ኣገልግሎትካ ንምስፋሕ፡ ካብ ሕጂ መድብ
1. ንበዓል ዝኽሪ ፍሉይ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ ኢና ኽንዳሎ እንኽእል፧
1 ኣብ ነፍሲ ወከፍ በዓል ዝኽሪ፡ ‘ንየሆዋ ኣዚና ንኸነመስግኖ’ ዜኽእለና ኣጋጣሚታት ንረክብ ኢና። (መዝ. 109:30) ንስኻኸ ነቲ በጃ ዘዳለወ ኣምላኽና ዘሎካ ሞሳ ንምግላጽ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣገልግሎትካ ኸተስፍሕ ዲኻ፧ ካብ ሕጂ ጀሚርካ መደብ ከተውጽእ ኣሎካ።—ምሳ. 21:5።
2. ዓሚ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ኣስፋሕቲ ዝተሓተ ሰዓት ብምግልጋል ሓገዝቲ ፈለምቲ ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ምስ ተነግረ፡ ንስኻን ካልኦትን እንታይ ምላሽ ሂብኩም፧
2 ሓጋዚ ፈላሚ፦ ዓሚ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ኣስፋሕቲ ን30 ሰዓት ጥራይ ብምግልጋል ሓገዝቲ ፈለምቲ ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ዚሕብር ምልክታ ምስ ተነግረ፡ ጉባኤታት ኣዝየን ተሓጒሰን እየን። ሓደ ሓው፡ “ገና ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ እመሃር ስለ ዘለኹ፡ ስሩዕ ፈላሚ ክኸውን ዘይክእል እኳ እንተ ዀንኩ፡ ኣብ ሚያዝያ 30 ሰዓት ንምግልጋል ከመልክት እየ እሞ፡ 50 ሰዓት ንምምላእ ክጽዕር እየ” ኢሉ ጸሓፈ። ሓንቲ ምሉእ መዓልቲ እትሰርሕ ሓብቲ ኸኣ፡ “ሰላሳ ሰዓት ምምላእ እሞ ቐሊል እዩ” ኢላ ጸሓፈት። ሓንቲ ቐደም ፈላሚት ዝነበረት፡ ሕጂ ኣብ 80ታት ዕድሚኣ እትርከብ ሓብቲ ድማ፡ እቲ ምልክታ ምስ ተነግረ፡ “ኣነ ደኣ ነዚ እንድየ ኽጽበ ጸኒሐ። እቲ ፈላሚት ኰይነ ዘገልገልኩሉ እዋን፡ ዝበለጸ ኽፋል ህይወተይ ምዃኑ፡ የሆዋ ይፈልጥ እዩ” በለት። ሓገዝቲ ፈለምቲ ኪዀኑ ዘይክእሉ ኣስፋሕቲ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ንምዕያይ ሸቶ ኼውጽኡ ይኽእሉ እዮም።
3. ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን ግንቦትን ሓገዝቲ ፈለምቲ ኸም እንኸውን ዚገብረና እንታይ ምኽንያታት ኣሎ፧
3 ኣብ ወርሒ መጋቢት እውን፡ ኣስፋሕቲ ን30 ወይ ን50 ሰዓት ኬገልግሉ ስለ ዚኽእሉ፡ ሓጋዚ ፈላሚ ንምዃን እትምሽእ ወርሒ እያ። ብዘይካዚ፡ ካብ ቀዳም 17 መጋቢት ጀሚሩ ንሰባት ኣብቲ ብ5 ሚያዝያ ዚግበር በዓል ዝኽሪ ንምዕዳም ኣብ ፍሉይ ወፈራ ኽንካፈል ኢና። ብዙሓት ኣስፋሕቲ በቲ ኣብ መጋቢት ኣብ ኣገልግሎት ዝነበሮም ተሳትፎ ኣዝዮም ስለ ዚሕጐሱ፡ ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን እውን ን50 ሰዓት ከም ዜገልግሉ ኣየጠራጥርን እዩ።
4. ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ ኸነሕልፍ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ውጽኢቱኸ እንታይ እዩ ኪኸውን፧
4 ስለምንታይ ኣብ ዚቕጽል ኣምልኾ ስድራ ቤትኩም፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤትኩም ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ ኣገልግሎቱ ንምስፋሕ እንታይ ኪገብር ከም ዚኽእል ዘይትመያየጡሉ፧ (ምሳ. 15:22) የሆዋ ንጻዕርኹም ንኺባርኾ ለምንዎ። (1 ዮሃ. 3:22) ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ ኸተሕልፉ ኸለኹም፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ኽትውድስዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዝያዳ እውን ሕጉሳት ክትኰኑ ኢኹም።—2 ቈረ. 9:6።