ኣምላኽ ንዅሉ ዓይነት ኣምልኾ ይቕበሎ ድዩ፧
ልሙድ መልስታት፦
▪ “ኵለን ሃይማኖታት ናብ ኣምላኽ ዚመርሓ መገድታት እየን።”
▪ “ቅኑዕ እንተ ዄንካ፡ እትኣምነሉ ነገር ኣገዳስነት የብሉን።”
የሱስ እንታይ በለ፧
▪ “እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ፡ መገዳውን ገፋሕ እያ፡ እቶም ብእኣ ዚአትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳውን ቀጣን እያ፡ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ እተዉ።” (ማቴዎስ 7:13, 14) የሱስ፡ ኵለን መገድታት ናብ ኣምላኽ ከም ዚመርሓ ኣይኣምንን እዩ ነይሩ።
▪ “በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰንናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ፡ ክብሎም እየ።” (ማቴዎስ 7:22, 23) የሱስ ንዅሎም እቶም ሰዓብቱ ኸም ዝዀኑ ዚዛረቡ ኣይተቐበሎምን።
ብዙሓት ሃይማኖተኛታት ንእምነታቶምን ልምድታቶምን ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። እንተዀነ ግን፡ እቲ ትምህርትታት ምስቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ነገራት ዘይሰማማዕ እንተ ዀይኑኸ፧ የሱስ ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት፡ “ምእንቲ ስርዓትኩም ትእዛዝ ኣምላኽ ተፍርሱ አሎኹም” ኪብሎም ከሎ፡ ልምድታት ሰብ ምስዓብ ዘለዎ ሓደጋ ገሊጹ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ኻባይ ርሑቕ እዩ። ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ እናመሀሩ፡ ንኸንቱ የምልኹኒ” ብምባል ነቲ ኣምላኽ ኣቐዲሙ እተዛረቦ ቓል ደገሞ።—ማቴዎስ 15:1-9፣ ኢሳይያስ 29:13።
እምነት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ተግባር እውን ኣገዳሲ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ገሊኦም ንኣምላኽ ከም ዜምልኹ ዚዛረቡ ሰባት፡ “ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ባዕሎም ይብሉ፡ . . . በቲ ግብሮም ይኽሕድዎ አለዉ” ይብል። (ቲቶስ 1:16) ብዛዕባ እቶም ኣብ ግዜና ዘለዉ ሰባት እውን፡ “ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ተድላ ኣዕዚዞም ዚፈትዉ፥ መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም፥ ነቲ ኃይሉ ግና ዚኽሕድዎ፥ ኪኾኑ እዮም። ካብዚኣቶም ርሓቕ” ይብል።—2 ጢሞቴዎስ 3:4, 5 ትርጕም 1990።
ቅንዕና ኣድላዪ እኳ እንተ ዀነ፡ ካብኡ ንላዕሊ ግን የድሊ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ሓደ ሰብ ብቕንዕና እውን ኪጋገ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ቅኑዕ ፍልጠት ምርካብ ኣገዳሲ እዩ። (ሮሜ 10:2, 3) ነዚ ፍልጠት እዚ ምቕሳምን ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ነገራት ተሰማሚዕካ ምንባርን፡ ንኣምላኽ ንኸነሐጕሶ የኽእለና። (ማቴዎስ 7:21) ብሓቂ እምበኣር፡ ቅኑዕ ሃይማኖት ኪበሃል ከሎ፡ ቅኑዕ ድራኸን ቅኑዕ እምነትን ቅኑዕ ተግባርን የጠቓልል። ቅኑዕ ተግባር ኪበሃል ከሎ ድማ፡ መዓልታዊ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ማለት እዩ!—1 ዮሃንስ 2:17።
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚብለና ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ምሳኻ ብናጻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺገብሩ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብ።
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ቅኑዕ ሃይማኖት ኪበሃል ከሎ፡ ቅኑዕ ድራኸን ቅኑዕ እምነትን ቅኑዕ ተግባርን የጠቓልል