ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp18 ቍ. 2 ገጽ 3
  • ብዛዕባ መጻኢ ምንባይ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዛዕባ መጻኢ ምንባይ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2018
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ትውክልቲ እትገብረሉ ምኽንያት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • እተፈጸመ ትንቢታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2018
  • ትውክልቲ ክትገብረሉ እትኽእል ትንቢት ምድላይ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ብዛዕባ መጻኢ ኺፈልጥ ዚኽእል ኣሎዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2018
wp18 ቍ. 2 ገጽ 3
ሓደ ሰብኣይ ን7 መዓልቲ ዚህሉ ዅነታት ኣየር ይንበ

ብዛዕባ መጻኢ ምንባይ

ኣብ መጻኢ ንዓኻን ንስድራ ቤትካን እንታይ ይጽበየኩም ከም ዘሎ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ክትህብትም ዲኻ ወይስ ክትደኪ፧ ፍቕሪ ኽትረክብ ዲኻ ወይስ ክትስእን፧ ነዊሕ ዕምሪ ድዩ ኺህልወካ ወይስ ሓጺር ዕምሪ፧ ሰባት ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ንኣሽሓት ዓመታት ግምታቶም ሂቦም እዮም።

ሎሚ፡ ክኢላታት ብዛዕባ ዅነታት ዓለም መጽናዕቲ ድሕሪ ምግባር፡ ብዛዕባ መጻኢ ይንበዩ እዮም። ብዙሕ ግዜ ኸምቲ እተነበይዎ ዚኸውን እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ገሊኡ ግና ከምኡ ኣይከውንን እዩ፣ ኣብ ገሊኡ ኸኣ ብኣንጻሩ እዩ ዚኸውን። ንኣብነት፡ ብ1912 እቲ ገመድ ኣልቦ ተሌግራፍ ዝመሃዘ ጉልየልሞ ማርኮኒ፡ “ምምጻእ መዋእል ገመድ ኣልቦ፡ ንውግእ ዘይከኣል ኪገብሮ እዩ” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ። እቲ ብ1962 ንቢትልስ ዘይተቐበሎም ፈጻሚ ነገር ኩባንያ ሪኮርድ ዴካ ኸኣ፡ ጊታር ዚጻወቱ ጕጅለታት ሙዚቃ እናሃሰሱ ኸም ዚኸዱ ይኣምን ነይሩ እዩ።

ብዙሓት ሰባት ካብ ልዕለ ባህርያዊ ሓይልታት ብዛዕባ መጻኢ ዚእምት ሓበሬታ ኺረኽቡ ይጽዕሩ እዮም። ገሊኦም ካብ ቈጸራ ኸዋኽብቲ ምኽሪ የናድዩ እዮም፣ ሆሮስኮፕ ድማ ኣብ ሓያሎ መጽሔታትን ጋዜጣታትን ስሩዕ ዓምዲ ዀይኑ ኣሎ። ገሊኦም ከኣ ብካርታታት፡ ብቝጽርታት፡ ወይ ኣብ ኢድ ብዘሎ ሕንጻጻት ገይሮም ብዛዕባ መጻኢ “ነንብብ” ካብ ዚብሉ ጠንቈልቲ ወይ ሳይክያተኛ ምኽሪ ይደልዩ እዮም።

ጥንቲ ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ መጻኢ ኺፈልጡ ኢሎም ኦራክል ንዚብሃሉ ኻብ ኣማልኽቲ መልእኽቲ ኸም ዜመሓላልፉ ንዚእመነሎም ደቂ ተባዕትዮ ወይ ደቂ ኣንስትዮ ኻህናት ይውከሱ ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ክሮይሶስ ንጉስ ልድያ ምስ ቂሮስ እቲ ፋርሳዊ እንተ ተዋጊኡ መኖም ከም ዚስዕር ኪፈልጥ ምስ ደለየ፡ ነዚ ሕቶ እዚ ምስ ክቡር ህያባት ገይሩ ኣብ ግሪኽ፡ ኣብ ደልፊ ናብ እትርከብ ኦራክል ለኣኾ። እታ ኦራክል ድማ ክሮይሶስ ምስ ቂሮስ ንምውጋእ እንተ መሪሹ፡ “ዓብዪ ሃጸያዊ ግዝኣት” ከም ዜጥፍእ ነገረቶ። ክሮይሶስ ዓወት ከም ዚጭብጥ ተኣማሚኑ ተጓዕዘ፣ እቲ ዝጠፍአ ዓብዪ ሃጸያዊ ግዝኣት ግና ናቱ እዩ ነይሩ።

እቲ እታ ኦራክል እተነበየቶ ዜማትእ ትንቢት ዋላ ሓንቲ ኣይረብሕን እዩ ነይሩ፣ ኣብቲ ውግእ መኖም ይስዓር ብዘየገድስ ሓቂ ኺመስል ዚኽእል እዩ ነይሩ። ክሮይሶስ ብሰንኪ እቲ ጥፍኣት ዘምጽኣሉ ግጉይ ሓበሬታ ዓብዪ ዋጋ እዩ ኸፊሉ። እሞኸ እቶም ሎሚ ብዛዕባ መጻኢ ንምፍላጥ ዝውቱር ሜላታት ዚጥቀሙ ዘለዉ ዝሓሸ ፍረ ረኺቦምዶ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ