘይምዃኑ ግሁድ እዩ። እቲ መልእኽቲ “ንዅሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን ህዝብታትን” ምእንቲ ኺበጽሖም፡ መላእኽቲ ነቲ ዕዮ ስብከት ይኣልይዎ ኸም ዘለዉ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዚገልጽ፡ እዚ እንጽበዮ ጕዳይ እዩ። (ራእ. 14:6) መላእኽቲ ኣብ ዕዮ ስብከት ናይ ምእላይ ግደ ኸም ዚህልዎም፡ የሱስ ተነብዩ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ብዛዕባ ስርናይን ክርዳድን ዝመሰሎ ምሳሌ፡ እቶም ኣብ ግዜ ቐውዒ፡ ማለት ኣብ መደምደምታ እዚ ስርዓት እዚ ኣብቲ ዕዮ ዚሳተፉ “ዓጻዶ፡” “መላእኽቲ” ምዃኖም ሓበረ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ እዞም መንፈሳውያን ፍጡራት፡ “መዐንቀፊ ዘበለን ጠሓስቲ ሕጊ ዘበሉን ካብ መንግስቱ ኺኣርዩ” ምዃኖም ገለጸ። (ማቴ. 13:37-41) መላእኽቲ ነቶም የሆዋ ናብ ውድቡ ኺስሕቦም ዚደሊ ወረስቲ እታ ሰማያዊት መንግስቲ ዀነ ነቶም ካብቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ዝዀኑ “ብዙሓት ህዝቢ” ኺእክብዎም ነበሮም።—ዮሃ. 6:44, 65፣ 10:16፣ ራእ. 7:9።

17 ገሊኦም ካብቶም ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት፡ መንፈሳዊ መሪሕነት ኪረኽቡ ይጽልዩ ኸም ዝነበሩ ምግላጾም፡ ነዚ መርትዖ ዚኸውን እዩ። ንኣብነት፡ ንኽልተ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽን ንሓደ ንእሽቶ ቘልዓን ዘጋጠሞም ተመክሮ እስከ ንርአ። ኣጋ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኰነ፡ እተን ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስብከተን ደው ኬብላ ሓሰባ፣ እቲ ቘልዓ ግና ዘይልማዱ ናብታ እትቕጽል ቤት ኪኸይድ ተሃንጠየ። በይኑ ኸይዱ ድማ ነታ ማዕጾ ዃሕኵሓ! ሓንቲ ሰበይቲ ነቲ ማዕጾ ምስ ከፈተቶ፡ እተን ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከይደን ኣዘራረባኣ። እቲ ዜገርም ድማ፡ እታ ሰበይቲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህራ ሰብ ኪመጻ ትጽሊ ኸም ዝነበረት ገለጸትለን። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓላ ድማ መደብ ተገብረ።

ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ውሽጢ ገዛኣ እናጸለየት ከላ፡ ናብ ኣገልግሎት ዝወፈሩ ሰብ ሓዳር ደወል ማዕጾኣ ይድውሉ።

“ኦ ኣምላኽ፡ ሓግዘኒ”

18. ንኣገልግሎትና ኣቕሊልና ኽንርእዮ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

18 ክፍሊ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸም ምዃንካ መጠን፡ ኣብዚ ዕዮ ስብከት ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ሰፊሑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ምስ መላእኽቲ ሓቢርካ ናይ ምዕያይ ፍሉይ ክብሪ ኣሎካ። ነዚ ኣቕሊልካ ኣይትርኣዮ። ጸኒዕካ ‘ብዛዕባ የሱስ እንተ ኣበሲርካ፡’ ዓብዪ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ።—ግብ. 8:35።

ፊልጶስ እቲ “ወንጌላዊ”

ሰዓብቲ ክርስቶስ ብሰንኪ መስጐጕቲ ምስ ተበተኑ፡ ፊልጶስ ናብ ሰማርያ ኸደ። ፊልጶስ ምስቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ይተሓባበር ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ፣ ከመይሲ፡ “እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያት፡ ሰማርያ ቓል ኣምላኽ ከም እተቐበለት ምስ ሰምዑ፡ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ለኣኹሎም።” ከም ውጽኢቱ፡ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሓደስቲ ኣመንቲ፡ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ።—ግብ. 8:14-17።

ፊልጶስ ምስቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ኣብ ሰረገላ ተወጢሑ ይርአ።

ድሕሪ እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 8 ተመዝጊቡ ዘሎ ፍጻመታት፡ ፊልጶስ ሓንሳእ ጥራይ እዩ ተጠቒሱ ዚርከብ። ካብቲ ፊልጶስ ፈለማ ዝሰበኸሉ ግዜ ኣስታት 20 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ፡ ሃዋርያ ጳውሎስን ብጾቱን ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኦም ወዲኦም ኪምለሱ ኸለዉ፡ ኣብ ጵቶልማዩስ በጽሑ። ድሕሪኡ ዝዀነ ነገር ሉቃስ ኬዘንቱ ኸሎ፡ “ንጽብሒቱ፡ ካብኣ ወጺእና ናብ ቂሳርያ በጻሕና፣ ናብ ቤት እቲ ሓደ ኻብቶም ሸውዓተ ዝነበረ ፊልጶስ እቲ ወንጌላዊ ኣቲና ድማ፡ ምስኡ ቐነና። ንሱ ትንቢት ዚንበያ ኣርባዕተ ዘይተመርዓዋ ኣዋልድ ነበራኦ” በለ።—ግብ. 21:8, 9።

ፊልጶስ ኣብቲ ኺሰብኽ እተመደበሉ ኽሊ ኪቕመጥ ዝወሰነ እዩ ዚመስል፡ ኣቦ ስድራ ዀይኑ እውን ነበረ። ሉቃስ ንፊልጶስ “ወንጌላዊ” ኢሉ ምጽዋዑ ኣገዳሲ ነገር እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ነዛ ቓል እዚኣ፡ ነቶም ነቲ ብስራት ኪሰብኩ ኢሎም ዓዶም ሓዲጎም ናብ ዘይተዓየ ቦታታት ዚኸዱ ሰባት እዩ ዚጥቀመላ። እምበኣር፡ ፊልጶስ ንኣገልግሎት ዝነበሮ ቕንኣት ኣይሃሰሰን። ትንቢት ዚንበያ ኣርባዕተ ኣዋልድ ዝነበራኦ ምዃኑ ድማ፡ ኣባላት ስድራ ቤቱ ንየሆዋ ኼፍቅራኦን ኬገልግላኦን ከም ዝመሃረን እዩ ዚሕብር።

a እዚ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ፊልጶስ፡ ሃዋርያ ፊልጶስ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ምዕራፍ 5 እዛ መጽሓፍ እዚኣ እተጠቕሰ፡ ካብቶም ነተን ኣብ የሩሳሌም ዝነበራ ተዛረብቲ ግሪኽኛን ተዛረብቲ እብራይስጥን ዝዀና መበለታት ምግቢ ዕለት ኣብ ምምቃል እተሸሙ “ብጽቡቕ እተመስከረሎም . . . ሸውዓተ ሰብኡት” ሓደ እዩ ነይሩ።—ግብ. 6:1-6።

b ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ዚጥመቑሉ እዋን፡ ብመንፈስ ቅዱስ ይቕብኡ ወይ መንፈስ ቅዱስ ይቕበሉ ነበሩ። እዚ ኸኣ ኣብ ሰማይ ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ምስ የሱስ ኪገዝኡ ተስፋ ይህቦም ነበረ። (2 ቈረ. 1:21, 22፣ ራእ. 5:9, 10፣ 20:6) ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ኣጋጣሚ ግና፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኺጥመቑ ኸለዉ ኣይተቐብኡን። ጴጥሮስን ዮሃንስን ነቶም ሓደስቲ እተጠምቁ ክርስትያናት ኣእዳዎም ምስ ኣንበሩሎም፡ መንፈስ ቅዱስን ምስኡ እተተሓሓዘ ተኣምራዊ ውህበትን ተቐበሉ።

c እዚ ተግባር እዚ፡ ስምዒታዊ ዀይኑ ዝወሰዶ ስጕምቲ ኣይኰነን። ጵሮሴሊት ስለ ዝነበረ፡ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት፡ እንተላይ ብዛዕባ መሲሓዊ ትንቢታት ኣቐዲሙ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዝነበሮ ግደ ምስ ፈለጠ፡ ከይደንጐየ ኺጥመቕ ከኣለ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ