ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት፡ ኣብታ 26 ሚያዝያ 2010 እትጅምር ሰሙን፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ኻብ 1 መጋቢት ክሳዕ 26 ሚያዝያ 2010 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 20 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ።
1. ናእሚ፡ “እቲ ዅሉ ዚኽእል . . . ኣኽፍኣለይ” ክትብል ከላ እንታይ ማለታ እያ ነይራ፧ (ሩት 1:21) [w05 1/3 ገጽ 27 ሕ.ጽ. 2, 4]
2. ንሩት “ደጊ ሰበይቲ” ዝገበራ ባህርያት እንታይ እዩ፧ (ሩት 3:11) [w05 1/3 ገጽ 28 ሕ.ጽ. 7]
3. እቲ ኤልቃና፡ “ካብ ዓሰርተ ውሉድ ኣነዶ ኣይሕሸክን፧” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ንሰበይቱ ዘበራተዓ ብኸመይ እዩ፧ (1 ሳሙ. 1:8) [w90-E 15/3 ገጽ 27 ሕ.ጽ. 5-6]
4. እስራኤላውያን ንጉስ ኪነግሶም ምሕታቶም ዘይግቡእ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (1 ሳሙ. 8:5) [w05 15/9 ገጽ 20 ሕ.ጽ. 17፣ it-2-E ገጽ 163 ሕ.ጽ. 1]
5. ሳሙኤል ‘ኣሪጉን ሸይቡን’ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ምእንቲ ኻልኦት ብምጽላይ ኣብነታዊ ተግባር ዝገበረ ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ የጕልሕ፧ (1 ሳሙ. 12:2, 23) [w07 1/6 ገጽ 29 ሕ.ጽ. 13-15]
6. ሳኦል ንቄናውያን ብፍላይ ሕያውነት ዘርኣዮም ስለምንታይ እዩ፧ (1 ሳሙ. 15:6) [w05 15/3 ገጽ 22 ሕ.ጽ. 10]
7. ሳኦል ንዳዊት፡ “ኣታ ወዲ፡ ወዲ መን ኢኻ፧” ኢሉ ኺሓቶ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ (1 ሳሙ. 17:58) [w07 1/8 ገጽ 31 ሕ.ጽ. 3, 5]
8. ካብቲ ዳዊት ነቲ ኣብ ጋት ዘጋጠሞ ኸቢድ ጸገም ዝሓዘሉ መገዲ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (1 ሳሙ. 21:12, 13) [w05 15/3 ገጽ 24 ሕ.ጽ. 5]
9. ዮናታን ንዓርኩ ዳዊት ኪድግፎን ኬተባብዖን ኣብ ዜድልየሉ እዋን፡ ፍቕሩን ትሕትናኡን ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧ (1 ሳሙ. 23:17) [lv ገጽ 28 ሕ.ጽ. 10፡ እግረ-ጽሑፍ]
10. ካብቲ ሳኦል ምስታ ኣብ ዔን-ዶር እትርከብ ጠንቋሊት ዝገበሮ ርክብ እንታይ ንመሃር፧ (1 ሳሙ. 28:8-19) [w05 15/3 ገጽ 24 ሕ.ጽ. 8]