ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mrt ዓንቀጽ 34
  • ግብረ ሽበራ ኼብቅዕ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ግብረ ሽበራ ኼብቅዕ ድዩ፧
  • ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ብዛዕባ ግብረ ሽበራ ኸመይ ይስምዖ፧
  • ቀንዲ ጠንቂ ግብረ ሽበራ
  • ግብረ ሽበራ ዜብቅዓሉ
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • “ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • መጽሔታት ክንዕድል ከሎና እንታይ ከም እንብል
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
mrt ዓንቀጽ 34
ሓደ ሰራሕተኛ መጥፋእቲ ሓዊ፡ ኣብ ዝፈረሰ ህንጻ ንዘለዉ ሰባት ይሕግዝ።

ግብረ ሽበራ ኼብቅዕ ድዩ፧

ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምስ ኣጋጠመ፡ ‘እምበርዶ ኣምላኽ ይሓሊ እዩ፧ እዚ ነገራት እዚ ዜጋጥም ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ግብረ ሽበራa የብቅዕ ዶዀን ይኸውን፧ ፍርሂ እናተሰምዓኒ ኽነብር ዝኽእል ከመይ ኢለ እየ፧’ ኢልካ ኽትሓትት ባህርያዊ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነዚ ሕቶታት እዚ ዚኸውን ዜዕግብ መልሲ ይህብ እዩ።

ኣምላኽ ብዛዕባ ግብረ ሽበራ ኸመይ ይስምዖ፧

ኣምላኽ ዓመጻን ግብረ ሽበራን ይጸልእ እዩ። (መዝሙር 11:5፣ ምሳሌ 6:16, 17) እቲ ወኪል ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ንዓመጻ ምስ ተለዓዓሉ፡ ኣምሪሩ ገኒሕዎም እዩ። (ማቴዎስ 26:50-52) ሽሕ እኳ ገሊኣቶም ብስም ኣምላኽ ዓመጻ ዚፍጽሙ እንተዀኑ፡ ኣምላኽ ግና ከምኡ ኺገብሩ ኣይፈቕደሎምን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ኣምላኽ ንጸሎቶም ኣይሰምዖን እዩ።—ኢሳይያስ 1:15።

ኣምላኽ ንዅሎም እቶም መከራ ዚወርዶም፡ እንተላይ ነቶም ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዜጋጠሞም ይሓልየሎም እዩ። (መዝሙር 31:7፣ 1 ጴጥሮስ 5:7) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንዓመጻ መወዳእታ ኺገብረሉ ምዃኑ ይሕብር እዩ።—ኢሳይያስ 60:18።

ቀንዲ ጠንቂ ግብረ ሽበራ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ሰብ ንሰብ ንጕድኣቱ ኸም ዚገዝእ’ ብምሕባር፡ ቀንዲ ጠንቂ ግብረ ሽበራ እንታይ ምዃኑ ይገልጽ እዩ። (መክብብ 8:9) ኣብ ምሉእ ታሪኽ ደቂ ሰብ፡ ሓያላት ሰባት፡ ግብረ ሽበራ ኸም መሳርሒ ተጠቒሞም ንኻልኦት ሰባት ጨቊኖም እዮም። ካልኦት ከኣ ጭቈና ምስ ኣጋጠሞም፡ ንግብረ ሽበራ ኸም ፍታሕ ተጠቒሞምሉ እዮም።—መክብብ 7:7።

ግብረ ሽበራ ዜብቅዓሉ

ኣምላኽ ንፍርህን ዓመጻን መወዳእታ ኺገብረሉ፡ ኣብ ምድሪ ኸኣ ሰላም ኬስፍን ምዃኑ ኣተስፍዩ ኣሎ። (ኢሳይያስ 32:18፣ ሚክያስ 4:3, 4) ነዚ ዚስዕብ ድማ ኪፍጽም እዩ፦

  • ነቲ ቐንዲ ጠንቂ ግብረ ሽበራ ኼወግዶ እዩ። ኣምላኽ ንሰብኣውያን መንግስትታት በታ ኣብ መላእ ምድሪ እትገዝእ መንግስቱ ገይሩ ኺትክአን እዩ። እቲ ገዛኢ እዛ መንግስቲ እዚኣ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ንዅሉ ሰብ ብፍትሒ ኺሕዞ፡ ንዅሉ ጭቈናን ዓመጻን ድማ ኬወግዶ እዩ። (መዝሙር 72:2, 14) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ግብረ ሽበራ ዚፍጽም ሰብ ኣይኪህሉን እዩ። ሰባት “ብብዝሒ ሰላም ኣዝዩ ደስ ኪብሎም እዩ።”—መዝሙር 37:10, 11።

  • ንዅሉ እቲ ግብረ ሽበራ ዘስዓቦ ጸገማት ኬልግሶ እዩ። ኣምላኽ ንሰባት ካብቲ ግብረ ሽበራ ዘስዓበሎም ኣካላውን ስምዒታውን ጕድኣት ኬሕውዮም እዩ። (ኢሳይያስ 65:17፣ ራእይ 21:3, 4) ኣምላኽ ንምዉታት ኬተንስኦምን ኣብታ ሰላም ዝሰፈና ምድሪ ብህይወት ኬንብሮምን ምዃኑ ኣተስፍዩ ኣሎ።—ዮሃንስ 5:28, 29።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ስጕምቲ ኺወስድ ምዃኑ ኼእምነና ዚኽእል ሓሳባት ይህበና እዩ። ይኹን እምበር፡ ‘ኣምላኽ ንምንታይ እዩ ኽሳዕ ሕጂ ንግብረ ሽበራ መወዳእታ ዘይገበረሉ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። መልሲ እዛ ሕቶ ንምርካብ፡ “ኣምላኽ፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧” እትብል ቪድዮ ርአ።

a “ግብረ ሽበራ” ኺብሃል ከሎ፡ ዓመጻ ኸም መሳርሒ ተጠቒምካ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ፍርሂ ብምሕዳር፡ ፖለቲካዊ፡ ሃይማኖታዊ ወይ ማሕበራዊ ለውጢ ንምምጻእ ዕላማኻ ምፍጻም ማለት እዩ። ይኹን እምበር፡ ሰባት ብዛዕባ ሓደ ተግባር፡ ግብረ ሽበራ ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣብ ምውሳን ሓሳባቶም ኪፈላለ ይኽእል እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ሰባት ኪጻወሩ ይሕግዞም

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኪሕግዘካ ዚኽእል ክልተ ምኽሪ።

  • ናብ ኣምላኽ ጸሊ።—ፊልጲ 4:6, 7።

  • ኣብቲ ተስፋ ዝሓዘ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣተኵር።—እብራውያን 6:19።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተወሳኺ ምኽሪ እንተ ደሊኻ፡ “ንጭንቀት ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

ብሰንኪ ግብረ ሽበራ ጸገም ዘሕለፉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ካብ ኣመንቲ ብጾቶም ደገፍ ረኺቦም እዮም። ክልተ ኣብነት ርአ፦

  • ኣብ ሩስያ፡ ኣብ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ በስላን እተነብረ ዕንባባታት ዝኽሪ።

    ናታልያን ወዲ ትሽዓተ ዓመት ዝዀነ ኣስላን ወዳን ኣብ በስላን ሩስያ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኸለዉ፡ ዕጡቓት ግብረ ሽበራውያን ነቲ ቤት ትምህርቲ ብምውራር ንልዕሊ 1,000 ሰባት ጅሆ ሒዞምዎም። እቲ ዜሕዝን ከኣ፡ ብዙሓት ቈልዑ ዚርከብዎም ኣማእታት ሰባት ሞይቶም እዮም። ሽሕ እኳ ናታልያን ኣስላንን ብህይወት እንተ ተረፉ፡ እቲ ዘጋጠሞም ነገር ግና ስምዒታዊ በሰላ ሓዲጉሎም እዩ። ካብ ጭንቀቶም ኪናገፉ ዝሓገዞም እንታይ ምዃኑ ርአ።

  • ፓብሎን ሶፊን።

    እተን ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዝነበራ፡ ትዊን ታወርስ ተባሂለን ዚፍለጣ ህንጻታት ብግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምስ ዓነዋ፡ ፓብሎን ሶፊን ወዶም ስኢኖም እዮም። ንዕኦምን ንኻልኦትን ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዘስዓበሎም ጸገማት ኺዋጽኡሉ ዝሓገዞም እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ፡ ነዛ እትስዕብ ቪድዮ ርኣያ፦

መጽሓፍ ቅዱስ ሰባት ኪቕየሩ ይሕግዞም

ብዙሓት ሰባት በቲ ኣብዚ ዓለም ዜጋጥም ምጕዳል ፍትሕን ጭቈናን ይበሳጨዉ እዮም። ናይ ሽግሮም መፍትሒ፡ ዓመጻን ግብረ ሽበራን ከም ዝዀነ ጥራይ ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ግና ኪልወጡ ይኽእሉ ድዮም፧ እወ። መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንገሊኦም ሰባት ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ንምፍላጥ ነታ፡ “ኢዝ አ ዎርልድ ዊዝኣውት ተረሪዝም ፖሲብል፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ