7-13 ጥሪ
ግብሪ ሃዋርያት 21-22
መዝሙር 55ን ጸሎትን
መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ)
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
“ፍቓድ የሆዋ ይኹን”፦ (10 ደቒቕ)
ግብ 21:8-12—ጳውሎስ ሓደገኛ ዅነታት ይጽበዮ ስለ ዝነበረ፡ ክርስትያናት ብጾቱ ናብ የሩሳሌም ከይድይብ ለመንዎ (bt 177-178 ¶15-16)
ግብ 21:13—ጳውሎስ፡ ፍቓድ የሆዋ ኺገብር ቈረጸ (bt 178 ¶17)
ግብ 21:14—እቶም ኣሕዋት፡ ቈራጽነት ጳውሎስ ምስ ረኣዩ፡ ምቅዋሙ ሓደጉ (bt 178 ¶18)
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)
ግብ 21:23, 24—ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ዘይኰኑ ኽነሶም፡ ሽማግለታት የሩሳሌም ንጳውሎስ ነዚ መምርሒ ዝሃብዎ ስለምንታይ እዮም፧ (bt 184-185 ¶10-12)
ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ምሂሩካ፧
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንታይ ካልእ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) ግብ 21:1-19 (th መጽናዕቲ 5)a
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ
ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ፦ (10 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ውጽኢታዊ መእተዊ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ፣ ድሕሪኡ፡ ነቲ ኣብ መጽናዕቲ 1 እታ ምምሃር እትብሃል ብሮሹር ዘሎ ሓሳባት ተመያየጥሉ።
መደረ፦ (5 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) w10 1/2 13 ¶2-14 ¶2—ፍረ ነገር፦ ክርስትያናት ሰንበት ኪሕልዉ የድልዮም ድዩ፧ (th መጽናዕቲ 1)b
ክርስትያናዊ ህይወት
“ደቅና ብኸመይ ከም እነዕቢ፡ የሆዋ ምሂሩና”፦ (15 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ቪድዮ ወልዓያ።
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ (30 ደቒቕ) jy ምዕ. 2
ክለሳን ጽማቝ ትሕዝቶ ዚቕጽል ሰሙንን (3 ደቒቕ)
መዝሙር 137ን ጸሎትን