25 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
25 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
cl ገጽ 308 ሕ.ጽ. 21–ገጽ 310 ሕ.ጽ. 3 ከምኡውን ሳጹን
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ መሳፍንቲ 5-7
ቍ. 1፦ መሳፍንቲ 7:1-11
ቍ. 2፦ ነታ ኣብ ራእይ 17:1 ተገሊጻ ዘላ “ዓባይ ኣመንዝራ” ብኸመይ ከነለልያ ንኽእል፧
ቍ. 3፦ td 20ለ ሰንበት ምሕላው ካብ ጥንታዎት እስራኤላውያን ጥራይ እዩ ዚድለ ነይሩ
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
10 ደቒቕ፦ ኣብ ለካቲት ዚዕደል ጽሑፍ። ንትሕዝቶ እቲ ዚዕደል ዘሎ ጽሑፍ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጾ። ሓደ ኣስፋሒ ብዘይወግዓዊ ምስክርነት ነቲ ዚዕደል ጽሑፍ ተጠቒሙ ብኸመይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኸም ዜጀምር ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
20 ደቒቕ፦ “ክሳዕ ሕጂ ኣይመላእካዮን ዲኻ፧” ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ብሽማግለ ዚቐርብ። ሓደ ኣስፋሒ ንሓኪሙ ብዛዕባ ዕላማ እቲ መምርሒ ኽንክን ጥዕና ዚበሃል ካርድ ኪገልጽ ከሎ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ። እቲ ኣስፋሒ፡ ቅዳሕ እቲ መምርሒ ኽንክን ጥዕና ዚበሃል ካርድ ኣብ ብሕታዊ ፋይሉ ከቐምጦ ኸኣ ይሓቶ። እቲ ሓኪም ድማ ከምኡ ኺገብር ቃል ይኣቱ። ኣብ መደምደምታ፡ ነታ ናይ መወዳእታ ሕጡብ ጽሑፍ ኣንብባ።