ኣኼባታት ኣውራጃ—ብታሕጓስ ኣምልኾ እነቕርበሉ እዋን
1. በዓላት እስራኤላውያን ምስ ዘመናዊ ኣኼባታት ኣውራጃ ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧
1 ዮሴፍን ማርያምን ደቆምን ካልኦት ሰባትን ኣብ ዓመታዊ በዓላት ንምክፋል፡ ኣዘውቲሮም ናብ የሩሳሌም ይድይቡ ነበሩ። ኣብቲ በዓላት፡ ንሳቶም ኰኑ ኻልኦት ኣምለኽቲ ንመዓልታዊ ዋኒኖም ሓዲጎም፡ ኣብቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ መንፈሳዊ መዳይ ህይወቶም እዮም ዜተኵሩ ዝነበሩ። ብዛዕባ የሆዋ ዝገበረሎም ሰናይ ኰነ ብዛዕባ ሕጉ ንኼስተንትኑን ንኺዘራረቡን ግዜ ይረኽቡ ነበሩ። ዚመጽእ ዘሎ ኣኼባታት ኣውራጃ፡ ንየሆዋ ብታሕጓስ ኣምልኾ ንኸነቕርበሉ ተመሳሳሊ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ።
2. ንዚመጽእ ኣኼባ ኣውራጃ ንምድላው እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
2 ክንዳሎ ኣሎና፦ እታ የሱስ ዝዓበየላ ስድራ ቤት፡ ካብ ናዝሬት ናብ የሩሳሌም በጺሓ ንኽትምለስ ብድምር 200 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ክትጐዓዝ ነበራ። የሱስ ክንደይ ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ዝነበርዎ ብልክዕ ዘይንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ ዮሴፍን ማርያምን መደባት ኬውጽኡን ጻዕሪ ኺገብሩን የድልዮም ከም ዝነበረ ግን ክንግምት ንኽእል ኢና። ኣብቲ ዚመጽእ ዘሎ ኣኼባ ኣውራጃ ኣብ ሰለስቲኡ መዓልቲ ንምእካብ ኣድላዪ ምድላዋት ጌርካ ዲኻ፧ ካብ ስራሕ ዕረፍቲ ኽትረክብ፡ ንኣስራሒኻ ኸተዘራርቦ፡ ወይ ንመምህር ውሉድካ ፍቓድ ክትሓቶ የድልየካ ይኸውን። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ ሆቴል ኣትሒዝካዶ፧ ኣብ ጉባኤኻ ንዚርከብ ፍሉይ ሓገዝ ዜድልዮ ሰብ፡ ኣብቲ ኣኼባ ንኺካፈል ክትሕግዞ ተበግሶ ኽትወስድ ትኽእልዶ፧—1 ዮሃ. 3:17, 18።
3. በዓላት እስራኤላውያን ንሃናጺ ምሕዝነት ኣጋጣሚ ዚኸፍት ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧
3 ሃናጺ ምሕዝነት፦ ኣይሁድ ኣብ በዓላቶም፡ ምስ ኣምለኽቲ ዝዀኑ ብጾቶም ይተሃናነጹ ነበሩ። ስድራ ቤት የሱስ ምስ ናይ ቀደም ፈተውቶም ንኺራኸቡ ይህንጠዩ ኸም ዝነበሩ ኣየጠራጥርን እዩ። ምስ ገለ ኻብቶም ኣብ የሩሳሌም ወይ ኣብ መገዲ ዚረኽብዎም ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን ዕርክነት ንምጅማር ኣጋጣሚ ምርካቦም እውን የሐጕሶም ነይሩ እዩ።
4. ነቲ ሓድነት ዘለዎ ክርስትያናዊ ሕውነትና ኣፍኲስና ኸም ዘይንርእዮ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧
4 እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ነቲ ትምህርቲ ብጽሑፍ ኣብ ክንዲ ዚዝርግሖ፡ ኣብ ኣኼባታት ኣውራጃ ኸም እንእከብ ዝገበረሉ ሓደ ምኽንያት፡ ንሓድሕድና ምእንቲ ኽንተባባዕ ኢሉ እዩ። (እብ. 10:24, 25) ስለዚ፡ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ መዓልታዊ ብእዋኑ ኽትበጽሕ፡ እቲ ኣቦ መንበር ነቲ ኾፍ ንኽትብል ዜመልክት ሙዚቃ ኸም ዚጅመር ቅድሚ ምሕባሩ ኸኣ፡ ምስ ካልኦት ግዜ ኸተሕልፍ መደብ ግበር። ፍርቂ መዓልቲ ምሳሕ ንምብላዕ ካብቲ መአከቢ ኣብ ክንዲ እንወጽእ፡ ምስቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ምእንቲ ኸነዕልል፡ ፍዅስ ዝበለ ምሳሕ ሒዝና ኽንመጽእ ኢና ተተባቢዕና። ሓድነት ዘለዎ ክርስትያናዊ ሕውነትና፡ ኣፍኲስና ኽንርእዮ ዘይግባእ የሆዋ ዝሃበና ውህበት እዩ።—ሚክ. 2:12።
5. ካብቲ ኣኼባ ምሉእ ብምሉእ ንኽንጥቀም ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧
5 እዋን ትምህርቲ፦ የሱስ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ፡ ናብቲ በዓላት ብምኻድ፡ ብዛዕባ ሰማያዊ ኣቦኡ ይመሃር ነበረ። (ሉቃ. 2:41-49) ንሕናን ኣባላት ስድራ ቤትናን ካብቲ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ዚቐርብ ክፍልታት ምሉእ ብምሉእ ንኽንጥቀም እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ እቲ ኣኼባ ኺካየድ ከሎ፡ ካብ ኮፍ ዝበልካሉ ኣይትተንስእ፡ ምስ ካልኦት ድማ ኣይተዕልል። ሞባይልካ ወይ ካልእ ተመሳሳሊ መሳርሒታትካ ንዓኻ ዀነ ንኻልኦት ኪርብሽ ኣይተፍቅድ። ኣብቲ ተዛራባይ ኣተኵር፡ ሓጺር መዘኻኸሪታት ድማ ጽሓፍ። ደቅኻ ይሰምዑ ኸም ዘለዉ ንምርግጋጽ፡ ስድራ ቤት ብሓባር ኮፍ በሉ። ምሸት ምሸት ነቲ ባህ ዝበለኩም ነጥብታት ተመያየጡሉ።
6. ብዛዕባ ኣከዳድናናን ኣመለኻኽዓናን እንታይ ክንዝክር ኣሎና፧
6 ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን፦ ኣብ መገዲ ዚጐዓዙ ዝነበሩ ጓኖት ነጋዶ፡ ነቶም ካብን ናብን እቲ በዓላት ዚጐዓዙ ዝነበሩ ኣባላት ስድራ ቤት የሱስን ካልኦት ኣይሁዳውያን ኣምለኽትን፡ በቲ ኣብ ወሰን ክዳውንቶም ዝነበረ ኣዝፋርን በቲ ኣብ ዘዘፈር ዝነበረ ሰማያዊ ፍሕሶን ብቐሊሉ ኼለልይዎም ይኽእሉ ነበሩ። (ዘሁ. 15:37-41) ክርስትያናት ዘበለና ፍልይ ዝበለ ኽዳውንቲ ንኽደን እኳ እንተ ዘይኰንና፡ በቲ ትሕትና ዜርእን ጽፉፍን ጽሩይን ክዳውንትና ንፍለጥ ኢና። ካብን ናብን ኣኼባ ኣውራጃ ኽንጐዓዝ ከለናን ኣብታ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረላ ኸተማ ኣብ እንጸንሓሉ እዋንን፡ ንትርኢትና ፍሉይ ኣትኵሮ ኽንገብረሉ ኣሎና። ዋላ እውን ድሕሪ እቲ ኣኼባ ኽዳውንቲ እንተ ቐየርና፡ ምዕሩግ ክዳውንቲ ኽንክደንን ባጅና ኽንልጥፍን ኣሎና። በዚ ኸምዚ ኻብቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት እተፈለና ንኸውን፡ ንተዓዘብቲ ድማ ጽቡቕ ጦብላሕታ ንሓድገሎም።
7. ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ብወለንታ ኽንሰርሕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
7 ወለንተኛታት፦ እቲ ኣኼባ ኣውራጃ ብዚግባእ ምእንቲ ኺካየድ፡ ወለንተኛታት የድልዩ እዮም። እሞኸ ብወለንታ ኽትሕግዝ ትኽእልዶ፧ (መዝ. 110:3) ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ እንዓዮ ዕዮ፡ ክፋል እቲ ቕዱስ ኣገልግሎትና ዀይኑ፡ ጽቡቕ ምስክርነት ድማ ይህብ እዩ። ኣካያዲ ስራሕ ሓደ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ፡ በቶም ነቲ ህንጻ ዘጽረይዎ ወለንተኛታት ኣዝዩ ስለ እተተንከፈ ኸምዚ በለ፦ “ስለቲ ዘሕለፍክዎ ዜደንቕ ግዜ፡ ኣዝየ እየ ዘመስግነኩም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ እተኣከቡሉ ቦታ ኻብቲ ዝነበሮ ንላዕሊ ኣጽርዮምዎ ብምኻድ ዝመጸ፡ ጽቡቕ ስም ዘለዎም ፍሉያት ህዝቢ ኸም ዝዀኑ ወትሩ እሰምዕ እየ። ንስኻትኩምን ውድብኩምን፡ ሳላ እቶም ቅድሚ ሕጂ ኻብ እተፋለጥናዮም ንላዕሊ ኣዝዮም ሕያዎት ዝዀኑ ሰባት፡ ነዚ መአከቢ ንሕብረተሰብ ዝያዳ ኸም ዚረብሕ ጌርኩምዎ ኢኹም።”
8. ኣኼባ ኣብ ዚግበረላ ኸተማ ንኽንምስክር እንታይ ኣጋጣሚ ኽንረክብ ንኽእል፧
8 ንኽንምስክር እንረኽቦ ኣጋጣሚ፦ ኣኼባ ኣውራጃ ኣብ ዚግበረሉ ኸተማ ዚነብሩ ሰባት፡ ብኣከዳድናኦም ኰነ ብኣመለኻኽዓኦም ጽፉፋት ዝዀኑን ባጅ ዝገበሩን በጻሕቲ ኺርእዩ ኸለዉ፡ ብዛዕባ መንነቶም ኪፈልጡ ይህንጠዩ ይዀኑ፣ እዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ኣኼባ ንኽንነግሮም ኣጋጣሚ እዩ ዚኸፍተልና። ሓደ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ሕጻን፡ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ነታ ሽዑ ዝወጸት ሓዳስ ጽሕፍቲ ንሓንቲ ኣብ ቤት ምግቢ እትሰርሕ ኣአንጋዲት ኣርኣያ። ከምኡ ምግባሩ፡ ወለዱ ነታ ሰበይቲ ናብ ኣኼባ ኣውራጃ ንኺዕድምዋ ኣጋጣሚ ኸፈተሎም።
9. ነቲ ስድራ ቤት የሱስ ንመንፈሳዊ መሰናድዎታት የሆዋ ዝነበሮም ሞሳ ብኸመይ ክንቀድሖ ንኽእል፧
9 ጥንታዊ በዓላት፡ መንፈሳዊ ኣረኣእያ ዝነበሮም ኣይሁድ ብሃንቀውታ ዚጽበይዎ ዜሐጕስ እዋናት እዩ ነይሩ። (ዘዳ. 16:15) ስድራ ቤት የሱስ ኣብዚ በዓላት ንኺካፈሉን ካብኡ ምሉእ ብምሉእ ንኺጥቀሙን ዜኽእሎም መስዋእትታት ተሓጒሶም ይገብሩ ነበሩ። ንሕና እውን ከምኡ ንገብር ኢና፣ ከመይሲ፡ ንኣኼባ ኣውራጃ ኻብቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ዝረኸብናዮ ህያብ ከም ዝዀነ ጌርና ኢና እንርእዮ። (ያእ. 1:17) እምበኣር፡ ኣብዚ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ዚግበር ኣኼባ ንየሆዋ ብሓጐስ ምእንቲ ኸነምልኾ፡ ካብ ሕጂ ጀሚርና ምድላው ንግበር።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]
መዘኻኸሪታት ኣኼባ ኣውራጃ
◼ ሰዓታት እቲ ኣኼባ፦ እቲ ኣኼባ ሰለስቲኡ መዓልቲ ሰዓት 9:20 ቅ.ቀ. ኺጅምር እዩ። ማዕጾ ሰዓት 8:00 ቅ.ቀ. ኪኽፈት እዩ። እቲ ኣኼባ ብምዕሩግ ኣገባብ ምእንቲ ኺጅምር፡ እቲ መእተዊ ሙዚቃ ኺስማዕ ከሎ ዅላትና ኾፍ ክንብል ኣሎና። እቲ ኣኼባ ዓርብን ቀዳምን 4:55 ድ.ቀ.፡ ሰንበት ድማ 3:40 ድ.ቀ. ኺዛዘም እዩ።
◼ መቘም ማካይን፦ ኣብ ኵሉ እቲ ማኪና ደው ከነብል እተፈቕደልና ቦታ እቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ መኣከቢ፡ ከከም ኣመጻጽኣኡ ቐዲሙ ዝመጸ ብዘይ ክፍሊት ማኪና ደው ኬብል ይኽእል እዩ። ኣብቲ ንስንኩላን እተሓዝአ ቦታ ደው ኬብሉ ዚፍቀደሎም፡ እቶም መንግስቲ ንስንኩላን ዚፈቕዶ ታርጋ ወይ ተለጣፊ ምልክት ዘለዎም ሰባት ጥራይ እዮም። መቘም ማካይን መብዛሕትኡ ግዜ ውሱን ብምዃኑ፡ ተኣከብቲ ኣብ ሓንቲ ማኪና ሓደ ወይ ክልተ ሰብ ጥራይ ኣብ ክንዲ ዚመጹ፡ ብጕጅለ ኺመጹ ይግባእ።
◼ ኮፍ መበሊ ምሓዝ፦ ኮፍ መበሊ ነቶም ምሳኻትኩም ብማኪና ዚመጹ ወይ ምሳኻትኩም ኣብ ሓደ ቤት ዚነብሩ ወይ ከኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመርሑሎም ሰባት ጥራይ እዩ ኺተሓዝ ዘለዎ።—1 ቈረ. 13:5።
◼ ምሳሕ፦ ኣብ እዋን ምሳሕ ምግቢ ንምብላዕ ካብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ ናብ ካልእ ኣብ ክንዲ እትኸዱ፡ በጃኹም ምሳሕኩም ሒዝኩም ምጹ። ኣብ ትሕቲ ኾፍ መበሊኹም ክትኣቱ እትኽእል ንእሽቶ መዝሓሊት ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም። ስድራ ቤታት ኣብ ምዝንጋዕ ዚወስዳኦ ዓብዪ መዝሓሊ ዀነ ጠራሙዝ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ኺኣቱ ኣይፍቀድን እዩ።
◼ ወፈያታት፦ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ብፍታው ወፈያታት ብምግባር ሞሳና ኽንገልጽ ንኽእል ኢና። ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ብቸክ ዚግበር ዝዀነ ይኹን ውጽኢት፡ ን“ክርስትያናዊት ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ዚኽፈል ምዃኑ ኺጥቀስ ኣለዎ።
◼ ሓደጋታትን ድንገተኛ ዅነታትን፦ ክፍሊ ድንገተኛ ዅነታት፡ ኣብ ንኣሽቱ ጸገማት እውን ከይተረፈ፡ ስልኪ ይድወለሉ እዩ። ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚካየደሉ ቦታ ንሕክምና ዚምልከት ድንገተኛ ዅነታት እንተ ተላዒሉ፡ በጃኹም ነቲ ኣብ ጥቓኹም ዘሎ ኣአንጋዲ ንገርዎ። ንሱ ድማ ብኡንብኡ ነቶም ክፍሊ ቐዳማይ ረድኤት ኬፍልጦም እዩ። እቶም ቀዳማይ ረድኤት ንኺህቡ ብቕዓት ዘለዎም ሰብ ሞያ ኸኣ፡ ንኽብደት እቲ ዅነታት ብምግምጋም ዜድሊ ረድኤት ኪህቡኹም እዮም። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ካብ ደገ ሰብ ሞያ ሕክምና ኺጽውዑ ይኽእሉ እዮም።
◼ ጫማ፦ ኣብ ዓዓመት ምስ ጫማ እተተሓሓዘ ጕድኣት የጋጥም እዩ። ኣብ መደያይቦታትን መሰጋገሪታትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ከይተሸገርና ንኽንረግጽ ዜኽእለና ሕንኪ ዘለዎ ምሹእ ጫማ ምውዳይ ዝሓሸ እዩ።
◼ ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም፦ ኣብ ገሊኡ ቦታታት፡ እቲ ኣኼባ ብኤፍ.ኤም. ናይ ረድዮ ማዕበል ኪፍኖ እዩ። ነዚ መሰናድዎ እዚ ምእንቲ ኽትጥቀሙሉ ሓንቲ ንእሽቶ ኤፍ.ኤም. እትቕበል መሳርሒትን መስምዕን ክትማልኡ ኼድልየኩም እዩ።
◼ ምቕዳሕ፦ ዝዀነ ይኹን መቕድሒ መሳርሒ፡ ምስቲ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ናይ ኤለክትሪክ ኰነ ናይ ድምጺ ገመድ ኪተሓሓዝ የብሉን። ንኻልኦት ብዘይርብሽ መገዲ ጥራይ ከኣ ኢና ኽንጥቀመሉ ዚግባእ።
◼ ዓረብያ ሕጻናትን ናይ መናፈሻ መናብርን፦ ዓረብያ ሕጻናትን ናይ መናፈሻ መናብርን፡ ኣብቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ቦታ ኺመጽእ የብሉን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ጥቓ እቶም ወለዲ ኪቕመጥ ዚኽእል ንድሕንነት ሕጻናት እተዳለወ ፍሉይ መናብር ይፍቀድ እዩ።
◼ ጨና፦ ገሊኡ ኣኼባታት፡ ንፋስ እትፈጥር መሳርሒት ኣብ ዘለዎ ኣዳራሽ እዩ ዚካየድ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ብርቱዕ ሽታ ዘለዎ ጨና ተለኺና ብዘይምምጻእ ሓልዮትና ነርኢ። ከመይሲ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ብርቱዕ ጨና ነቶም ናይ ምስትንፋስ ወይ ካልእ ምስኡ ዚተኣሳሰር ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎም ሰባት ኬሸግሮም ይኽእል እዩ።—1 ቈረ. 10:24።
◼ ተኸታተሎ እትበሃል ፎርም፦ እታ በጃኻ ተኸታተሎ (S-43) እትበሃል ፎርም፡ ኣብ እዋን እቲ ኣኼባ ብዝገበርናዮ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ተገዳስነት ናይ ዘርኣየ ዝዀነ ሰብ ሓበሬታ ንምጽሓፍ ክንጥቀመላ ይግባእ። ኣስፋሕቲ፡ ሓደ ወይ ክልተ ቕዳሕ እዛ ፎርም ናብ ኣኼባ ኣውራጃ ሒዞም ኪመጹ ኣለዎም። ነዛ ፎርም እዚኣ ብግቡእ ምስ መላእካያ፡ ምእንቲ ኺከታተልዎ ናብቲ ኣብቲ ኣኼባ ዚርከብ ክፍሊ መጻሕፍቲ ወይ ነቲ ናይ ጉባኤኻ ጸሓፊ ኽትህቦ ትኽእል ኢኻ።—ናይ ለካቲት 2005 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ ኣብ ገጽ 6 ርአ።
◼ ኣብያተ-ምግቢ፦ ኣብ ኣብያተ-ምግቢ ብጽቡቕ ጠባይኩም ንስም የሆዋ ኣኽብርዎ። ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት ካብ 15 ኽሳዕ 20 ሚእታዊት መቝሽሽ ምሃብ ልሙድ እዩ።
◼ ሆቴላት፦ (1) ካብቲ ብሓቂ ዜድሊ ንላዕሊ ኽፍልታት ኣይትሕዝኡ፡ ካብቲ እተፈቕደ ንላዕሊ ድማ ኣብ ሓደ ኽፍሊ ኣይተሕድሩ። (2) ነቲ እተሓዝኣልኩም ቦታ ኽትስርዝዎ እንተ ደሊኹም፡ ነቲ ሆቴል ብኡንብኡ ኣፍልጥዎ። (3) ነቲ ናይ ባልጃ ዓረብያ ተቐራሪብኩም ምስ ወዳእኩም ጥራይ ተጠቐምሉ፡ ካልኦት ምእንቲ ኺጥቀምሉ ድማ ቐልጢፍኩም ምለስዎ። (4) ኣብቲ ምግቢ ኽትክሽኑ ዘይፍቀደልኩም ክፍልታት ኣይትኸሽኑ። (5) ነታ ኽፍሊ እተጸራሪ ሰራሕተኛ መቝሽሽ ግደፉላ። (6) ከም ክርስትያናት መጠን ነቲ በቲ ሆቴል ዚቐርብ፡ እቶም ኣጋይሽ ኣብቲ ሆቴል ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን ዚወሃቦም ከም ቍርሲ፡ ቡን፡ ከምኡውን በረድ ዝኣመሰለ ተወሳኺ ነገራት ኣይንብለጸሉን ኢና። (7) ምስ ሰራሕተኛታት ሆቴል ኣብ ዘለኩም ርክብ፡ ኵሉ ሳዕ ፍረ መንፈስ ኣርእዩ። ንሳቶም ንብዙሓት ኣጋይሽ እዮም ዚኣልዩ፡ ንሕያውነትናን ትዕግስትናን ልእመትናን ከኣ የማስዉሉ እዮም። (8) እቲ ስም ሆቴላትን ዋጋኡን ኣብ ዝሓዘ ዝርዝር ዘሎ ዋጋ ኽፍልታት፡ ግብሪ ዘየጠቓልል ኰይኑ፡ ንሓደ መዓልቲ ዚኽፈል ምሉእ ዋጋ እዩ። ንዘይሓተትኩምዎ ወይ ከኣ ንዘይተጠቐምኩምሉ ነገር ካብቲ ግቡእ ንላዕሊ ኽትከፍሉ እንተ ተሓቲትኩም፡ ኣይትኽፈሉ፣ ነቲ መዕረፊ ዜዳሉ ኽፍሊ ድማ ሓብርዎ። (9) ኣብቲ ሆቴል ንዝሓዝኩምዎ ኽፍሊ ዚምልከት ሽግር እንተ ደኣ ተላዒሉ፡ ኣብቲ ኣኼባ ኸለኹም ነቲ መዕረፊ ዜዳሉ ኽፍሊ ሓብርዎ።
◼ ኣገልግሎት ወለንተኛ፦ ኣገዳሲ ኣብ ዝዀነ ዕዮ ብወለንታ ምስ እነገልግል፡ ካብቲ ኣኼባ ኣውራጃ እንረኽቦ ሓጐስ ዝያዳ ኺውስኽ እዩ። (ግብ. 20:35) ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዚካየድ ዕዮ ብወለንታ ኼገልግል ዚደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ናብቲ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ዚርከብ ክፍሊ ኣገልግሎት ወለንተኛ ኼመልክት ኣለዎ። ዕድመኦም ትሕቲ 16 ዝዀነ ቘልዑ እውን፡ ምስ ወለዶም ወይ መጕዚት ወይ ከኣ ምስ ካልእ ሓላፍነት እተዋህቦ ሰብ ኰይኖም ኪሰርሑ ይኽእሉ እዮም።