ክርስትያናዊ ህይወት
ክትሰብኽን ክትምህርን ትኽእል ኢኻ!
ሙሴ ኣብ ፈለማ፡ ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ዕዮ ኺፍጽሞ ዚኽእል እንተ ዀይኑ ተጠራጢሩ ነይሩ እዩ። (ዘጸ 4:10, 13) ንስኻኸ ኸምኡ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ተጽንዕ ኣለኻ ዲኻ፧ እሞኸ፡ ኣብ በቤት እናኸድካ ክትምስክር ከም ዘይትኽእል ኰይኑ ይስምዓካ ድዩ፧ ምናልባት፡ መንእሰይ እንተ ዄንካ ድማ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምምስካር ይኸብደካ ይኸውን። ወይ ከኣ፡ ብተሌፎን ኣብ ዚግበር ምስክርነት ወይ ብግህዶ ኣብ ዚግበር ገሊኡ መዳያት ምስክርነት ምክፋል የፍርሃካ ይኸውን። ከምዚ እንተ ኣጋጢሙካ፡ መንፈስ ቅዱሱ ኺህበካ ንየሆዋ ለምኖ። (1ጴጥ 4:11) ንዚህበካ ዝዀነ ይኹን ዕዮ ምእንቲ ኽትዋጽኣሉ ኸም ዜዕጥቐካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—ዘጸ 4:11, 12።
ነታ ትብዑ!—ኣቱም ኣስፋሕቲ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ሓብትና ኣዎያማ እንታይ ጸገም እዩ ኣጋጢምዋ፧
ሓይልን ትብዓትን ዝረኸበት ካበይ እያ፧—ኤር 20:7-9
ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብምምጥጣራ እንታይ ጥቕሚ እያ ረኺባ፧
የሆዋ፡ ኣብ ኣገልግሎት ንዜጋጥመካ ጸገማት ክትዋጽኣሉ ዚሕግዘካ ብኸመይ እዩ፧