ነቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ውህበት ኣምላኽ ምስጋናና ንግለጽ
1. ንየሆዋ ብፍላይ እነመስግነሉ እንታይ ምኽንያት ኣሎና፧
1 ካብቲ የሆዋ ዝሃበና ሓያሎ “ጽቡቕ ውህበት፡” እቲ ንወዱ በጃ ብምግባር ዝሃበና ውህበት ካብ ኵሉ ዝዓበየ እዩ። (ያእ. 1:17) ሳላ እቲ በጃ እቲ፡ ሕድገት ሓጢኣትን ብዙሕ ካልእ በረኸትን ክንረክብ ንኽእል ኢና። (ኤፌ. 1:7) ነዚ ወትሩ ነመስግነሉ ኢና። በዓል ዝኽሪ ኣብ ዚበዓለሉ ወቕቲ፡ ግዜ ወሲድና ብፍላይ ብዛዕባ እዚ ኽቡር ውህበት እዚ ነስተንትን ኢና።
2. ብስድራ ቤትን ብውልቅን ነቲ በጃ ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ከነዕቢ ንኽእል፧
2 ሞሳና ነዕቢ፦ ነቲ ስድራ ቤትካ ዘለዋ ሞሳ ምእንቲ ኸተዕቢ፡ ኣብተን ቅድሚ እታ በዓል ዝኽሪ ዚበዓለላ 30 መጋቢት ዘለዋ ሰሙናት፡ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤትኩም ብዛዕባ እቲ በጃ ዚገልጽ ሓበሬታ ስለምንታይ ዘይትምርምሩ፧ ነቲ ፍሉይ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ በዓል ዝኽሪ እውን፡ መዓልታዊ ብስድራ ቤት ከተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ በጃ ብብሕቲ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝጠቐመካ፡ ነቲ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባኻን ብዛዕባ ኻልኦትን ብዛዕባ መጻእን ዘሎካ ኣረኣእያ እውን ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጸለዎ ኣስተንትነሉ። ብዘይካዚ፡ ነተን ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ዚዝመራ ኽልተ ሓደስቲ መዝሙራት፡ ማለት ቍጽሪ 8ን 5ን እንተ ተለማሚድካለን ክትጥቀም ኢኻ።—መዝ. 77:12።
3. ምስጋናና ኽንገልጽ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 መግለጺ ምስጋና፦ ነቲ በጃ ዘሎና ሞሳ፡ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እታ ንወዱ ብምልኣኽ ዘርኣየና ዓባይ ፍቕሩን ንኻልኦት ንኽንነግር ይድርኸና እዩ። (መዝ. 145:2-7) ገሊአን ስድራ ቤታት፡ ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን ግንቦትን እንተ ወሓደ ሓደ ኻብ ኣባላተን ሓጋዚ ፈላሚ ኪኸውን መሰናድዎ ብምግባር፡ ምስጋናአን የርእያ እየን። እዚ ዘይከኣል እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ ንኸተሕልፍ ‘ግዜ ኽትዕድግ’ ትኽእልዶ፧ (ኤፌ. 5:16) ነቲ መሰናድዎ ነመስግነሉ እንተ ዄንና፡ ካልኦት ኣብ በዓል ዝኽሪ ምሳና ኺእከቡ ንምሕጋዝ ንድረኽ ኢና። (ራእ. 22:17) ንተመላሊስካ ምብጻሓት፡ ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣዝማድካ፡ ንመሳርሕትኻ፡ ንጐረባብትኻ ምእንቲ ኽትዕድም፡ ዝርዝር ስማቶም ካብ ሕጂ ጀሚርካ ጽሓፎ፣ ኣብቲ ወረቐት ዕድመ ንምዝርጋሕ ዚግበር ፍሉይ ወፈራ እውን ምሉእ ብምሉእ ተኻፈል።
4. ንወቕቲ በዓል ዝኽሪ ብጥበባዊ መገዲ ኽንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
4 በዓል ዝኽሪ ኣብ ዚበዓለሉ ወቕቲ፡ ነቲ የሆዋ ንደቂ ሰብ ዝሃቦ ውህበት ክሳዕ ክንደይ ከም እነማስወሉ ንኸነርኢ ዜኽእለና ኣጋጣሚታት ንረክብ ኢና። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ነቲ በጃ ዀነ ነቲ “ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ” ዘሎና ምስጋና ነዕብን ንግለጽን።—ኤፌ. 3:8።