ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/10 ገጽ 4
  • ሳጹን ሕቶ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሳጹን ሕቶ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብቶም እተሓደሱ ህዝባዊ ዝርርባት ምጥቃም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ወትሩ እናኣመሓየሽካ ኺድ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ቅዳሓት ኣውድዮ—ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
km 4/10 ገጽ 4

ሳጹን ሕቶ

◼ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብድምጺ ወይ ብጽሑፍ መደረታት ቀዲሖም ኪዝርግሑ ግቡእ ድዩ፧

መደረታት መጽሓፍ ቅዱስ የተባብዓናን የበራትዓናን እዩ። (ግብ. 15:32) ስለዚ፡ እቲ መደረ ኺወሃብ ከሎ ንዘይነበሩ ብጾትና፡ ነዚ ዜተባብዕ ትምህርቲ ኸነመሓላልፈሎም ምድላይና ባህርያዊ እዩ። ምስዚ ሕጂ ተኣታትዩ ዘሎ እተፈላለየ ዓይነት መቕድሒ፡ ሓደ መደረ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ቐዲሕካ ኺዝርጋሕ ይከኣል እዩ። ገሊኣቶም እተቐድሐ መደረታት ኣኪቦም፡ ካብ ጽቡቕ ድራኸ ተበጊሶም ንፈተውቶም የለቅሑ ወይ ይቐድሑ እዮም፣ ገለ ኻብቲ መደረታት ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት እተዋህበ እዩ። ገሊኣቶም ከኣ ካልኦት ሰባት ኬራግፍዎ ዚኽእሉ እተቐድሐ መደረታት ዝሓዘ ወብ ሳይት የዳልዉ እዮም።

ንውልቅና ወይ ከኣ ንኣባላት ስድራ ቤትና ኢልና መደረ እንተ ቐዳሕና ጌጋ ኣይኰነን። ሽማግለታት እውን ነቶም ኣብ ኣኼባታት ኪመጹ ዘይክእሉ ዝሓመሙ ኣባላት እታ ጉባኤ ኢሎም፡ መደረታት ከም ዚቕዳሕ ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ብድምጺ ወይ ብጽሑፍ መደረታት ቀዲሕካ ምዝርጋሕ ግቡእ ዘይኰነሉ ብቑዕ ምኽንያታት ኣሎ።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ መደረታት ንጉባኤ ዜድሊ ነጥብታት ኣብ ግምት ብምእታው ስለ ዚቐርብ፡ ንሕና ድማ እቲ መደረ ዝቐረበሉ ዅነታት ስለ ዘይንፈልጦ፡ ነቲ እተቐድሐ መደረ ብጌጋ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ እቲ መደረ ብመንን መዓስን ከም እተዋህበ ኸነጻሪ ስለ ዘይንኽእል፡ እቲ ዝቐረበ ትምህርቲ እዋናውን ቅኑዕን ምዃኑ ኽንተኣማመነሉ ኣይንኽእልን ኢና። (ሉቃ. 1:1-4) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ብድምጺ ወይ ብጽሑፍ ተቐዲሑ ዚዝርጋሕ መደረታት፡ ዘየድሊ ቘላሕታን ክብርን ኬውህብ ይኽእል እዩ።—1 ቈረ. 3:5-7።

እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ “በብጊዜኡ” መንፈሳዊ ‘ቐለብ’ ንኺህብ ኣበርቲዑ እዩ ዚዓዪ። (ሉቃ. 12:42) እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኽኽር ዚወሃብ መደረታት ኰነ ነቲ ኻብ jw.org ዚበሃል ወግዓዊ ወብ ሳይት ኪራገፍ ዚኽእል ብድምጺ እተቐድሐ ነገራት ዜጠቓልል እዩ። እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያን ኣመሓዳሪ ኣካሉን፡ ብእምነት ምእንቲ ኽንጸንዕ ዜድልየና ዘበለ መሰናድዎ ኸም ዜዳልዉልና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ግብ. 16:4, 5።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ