ወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽሪ፡ ካብ 2 ሚያዝያ ጀሚሩ ኺዕደል እዩ!
1. ኣብዚ ዓመት እዚ፡ ወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽሪ መዓስ ኢና ኽንዕድል፧ እዚ ዓመታዊ ወፈራ እዚኸ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧
1 ካብ 2 ኽሳዕ 17 ሚያዝያ፡ ሰባት ናብታ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ ፍጻመ ናይዛ ዓመት እዚኣ፡ ማለት ናብ በዓል ዝኽሪ ንኺመጹ ዚዕድም ወረቐት ዕድመ ኽንዕድል ኢና። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ብዙሓት ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ነዚ ዓመታዊ ወፈራ እዚ ጽቡቕ ምላሽ ሂቦምሉ እዮም። ንኣብነት፡ ሓንቲ ሰበይቲ፡ በዓል ዝኽሪ ኣብ እትግበረላ መዓልቲ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ደዊላ ንሓደ ሓው፡ “ሕጂ ናብ ገዛይ ምስ ኣተኹ፡ ኣብ ትሕቲ ማዕጾ ቤተይ ወረቐት ዕድመ ረኺበ። ክኸይድ እደሊ እየ፣ ሰዓት ክንደይ ምዃኑ ግን ብርግጽ ክፈልጥ ኣይከኣልኩን” በለቶ። እቲ ሓው ከኣ፡ ነዚ ሓበሬታ እዚ ኣበየናይ ገጽ እቲ መዐደሚ ወረቐት ክትረኽቦ ኸም እትኽእል ሓበራ። ኣብ መወዳእታኡ፡ እታ ሰበይቲ፡ “ሎሚ ምሸት ናብቲ በዓል ዝኽሪ ክኸይድ እየ!” በለት።
2. ወረቐት ዕድመ ክንዕድል ከለና፡ እንታይ ክንብል ንኽእል፧
2 ብኸመይ ክንዕድም ከም እንኽእል፦ ንኽልና ብምሉኡ ኽንሽፍኖ ዜኽእለና ግዜ ምእንቲ ኽንረክብ፡ ኣሕጽር ኣቢልና ኽንዛረብ ኣሎና። ከምዚ ኽንብል ንኽእል ኢና፦ “ሰላም። ነዛ ሰንበት 17 ሚያዝያ ንዚህሉ ኣገዳሲ ዓመታዊ በዓል ንኽትእከብ እትዕድም ወረቐት ዕድመ ንዓኻን ንስድራ ቤትካን ክህበካ እየ ደልየ። [እታ ጽሕፍቲ ነቲ በዓል ቤት ሃቦ።] ኣብታ ዕለት እቲኣ፡ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ኪኽበር እዩ። ካብ በጃ ክርስቶስ ብኸመይ ክንጥቀም ከም እንኽእል ዚገልጽ መደረ መጽሓፍ ቅዱስ ብናጻ ኪቐርብ እዩ። እዛ ወረቐት ዕድመ፡ እቲ ኣኼባ ኣብ ከባቢና ዚግበረሉ ሰዓትን ቦታን ትሕብር እያ።”
3. ብእተኻእለና መጠን ንብዙሓት ሰባት ክንዕድም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 ጉባኤኹም ዓብዪ ኽሊ እንተ ኣልይዋ፡ ነቶም ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕካ ኣብ ቤቶም ዘይተረኽቡ ሰባት፡ ወረቐት ዕድመ ንኽትሓድገሎም፡ ሽማግለታት መምርሒ ኺህቡ ይኽእሉ እዮም። ተመላሊስካ ምብጻሕ ንእትገብረሎም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንእትምህሮም፡ ንመሳርሕትኻ፡ ንመማህርትኻ፡ ንኣዝማድካ፡ ንጐረባብትኻ፡ ከምኡውን ንኻልኦት እትፈልጦም ሰባት ዓድሞም። ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ወረቐት ዕድመ ኽትዕድል ከለኻ፡ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ መጽሔታት ኣበርክት። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ሓጋዚ ፈላሚ ብምዃን፡ ኣብዚ ባህ ዜብል ወፈራ ዓብዪ እጃም ከተበርክት ትኽእልዶ፧
4. ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ኣብ በዓል ዝኽሪ ኺእከቡ እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧
4 ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ከመይ ዝበለ ምስክርነት ኰን እዩ ኺወሃቦም! የሆዋ ነቲ በጃ ብምድላው ብዛዕባ ዘርኣየና ሓያል ፍቕሪ ኺሰምዑ እዮም። (ዮሃ. 3:16) መንግስቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ብኸመይ ከም እትጠቕሞም ኪመሃሩ እዮም። (ኢሳ. 65:21-23) ዝያዳ ኺመሃሩ ዚሕግዞም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺግበረሎም፡ ንሓደ ኻብቶም ኣአንገድቲ ንኺነግርዎ ድማ ዕድመ ኪቐርበሎም እዩ። ብዙሓት ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ነዚ ወፈራ እዚ ጽቡቕ ምላሽ ሂቦም፡ ምሳና ሓቢሮም ኣብ በዓል ዝኽሪ ኺእከቡ ንጽሊ ኢና።