ሳጹን ሕቶ
◼ ኣኼባታት ጉባኤ ንኽትመሃረሉ ዚምሽእ ኣብ ምግባር ኵሉ ሰብ እጃሙ ኼበርክት ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ዘዳ. 31:12)
እቲ ንየሆዋን ንኣኼባታት ጉባኤን ዘሎና ዓሚቚ ኣኽብሮት፡ ናብ ኣኼባታት ብኣጋኡ መጺእና ድሉዋት ኴንና ንኽንመሃር ኪድርኸና ኣለዎ። ኣብ ድሕሪት ዚርከብ ኮፍ መበሊ ነቶም ቈልዑ ዘለዉዎምን ሓድሓደ ግዜ ደንጕዮም ዚመጹን ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣብ ቅድሚት ኮፍ እንተ በልና ዝሓሸ እዩ። ብዘይካዚ፡ ከም ሞባይል ዝኣመሰለ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ነቶም ሰማዕቲ ኸይርብሾም ክንጥንቀቕ ኣሎና። እቶም ተኣከብቲ ኣብ ብምሉኡ እቲ ኣኼባ ንየሆዋ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ዜንጸባርቑ እንተ ዀይኖም፡ እቲ ኼጋጥም ዚኽእል ረብሻ ይንኪ እዩ።—መክ. 5:1፣ ፊል. 2:4።
ሓደስቲ ሰባት ናብ ኣኼባታትና እንተ መጺኦም፡ ሓደ ዚፈልጦም ሰብ ምስኦም ኮፍ ኪብል ይኽእል እዩ። ከምዚ ምግባር፡ ብሕልፊ ንኣሽቱ ቘልዑ እንተ ኣልዮምዎም፡ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ። ኣኼባታትና ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሓድሽ ነገር ኪዀኖም ይኽእል እዩ፣ ንደቆም ኣለይመለይ ኪብሉ ናብ ደገ ኪኸዱ ኸለዉ ንኻልኦት እምንቲ ኸይርብሹ ድማ ኣብ ድሕሪት ኮፍ እንተ በሉ ይሓይሽ። (ምሳ. 22:6, 15) ንኣሽቱ ቘልዑ ዘለዉዎም ወለዲ፡ ውሉዳቶም ከም ድላዮም ኪርብሹ ኣብ ዚኽእሉሉ ኽፍሊ ንበይኖም ተፈልዮም ኮፍ ኪብሉ የብሎምን። ሓደ ወላዲ ንውሉዱ ኺግስጾ ወይ ከኣ ካልእ ዜድልዮ ነገር ኪገብረሉ ኸሎ፡ ካብቲ መአከቢ ኣዳራሽ እንተ ወጸ ዝሓሸ እዩ፣ ድሕሪኡ ንውሉዱ ሒዙ ኺምለስ ይኽእል እዩ።
ኣአንገድቲ እውን እንተ ዀኑ ኣብ ቤት ኣምልኾ ኺርአ ዚግባእ ዓይነት ሃዋህው ንኺህሉ ይጽዕሩ እዮም። ገሊአን ስድራ ቤትን ሓድሓደ ግዜ ደንጕዮም ዚመጹ ሰባትን ኮፍ መበሊ ንኺረኽቡ ይሕግዝዎም እዮም። ብዘይካዚ፡ ካልኦት ሰባት መሺእዎምን ከይተረበሹን ንኺሰምዑ ኺሕግዝዎም ከለዉ፡ ክእለትን ምስትውዓልን ይጥቀሙ እዮም። ብሰሪ ሃንደበታዊ ረብሻ ንእተፈጥረ ጸገም ኪፈትሑ ኸለዉ እውን ምምዝዛን ይጥቀሙ እዮም። እቶም ተኣከብቲ ብሰንኪ ሓደ ቘልዓ ዜርእዮ ጠባይ ኣቓልቦኦም እንተ ተሰሪቑ፡ ኣአንገድቲ ብሕያውነት ሓገዝ ይህቡ እዮም።
ኵሎም እቶም ንኣምልኾ እተኣከቡ ሰባት፡ ብዛዕባ የሆዋ ኸምኡውን ብዛዕባ እታ ሰላምን ጽድቅን ዚሰፍነላ ሓዳስ ዓለም ክንመሃር ከለና፡ ምሹእ ሃዋህው ከም ዚህሉ ኣብ ምግባር እጃሞም ኬበርክቱ ይኽእሉ እዮም።—እብ. 10:24, 25።