ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 1/4 ገጽ 21
  • “ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ”
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ጅግና ተዋጋእን እታ ንእሽቶ ጓልን
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ክትሕግዝ ደለየት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ነቓጽ እኳ እንተ ነበረ፡ ደሓር ግና ተኣዘዘ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ሓንቲ ጓል ንሓደ ብርቱዕ ሰብኣይ ትሕግዞ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 1/4 ገጽ 21

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ

“ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ”

ንእማን እቲ ጅግና ሓለቓ ሰራዊት ሶርያ ለምጻም ኢዩ። እዚ ኣዝዩ ዘፈንፍን ሕማም እዚ ሕክምና እንተድኣ ዘይተገይርሉ: ምብልሻው ኣካላትን ሞትን ከስዕብ ይኽእል ኢዩ። ንእማን እንታይ ኢዩ ክገብር፧ ካብቶም ኣብ ስድራቤት ንእማን ዘለዉ ሰባት ሓንቲ ‘ካብ ምድሪ እስራኤል እተማረኸት’ ንእሽቶ ጓል ኣላ። ነብዪ ኤልሳእ ንንእማን ከም ሓደ ከሕውዮ ዝኽእል ሰብ ገይራ ብትብዓት ኣላለየቶን ተዛረበትን።​—⁠2 ነገስት 5:⁠1⁠-​3

ንእማን በቲ ዝነበራ ተባዕ ኣቕዋም ተተንኪፉ: ንኤልሳእ ደልዩ ረኸቦ: ሓወየ ኸኣ። ብተወሳኺውን: ንየሆዋ ዘምልኽ ሰብ ኰነ! እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመዝገበ ተመክሮ እዚ ኣብ ዓስራይ ክፍለ⁠-​ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ኢዩ ተፈጺሙ። (2 ነገስት 5:⁠4⁠-​15) ሎሚ: ብዙሓት መንእሰያት ንረብሓታት እታ መንግስቲ ኢሎም ብምዝራብ ተመሳሳሊ ትብዓት የርእዩ ኢዮም። እዚ ዝስዕብ ናይ ሞዛምቢክ ተመክሮ ከምኡ ምዃኑ ዘረጋግጽ ኢዩ።

ሽዱሽተ ዓመት ዝዕድሚኡ ኑኑ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ እቲ ብስራት ኢዩ። ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ቅድሚ ምዃኑ እውን ከይተረፈ: ነቶም ኣብቲ ከባቢ ገዝኡ ዘለዉ ቈልዑ ይእክቦም: ይጽሊ: ነታ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ተጠቒሙ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህሮም።

ኑኑ መብዛሕትኡ እዋን ቀዳም ንግሆ ኣንጊሁ ተንሲኡ: “ሎሚ መዓልቲ ኣገልግሎት ክንከይድ ኢና” ብምባል ንስድራቤቱ የዘኻኽሮም። እቲ ንኣገልግሎት ዝነበሮ ቅንኢ ብኻልእ መገድታትውን ይግለጽ ኢዩ። ንወለዱ ኣብ ከተማ ማፑቶ ኣብቲ ኣብ መገዲ ዝግበር ኣገልግሎት ከሰንዮም ከሎ: መብዛሕትኡ ግዜ ንሰባት ንበይኑ ይቐርቦም። ኣብ ሓደ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ: ሓደ ነጋዳይ ናብኡ ቐሪቡ: “ነዚ መጽሔታት እዚ እትሸይጥ ዘሎኻ ስለምንታይ ኢኻ፧” ብምባል ሓተቶ። ኑኑ “ነዚ መጽሔታት እዚ ይሸጦ ኣይኰንኩን ዘሎኹ: ይኹን እምበር ነቲ ዕዮ ስብከት ብገንዘብ ንምድጋፍ ዝግበር ውጽኢታት እቕበል ኢየ” በለ። እቲ ነጋዳይ “ዋላ እኳ ተገዳስነት እንተ ዘይብለይ: ብኣመለኻኽታኻን ክእለትካን ተገሪመ ኢየ። ነዚ ዕዮ እዚ ንምሕጋዝ ከኣ ውጽኢት ክገብር እፈቱ ኢየ” ብምባል መለሰ።

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ: ኑኑ ኣብ መገዲ ናብ ሓደ ሰብኣይ ቅርብ ኢሉ ነታ ትሩ ፒስ ኤንድ ሰክዩርቲ —⁠ሃው ከን ዩ ፋይንድ ኢት፧ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኣበርከተሉ። እቲ ሰብኣይ “ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እቲዶ ኸይኰንካ እትማሃር፧” ብምባል ሓተቶ። ኑኑ “እወ: ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እቲ ኢየ ዝማሃር: እንተዀነ ግን ሎሚ መዓልቲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ዝርከብ ሓደ ኣገዳሲ መልእኽቲ እነግር ኣሎኹ። ከምቲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ብስእሊ ተገሊጹ ዘሎ: ኣብታ ኣምላኽ ዘምጽኣ ሓዳስ ዓለም ክትነብር ከም እትኽእል ትሕብር ኢያ” ብምባል መለሰሉ። እቲ ምስኡ እተዛራረበ ሰብኣይ ኣብቲ ንሱ ዝማሃረሉ ቤት ትምህርቲ ዝምህር ምዃኑ ኣይተገንዘበን ነበረ። እቲ መምህር ነታ መጽሓፍ ተቐቢልዋ ጥራይ ዘይኰነስ: ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት እውን ሕጂ ስርዓታዊ ዀይኑ ካብ ኑኑ ይቕበል ኣሎ።

ኑኑ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ክካፈል ዝፈቱ ስለምንታይ ምዃኑ ምስ ተሓተተ: “ንሰባት ብዛዕባ የሆዋን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ክዛረቦም እደሊ ኢየ” ብምባል ተዛረበ። ወሲኹ ድማ “ሰባት ክሰምዑ እንተድኣ ዘይደልዮም ድማ: ዝሓርቀሉ ምኽንያት የብለይን” ብምባል ይዛረብ።

ኣብ ብዘላ ዓለም: ልክዕ ከም ኑኑ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽምህሩን ንኽሰብኩን ‘ፈትዮም ይመጹ’ ኣለዉ። (መዝሙር 110:⁠3) እዚ ግን ብኣጋጣሚ ዝኸውን ኣይኰነን። እቶም ካብ ግዜ ቍልዕነቶም ኣትሒዞም ንደቆም ብዛዕባ የሆዋ ዝምህሩ: ኣብ ኣገልግሎት ብምክፋል ኣብነት ዝሰርዑ: ከምኡውን ብቕንኢ ንረብሓታት እታ መንግስቲ ዝስዕቡ ወለዲ ብዙሕ ዓስቢ ክረኽቡ ኢዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ