ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 105
  • ድሕነት እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ድሕነት እንታይ እዩ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ‘ንተስፋ ምድሓንካ’ ብርህቲ ገይርካ ሓዛ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ድሕነት ብሓቂ እንታይ ማለት ምዃኑ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ሓንሳእ እንተ ድሒንካ፡ ንሓዋሩ ድሒንካ’ ኢሉ ይምህር ድዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንሳቶም ጥራይ ከም ዚድሕኑ ድዮም ዚኣምኑ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 105
ዚጥሕል ሰብ፡ ኢድ ካልእ ሰብ ዓቲሩ

ድሕነት እንታይ እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነተን “ድሕነት” ኰነ “ምድሓን” ዚብላ ቓላት፡ ንሓደ ኻብ ሓደጋ ወይ ጥፍኣት ዝደሓነ ሰብ ንምምልካት ይጥቀሙለን እዮም። (ዘጸኣት 14:13, 14፣ ግብሪ ሃዋርያት 27:20) መብዛሕትኡ እዋን ግና፡ እተን ቃላት ካብ ሓጢኣት ምድሓን እየን ዜመልክታ። (ማቴዎስ 1:21) ሞት ብሰሪ ሓጢኣት ስለ ዚመጽእ፡ እቶም ካብ ሓጢኣት ዝደሓኑ ሰባት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኣለዎም።—ዮሃንስ 3:16, 17።a

ድሕነት ብኸመይ ይርከብ፧

ድሕነት ንምርካብ፡ ብየሱስ ክትኣምንን ነታ እምነትካ ድማ ንትእዛዛቱ ብምሕላው ከተርእያን ይግባእ።—ግብሪ ሃዋርያት 4:10, 12፣ ሮሜ 10:9, 10፣ እብራውያን 5:9።

መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሕብሮ፡ እምነትካ ህያው ከም ዝዀነት ከተርኢ እንተ ደሊኻ፡ ብግብሪ ኸተርእያ ወይ እዙዝ ክትከውን ኣሎካ። (ያእቆብ 2:24, 26) ይኹን እምበር፡ ብናትካ ጻዕሪ ጥራይ ድሕነት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ማለት ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ድሕነት ኣብ ‘ጸጋ ኣምላኽ’ እተመርኰሰ “ውህበት ኣምላኽ” እዩ።—ኤፌሶን 2:8, 9።

ድሕነትካ ኽትስእን ትኽእልዶ፧

እወ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ኻብ ምጥሓል ዝደሓነ ሰብ ተመሊሱ ናብቲ ማይ ኪወድቕ ወይ ዘሊሉ ኺኣቱ ዚኽእል፡ ሓደ ኻብ ሓጢኣት ዝደሓነ ሰብ እምነቱ እንተ ኣጥፊኡ፡ ድሕነቱ ኺስእን ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ዝደሓኑ ክርስትያናት ‘ንእምነቶም ኪጋደሉ’ ዚምሕጸኖም። (ይሁዳ 3) ብዘይካዚ፡ ነቶም ዝደሓኑ፡ “ብፍርሃትን ብምንቅጥቃጥን ድሕነትኩም ፈጽሙ” ኢሉ የጠንቅቖም እዩ።—ፊልጲ 2:12።

መን እዩ መድሓኒ—ኣምላኽ ወይስ የሱስ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ቀንዲ ምንጪ ድሕነት ምዃኑ ይገልጽ እዩ፣ መብዛሕትኡ እዋን ድማ፡ ‘መድሓኒ’ ኢሉ እዩ ዚጽውዖ። (1 ሳሙኤል 10:19፣ ኢሳይያስ 43:11፣ ቲቶስ 2:10፣ ይሁዳ 25) ብተወሳኺ፡ ኣምላኽ ነቶም ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል ንምድሓን ሓያሎ ሰባት ተጠቒሙ እዩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ነቶም ሰባት፡ “መድሓንቲ” ኢሉ ይጽውዖም። (ነህምያ 9:27፣ መሳፍንቲ 3:9, 15፣ 2 ነገስት 13:5)b ብተመሳሳሊ፡ ኣምላኽ ብመስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ኻብ ሓጢኣት ስለ ዘድሓነና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ “መድሓኒ” ኢሉ ይጽውዖ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:31፣ ቲቶስ 1:4።

ኵሉ ሰብ ድዩ ዚድሕን፧

ኣይፋልን፣ ገሊኦም ሰባት ኣይድሕኑን እዮም። (2 ተሰሎንቄ 1:9) የሱስ፡ “እቶም ዚድሕኑ ሒደት ድዮም፧” ዚብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ “እብለኩም ኣለኹ፡ ብዙሓት ኪኣትዉ እናደለዩስ፡ ስለ ዘይኰነሎም፡ በታ ጸባብ ኣፍ ደገ ንምእታው ተጋደሉ” ኢሉ መሊሱ እዩ።—ሉቃስ 13:23, 24።

ኵሉ ሰብ ከም ዚድሕን ዚገልጽ ግጉይ ርድኢት

ግጉይ ርድኢት፦ ቀዳማይ ቈረንቶስ 15:22፡ “ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪዀኑ እዮም” ስለ እትብል፡ ኵሉ ሰብ ከም ዚድሕን እያ እትምህር።

ሓቂ፦ ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዚርከብ ሓሳብ፡ ብዛዕባ ትንሳኤ እዩ ዚገልጽ። (1 ቈረንቶስ 15:12, 13, 20, 21, 35) ስለዚ፡ እታ “ዅላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪዀኑ እዮም” እትብል ሓረግ፡ ኵሎም እቶም ካብ ሞት ዚትንስኡ፡ ነቲ ህያው ናይ ምዃን በረኸት ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሎም ከም ዚረኽብዎ እያ እትገልጽ።—ዮሃንስ 11:25።

ግጉይ ርድኢት፦ ቲቶስ 2:11፡ ኣምላኽ “ንዅሉ ሰብ . . . ምድሓን ኣምጺኡ” ስለ እትብል፡ ኵሉ ሰብ ከም ዚድሕን እያ እትምህር።—ትርጉም 1956።

ሓቂ፦ እታ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ “ዅሉ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ኵሉ ዓይነት” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ።c ስለዚ፡ ቲቶስ 2:11፡ ኣምላኽ ንድሕነት መገዲ ዚኸፍት፡ ንዅሉ ዓይነት ሰብ” እንተላይ ነቶም “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ህዝብታትን ቋንቋታትን እተኣከቡ” ሰባት ከም ዝዀነ እያ እትገልጽ።—ራእይ 7:9, 10።

ግጉይ ርድኢት፦ ካልኣይ ጴጥሮስ 3:9፡ ኣምላኽ “ሓደ እኳ ኺጠፍእ ስለ ዘይደሊ” ስለ እትብል፡ ኵሉ ሰብ ከም ዚድሕን እያ እትምህር።

ሓቂ፦ ኣምላኽ፡ ሰባት ኪድሕኑ ይደሊ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ነቲ ንምድሓን ኢሉ ዘዳለዎ መሰናድዎ ኪቕበልዎ ኣየገድዶምን እዩ። ‘መዓልቲ ፍርዱ፡’ “ጥፍኣት እቶም ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባት” እውን እተጠቓልል እያ።—2 ጴጥሮስ 3:7።

a መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ሓደ ሰብ ብሓቂ ኻብ ሓጢኣትን ሞትን ዚድሕነሉ እዋን ገና እኳ እንተ ዀነ፡ ድሮ ‘ኸም ዝደሓነ’ ገይሩ ይገልጽ እዩ።—ኤፌሶን 2:5፣ ሮሜ 13:11።

b እታ የሱስ እትብል ስም፡ ካብታ “የሆዋ ድሕነት እዩ” ዝትርጉማ የሆሹዓ እትብል ናይ እብራይስጢ ስም ዝመጸት እያ።

c ኣብ ቫይንስ ኮምፕሊት ኤክስፖዚቶሪ ዲክሽነሪ ኦቭ ኦልድ ኤንድ ኒው ተስታመንት ርአ። ኣብ ማቴዎስ 5:11፡ የሱስ፡ ሰባት ብዛዕባ ሰዓብቱ ኽፉእ “ዘበለ” ኸም ዚዛረቡ ንምግላጽ ተመሳሳሊት ግሪኽኛ ቓል እዩ ተጠቒሙ።—ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ቨርሽን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ