ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ክቡር ዝዀነ መርዓ
“ኣብ ቃና . . . መርዓ ዀነ: . . . የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብቲ መርዓ ተዐደመ።”—ዮሃንስ 2:1, 2
1. እቲ የሱስ ኣብ ቃና ብዛዕባ ዝገበሮ ነገር ዚገልጽ ጸብጻብ ናብ ምንታይ ከም እነተኵር እዩ ዚገብረና፧
የሱስን ኣዲኡን ገለ ደቀ መዛሙርትን ነቲ ኽቡር ዝዀነ መርዓ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ዜምጽኦ ሓጐስ ይፈልጥዎ ነበሩ። ክርስቶስ እሞ ኸኣ እቲ ንመጀመርታ ግዜ እተመዝገበ ተኣምር ኣብቲ መርዓ እቲ ብምፍጻም: ነቲ ኣጋጣሚ እቲ ኸኣ ሓጐስ ብምውሳኽ ሓለፍ ዝበለ ገይርዎ እዩ። (ዮሃንስ 2:1-11) ኣብ መርዓ እቶም ሓጐስ ዘለዎ ሓዳር ብምምስራት ንየሆዋ ኼገልግልዎ ዚደልዩ ክርስትያናት ተኻፊልካ ወይ ብእኡ ተሓጒስካ ትኸውን ኢኻ። ወይ ከኣ ምናልባት ንርእስኻ ኸምዚ ዓይነት መርዓ ኽትገብር ወይ ንፈታዊኻ መርዓኡ ዕዉት ከም ዚኸውን ክትገብር ብሃንቀውታ ትጽበ ትህሉ ትኸውን። ነዚ ኣበርክቶ ዚገብር እንታይ እዩ፧
2. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መርዓ እንታይ ሓበሬታ እዩ ሒዙ ዘሎ፧
2 ሰብኣይን ሰበይትን ኪምርዓዉ ምስ ዚምድቡ: እቲ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ዚርከብ ማዕዳ ጠቓሚ ኸም ዝዀነ ክርስትያናት ይፈልጡ እዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ልክዕ እዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ክርስትያናዊ መርዓ ዝርዝር ኣገባባት ኣይገልጽን እዩ። ባህልታት ኰነ ሕጋዊ ብቕዓታት ከከም ከባቢኡን ግዜኡን ስለ ዚፈላለ: ዝርዝር ኣገባባት ዘይተዋህበሉ ምኽንያት ርዱእ እዩ። ንኣብነት: ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ወግዓዊ ጽምብል መርዓ ኣይካየድን እዩ ነይሩ። በታ ዚምርዓዉላ መዓልቲ እቲ መርዓዊ ነታ መርዓት ናብ ቤቱ ወይ ናብ ቤት ኣቦኡ የእትዋ ነበረ። (ዘፍጥረት 24:67፣ ኢሳይያስ 61:10፣ ማቴዎስ 1:24) እዚ ንህዝቢ ጋህዲ ዝዀነ ስጕምቲ: ነቲ መርዓ የቕውም ነበረ: ከምቲ ሎሚ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ልሙድ ዝዀነ ወግዓዊ ጽምብል መርዓ ድማ ኣይነበረን።
3. የሱስ ኣብ ቃና ንምንታይ ኣጋጣሚ እዩ ኣበርክቶ ዝገበረ፧
3 ኣብ ቅድሚ እስራኤላውያን: እዚ ስጕምቲ እዚ ንሓዳር ወይ ንመርዓ ኸም ዜቕውም ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። ድሕሪኡ: ከምቲ ኣብ ዮሃንስ 2:1 ተጠቒሱ ዘሎ: ድግስ ይግበር። (ማቴዎስ 22:2-10፣ 25:10፣ ሉቃስ 14:8) የሱስ ኣብቲ ምስ መርዓ ኣይሁድ ተተሓሒዙ እተገብረ ውራይ ወይ ድግስ ከም እተረኽበን ነቲ ኣጋጣሚ ኣበርክቶ ኸም ዝገበረን እቲ ጸብጻብ ንጹር ይገብሮ እዩ። እቲ ኣብዚ ኣገዳሲ ዀይኑ ዘሎ ነጥቢ ግን: እቲ ሽዑ መርዓን ውራይ መርዓን ዚግበረሉ ዝነበረ ኣገባብ: ካብቲ ሕጂ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ እተፈልየ ምዃኑ እዩ።
4. ገሊኦም ክርስትያናት ዚመርጽዎ ዓይነት መርዓ ኸመይ ዝበለ እዩ፧ ስለምንታይከ፧
4 ሎሚ ኣብ ሓያሎ ሃገራት: ኪምርዓዉ ዚደልዩ ክርስትያናት እተወሰነ ሕጋዊ ብቕዓታት ኬማልኡ ኣለዎም። ብቕዓታት ምስ ኣማልኡ: ብዝዀነ ይኹን ብሕጊ ተቐባልነት ዘለዎ መገዲ ኺምርዓዉ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ ብመንግስቲ ስልጣን እተዋህቦ ዳኛ: ከንቲባ: ወይ ኣገልጋሊ ዝመርሖ ንእሽቶን ቀሊልን ጽምብል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኦም በዚ ኸምዚ ኺምርዓዉ ይውስኑ ይዀኑ: ምናልባት እውን ሒደት ኣዝማድ ወይ ክርስትያናት ፈተውቲ ኸም ሕጋውያን መሰኻኽር ኰይኖም ኣብኡ ኸም ዚመጹ ይገብሩ: ወይ ኣብቲ ሓጐሶም ንኺሳተፉ ይዕድሙ ይዀኑ። (ኤርምያስ 33:11፣ ዮሃንስ 3:29) ብተመሳሳሊ: ገሊኦም ክርስትያናት ብዙሕ መደባትን ወጻኢታትን ዚሓትት ዓብዪ ድግስ ወይ ውራይ ይገብሩ ይዀኑ። ምስ ፈተውቶም ህድኣት ዝሰፈኖ ግብጃ የዳልዉ ይዀኑ። ኣብዚ መዳይ እዚ ዘሎና ብሕታዊ ምርጫ ብዘየገድስ: ካልኦት ብሱላት ክርስትያናት ካብ ናትና እተፈልየ ኣረኣእያታት ኪህልዎም ከም ዚኽእል ኣፍልጦ ኽንህበሉ ኣሎና።—ሮሜ 14:3, 4
5. ብዙሓት ክርስትያናት ኪምርዓዉ ኸለዉ መደረ መርዓ ኺግበረሎም ዚደልዩ ስለምንታይ እዮም፧ ኣብኡኸ እንታይ እዩ ዚቐርብ፧
5 መብዛሕትኦም ክርስትያናት መጻምድቲ ኣብ መርዓኦም መጽሓፍ ቅዱሳዊ መደረ ኺግበር ይደልዩ እዮም።a የሆዋ መስራቲ መርዓ ኸም ዝዀነ: ኣብ ቃሉ ድማ መርዓ ብኸመይ ዕዉት ከም ዚኸውንን ሓጐስ ከም ዜምጽእን ጥበባዊ ማዕዳ ኸም ዝሃበና ኣፍልጦ ይህቡ እዮም። (ዘፍጥረት 2:22-24፣ ማርቆስ 10:6-9፣ ኤፌሶን 5:22-33) መብዛሕትኦም መጻምድቲ እውን ንክርስትያናት ፈተውቶምን ኣዝማዶምን ተኻፈልቲ እቲ ዜሐጕስ ኣጋጣሚ ኪዀኑ ይደልይዎም እዮም። ኰይኑ ግን: ነቲ እተፈላለየ ሕጋዊ ብቕዓታትን መስርሓትን ልምድታትን ብኸመይ ኢና ኽንርእዮ ዘሎና፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብ እተፈላለየ ኸባቢታት ዘሎ ዅነታት ክንምርምር ኢና። ገሊኡ ኻብቲ ኣብ ከባቢኻ እትፈልጦ ወይ ዚግበር ነገር ኣመና እተፈልየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን: ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣገዳሲ ዝዀነ እተወሰነ ሓባራዊ ስርዓታት ወይ መዳያት ከተስተውዕል ትኽእል ኢኻ።
ክቡር መርዓ—ሕጋዊ መርዓ
6, 7. እቲ ሕጋዊ መዳያት መርዓ ኼገድሰና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ ከም ዜገድሰናኸ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧
6 የሆዋ ጀማር መርዓ እኳ እንተ ዀነ: ሰብኣውያን መንግስትታት ኣብ ተግባራት እቶም ዚምርዓዉ እተወሰነ ቝጽጽር ኣለወን። እዚ ግቡእ እዩ። የሱስ “ናይ ቄሳር ንቄሳር: እቲ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ” ኢሉ እዩ። (ማርቆስ 12:17) ብተመሳሳሊ: ሃዋርያ ጳውሎስ “ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን: እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ: ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ” ኢሉ መምርሒ ሃበ።—ሮሜ 13:1፣ ቲቶስ 3:1
7 ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ንኺምርዖ ብቕዓት ዘለዎ መን ምዃኑ ቄሳር ወይ ሰበ-ስልጣን ይውስኑ እዮም። በዚ ኸምዚ: ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ኪምርዓዉ ዚኽእሉ ኽልተ ክርስትያናት ኣብ ዚምርዓዉሉ እዋን: ነቲ ናይ ዓዶም ሕጊ ተጠንቂቖም ይሕልዉ እዮም። እዚ ኸኣ ፍቓድ ምርካብ: መንግስቲ ስልጣን ዝሃቦ ዜመርዑ ሰብ ምጥቃም: ከምኡውን ነቲ እተፈጸመ መርዓ ምምዝጋብ ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። ቄሳር ኣውጉስጦስ ንዅሉ ሰብ “ኪጸሓፍ” ወይ ኪምዝገብ ትእዛዝ ምስ ኣውጽአ: ማርያምን ዮሴፍን ነቲ ሕጊ ብምኽባር ‘ንኺጸሓፉ’ ናብ ቤት-ልሄም ከዱ።—ሉቃስ 2:1-5
8. መርዓ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ሓላፍነት ዜሰክም፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚስዕብዎ ፖሊሲኸ ነዚ ምርዳእ እዚ ብኸመይ የንጸባርቖ፧
8 ክልተ ክርስትያናት ብሕጋውን ተፈላጥነት ብዘለዎ መገድን ምስ ዚምርዓዉ: እቲ ቓል ኪዳን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓላፍነት የሰክሞም እዩ። ስለዚ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ሓደ ንላዕሊ ሕጋዊ ጽምብላት ብምግባር መርዓ ኣይደግሙን፣ ከምቲ ኣብ መበል 25 ወይ 50 ዓመት መርዓ ዚግበር ምሕዳስ ቃል ኪዳን እውን ኣይገብሩን እዮም። (ማቴዎስ 5:37) (ገሊአን ኣብያተ-ክርስትያን ቀሺ ወይ ካህን ነቲ ጽምብል እንተ ዘየካይድዎ ወይ ነቶም መጻምድቲ እተመርዓዉ ሰብኣይን ሰበይትን ከም ዝዀኑ እንተ ዘይኣዊጁ: ብሕጊ ተቐባልነት ዘለዎ ሲቭላዊ መርዓ እኳ ኸይተረፈ ዕሽሽ ይብላኦ እየን።) ኣብ ብዙሓት ሃገራት: መንግስቲ ንሓደ ኣገልጋሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስነ-ስርዓት መርዓ ኺፍጽም ስልጣን ይህቦ እዩ። እዚ ዚከኣል እንተ ዀይኑ: ምስቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር መደረ መርዓ ብሓባር ኪፍጽሞ ይኽእል እዩ። ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብቲ ኸባቢ ንናይ ንጹህ ኣምልኾ ዚኸውን ቦታ ስለ ዝዀነ: ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣምላኽ ዘቘሞ ስርዓት መደረ ንምግባር ግቡእ ቦታ እዩ።
9. (ሀ) ኣብ ሲቭላዊ መርዓ: ክርስትያን መጻምድቲ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ (ለ) ሽማግለታት ኣብ መደባት መርዓ ብኸመይ ኢዶም ከእትዉ ይኽእሉ፧
9 ገሊአን ሃገራት ዘለወን ሕጊ እቶም መጻምድቲ ኣብ ከም ምምሕዳር ከተማ ወይ ኣብ ቅድሚ እተሸመ ሲቭል ብዓል ስልጣን ኰይኖም ኣብ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ኺምርዓዉ ይጠልብ። ብዙሕ ግዜ ክርስትያናት ነቲ ሕጋዊ መስርሕ ድሕሪ ምፍጻም: በታ መዓልቲ እቲኣ ወይ ንጽብሒቱ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ መደረ መርዓ ይገብሩ እዮም። (ኣብ መንጎ እቲ ሲቭላዊ ጽምብልን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መደረን ብዙሕ መዓልትታት ኪሓልፍ ኣይደልዩን እዮም፣ ከመይሲ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን: እንተላይ ኣብ ቅድሚ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸም ምርዑዋት እዮም ዚቝጸሩ።) እቶም ሲቭላዊ መርዓ ዚገብሩ መጻምድቲ ኣብ ሓደ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ መደረ ኺግበረሎም እንተ ደልዮም: ካብቶም ንኮሚተ ኣገልግሎት ጉባኤ ዘቘሙ ሽማግለታት ኣቐዲሞም ፍቓድ ኪሓቱ ኣለዎም። እዞም ሓለውቲ ኸኣ እቶም መጻምድቲ ጽቡቕ ስም ከም ዘለዎም ድሕሪ ምርግጋጽ: እቲ መርዓ ዚግበረሉ እዋን ምስቲ ኣብቲ ኣዳራሽ ዚግበር ስሩዕ ኣኼባታትን ዝወጸ መደባትን ከም ዘይጋጮ የረጋግጹ። (1 ቈረንቶስ 14:33, 40) እቶም መጻምድቲ ኣብቲ ኣዳራሽ ኪግበረሎም ዚደልይዎ ዝዀነ ይኹን ዚግበር ምድላዋት እንተ ኣልዩ ይቈጻጸሩ ኸምኡውን ትሑዝ ከም ዝዀነ ምልክታ ምግባር ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ይውስኑ።
10. ሲቭላዊ መርዓ እንተ ተገይሩ: እዚ ንመደረ መርዓ ብኸመይ እዩ ዚጸልዎ፧
10 እቲ መደረ መርዓ ዚህብ ሽማግለ: ነቲ ምይይጥ ምዉቕን ብመንፈሳዊ ዚሃንጽን ክብሪ ዝዓሰሎን ኪገብሮ እዩ ዚጽዕር። እቶም መጻምድቲ መጀመርታ ብሲቭላዊ መርዓ እንተ ተመራዕዮም: ብመሰረት ሕጊ ቄሳር ከም እተመራዓዉ ንጹር ይገብሮ። ኣብቲ ሲቭላዊ ጽምብል ዓው ኢሎም ቃል ኪዳን እንተ ዘይተኣታትዮም: ኣብቲ መደረ ኸምኡ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም።b እቲ ሲቭላዊ ጽምብል ቃል ኪዳን ምትእትታው ዜጠቓልል ምስ ዚኸውን: ግን ከኣ እቶም ሓደስቲ ምርዑዋት መጻምድቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋን ኣብ ቅድሚ እታ ጉባኤን ቓል ኪዳን ኪተኣታተዉ እንተ ደልዮም: ኣቐዲሞም ከም ‘እተጋጠሙ’ ንምርኣይ: ነቲ ቓል ኪዳን ብሕሉፍ ግዜ የንብብዎ።—ማቴዎስ 19:6፣ 22:21
11. ኣብ ገሊኡ ቦታታት: መጻምድቲ ዚምርዓዉ ብኸመይ እዮም፧ እዚኸ ኣብ መደረ መርዓ እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧
11 ኣብ ገሊኡ ቦታታት: እቲ ሕጊ ነቶም መጻምድቲ ኣብ ቅድሚ ብዓል ስልጣን መንግስቲ እውን እንተ ዀነ ጽምብል ብምግባር ኪምርዓዉ ኣይሓቶምን ይኸውን። የግዳስ: መርዓ ዚምዝገበሉ ፎርም ፈሪሞም ናብ ብዓል ስልጣን ምስ ኣምጽእዎ እቲ መርዓ ይፍጸም። ሽዑ እቲ ወረቐት ምስክር መርዓ ይምዝገብ። በዚ ኸምዚ እቶም መጻምድቲ ኸም ሰብኣይን ሰበይትን ጌርካ ይረኣዩ: እታ ዕለት ከኣ መዓልቲ መርዓኦም ትኸውን። ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ: እቶም በዚ ኸምዚ እተመርዓዉ መጻምድቲ: ደድሕሪ እቲ ምዝገባ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መደረ ኺግበረሎም ይደልዩ ይዀኑ። እቲ መደረ ኬቕርብ እተመርጸ ብመንፈስ ብሱል ሓው ድማ ነቶም ኣብቲ ኣዳራሽ ዚእከቡ ብምሉኦም: እቶም መጻምድቲ በቲ ምዝገባ ኸም እተመርዓዉ ኺገልጸሎም ይኽእል እዩ። ዝዀነ ይኹን ዚተኣታተውዎ ቓል ኪዳን ድማ ምስቲ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 10ን ኣብቲ እግረ-ጽሑፍን ተሰሪዑ ዘሎ ስርዓት ብምስምማዕ ይፍጸም። እቶም ኣብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚእከቡ: ምስቶም መጻምድቲ ይሕጐሱ: ካብቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እተዋህበ ምኽሪ ድማ ይጥቀሙ።—መሃልየ መሃልይ 3:11
ባህላውን ሲቭላውን መርዓ
12. ባህላዊ መርዓ ዚበሃል እንታይ እዩ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ መርዓ ምስ ተገብረኸ እንታይ ምግባር እዩ ዚተባባዕ፧
12 ኣብ ገሊአን ሃገራት: መጻምድቲ በቲ ባህላዊ (ወይ ቀቢላዊ) መርዓ ኺምርዓዉ ይኽእሉ እዮም። ከምዚ ኺበሃል ከሎ: ንግዜኡ ብሓባር ንዚነብሩ ኽልተ ውልቀ-ሰባት ኰነ ነቲ ኣብ ገሊኡ ዓድታት እተወሰነ ተቐባልነት ዘለዎ ግን ከኣ ምሉእ ሕጋዊ መርዓ ዘይኰነ ኸም ሰብኣይን ሰበይትን ኴንካ ተኣኻኺብካ ምንባር ዚምልከት ኣይኰንን።c የግዳስ: ብዛዕባ እቲ ብመሰረት ኣብቲ ቐቢላ ወይ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ባህሊ: ተፈላጥነት ብዘለዎ ኣገባብ ዚግበር መርዓ ኢና እንዛረብ ዘሎና። እዚ ድማ ኣብቲ እቶም መጻምድቲ ብሕጋዊ ዀነ ብቕዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ዚምርዓዉሉ ዅነታት ገዝሚ ምሃብን ምቕባልን ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል እዩ። መንግስቲ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ባህላዊ መርዓ ኸም ብቑዕን ሕጋውን ቀያድን ገይሩ እዩ ዚርእዮ። መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪኡ እቲ ባህላዊ መርዓ ኺምዝገብ ይከኣል እዩ: እቶም መጻምድቲ ኸምዚ ምስ ዚገብሩ ድማ ወግዓዊ ወረቐት ምስክር ይወሃቦም። ንመርዓ ምምዝጋቡ ነቶም መጻምድቲ: ነታ ሰበይቲ መበለት እንተ ዀይና: ወይ ንዝዀነ ይኹን ጸኒሑ ዚውለድ ውሉድ ዕቝባ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እታ ጉባኤ ንዝዀነ ይኹን ብኸምዚ ዝኣመሰለ ባህላዊ መርዓ እተመርዓዉ መጻምድቲ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፎም ኬመዝግብዎ ተተባብዕ እያ። ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ እውን: መርዓን ውልደትን ብወግዒ ዚምዝገብ ዝነበረ እዩ ዚመስል።—ማቴዎስ 1:1-16
13. ድሕሪ እቲ ባህላዊ መርዓ: ንመደረ መርዓ ብዚምልከት እንታይ ምግባር እዩ ግቡእ ዚኸውን፧
13 እቶም ብባህላዊ ኣገባብ ብሕጋዊ መገዲ ዚጣመሩ መጻምድቲ: ምስ ተመርዓዉ ሰብኣይን ሰበይትን እዮም ዚዀኑ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ: ብኸምዚ ዝኣመሰለ ሕጋዊ መገዲ ዚምርዓዉ ክርስትያናት: ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ መደረ መርዓ ኺግበረሎምን ቃል ኪዳን ኪተኣታተዉን ይደልዩ ይዀኑ። ከምዚ እንተ ተገይሩ: እቶም መጻምድቲ ምስ ሕጊ ቄሳር ብምስምማዕ ኣቐዲሞም ከም እተመርዓዉ እቲ ተዛራባይ ይጠቅስ። ሓንሳእ ጥራይ እዩ መደረ ኺግበረሎም ዚከኣል። ሓደ መርዓ ጥራይ እዩ ኺህሉ ዚኽእል: ኣብዚ መዳይ እዚ ድማ እቲ ብሕጋዊ ተቐባልነት ዘለዎ ባህላዊ (ቀቢላዊ) መርዓ እዩ፣ ስለዚ ሓደ ቕዱስ ጽሑፋዊ መደረ እዩ ዚህሉ። ነዚ ኽልቲኡ መዳያት ብእተኻእለ መጠን ኣብ እተቐራረበ እዋን ምግባሩ: እቲ ማሕበረሰብ ንክርስትያናዊ መርዓ ንኬኽብሮ ኣበርክቶ ይገብር እዩ፣ እዚ እንተ ተኻኢሉ ኣብ ሓደ መዓልቲ እንተ ዀነ ይምረጽ።
14. ባህላዊ መርዓን ሲቭላዊ መርዓን ኪግበር ዚከኣል እንተ ዀይኑ: ሓደ ክርስትያን እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧
14 ኣብቲ ባህላዊ መርዓ ኸም ሕጋዊ ጌርካ ዚውሰደለን ገሊአን ሃገራት: ሲቭላዊ መርዓ እውን ኣሎ። መብዛሕትኡ ግዜ ሲቭላዊ መርዓ ኣብ ቅድሚ ብዓል ስልጣን መንግስቲ ዚፍጸም ኰይኑ: ቃል ኪዳን ምትእትታው ኰነ መዝገብ ምፍራም ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኦም ክርስትያን መጻምድቲ: ካብ ብባህላዊ መገዲ ዚምርዓዉ: ብሲቭላዊ መገዲ ኺምርዓዉ ይመርጹ። ነፍሲ ወከፉ ብሕጊ ተቐባልነት ስለ ዘለዎ: ክልቲኡ ንኽትገብር ብሕጊ ዚሕተት ኣይኰነን። እቲ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 9ን 10ን ብዛዕባ መደረ መርዓን ቃል ኪዳን ምትእትታውን እተገልጸ ነገር ኣብዚ እውን ይዓዪ እዩ። እቲ ቐንዲ ነገር: እቶም መጻምድቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ክቡር ብዝዀነ መገዲ ምምርዓዎም እዩ።—ሉቃስ 20:25፣ 1 ጴጥሮስ 2:13, 14
ሓዳር ወትሩ ኽብሪ ይሃልዎ
15, 16. ንመርዓ ኽብሪ ንምሃብ እንታይ ኪግበር ይከኣል፧
15 ኣብ ሓዳር ንጉስ ፋርስ ሽግር ምስ ተፈጥረ: መሙካን ዚበሃል ቀንዲ ኣማኻሪ ኣወንታዊ ጽልዋ ኺህልዎ ዚኽእል ምኽሪ ሃበ፣ እዚ ድማ ‘ኵላተን ኣንስቲ ንሰብኡተን ክብሪ ኺህባኦም’ ዚብል እዩ። (ኣስቴር 1:20) ኣብ ክርስትያናዊ ሓዳር: እዚ ነገር እዚ ብሰብኣዊ ንጉስ ኪእወጅ ኣየድልን እዩ። ኣንስቲ ንሰብኡተን ክብሪ ኺህባኦም ይደልያ እየን። ክርስትያን ሰብኡት እውን ንኣንስቶም የኽብርወንን ይንእድወንን እዮም። (ምሳሌ 31:11, 30፣ 1 ጴጥሮስ 3:7) ኣብ ሓዳር ንምክብባር: ሓያሎ ዓመታት ኪወስድ የብሉን። ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ: እወ ኻብ መዓልቲ መርዓ ኣትሒዙ ኺጅምር ኣለዎ።
16 እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ጥራይ ኣይኰኑን ንመዓልቲ መርዓ ኽብሪ ኼርእዩ ዘለዎም። ሓደ ክርስትያን ሽማግለ መደረ መርዓ እንተ ኣቕሪቡ እውን: እቲ መደረ ኽብሪ ዝዓሰሎ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ መደረ ናብቶም መጻምድቲ ዝቐንዐ ኪኸውን ይግባእ። እቲ ተዛራባይ ክብሪ ኼርእዮም እንተ ዀይኑ: ኣብቲ ኣጋጣሚ መስሓቕ ዘረባ ወይ ጽውጽዋያት ኪዛረብ የብሉን። ነቶም መጻምድትን ነቶም ሰማዕትን ዜሕፍር ኣመና ብሕታዊ ዝዀነ ጕዳያት ኪጠቅስ የብሉን። ኣብ ክንዳኡስ: ምዉቕን ሃናጽን ኪገብር ይጽዕር: ነቲ መስራቲ መርዓን ንሱ ዝሃበና ብሉጽ ማዕዳን የጕልሕ። እወ: እቲ ሽማግለ ዜቕርቦ ምዕሩግ መደረ መርዓ: ነቲ ንየሆዋ ኣምላኽ ክብሪ ዜምጽእ መርዓ ኣበርክቶ ይገብር እዩ።
17. ክርስትያናዊ መርዓ ሕጋዊ መዳያት ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧
17 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ ኣብ መርዓ ዘሎ ሕጋዊ ዝርዝራት ሓያሎ ነጥብታት ኣስተውዒልካ ትኸውን ኢኻ። ገሊኡ መዳያት ኣብ ከባቢኻ ዘይዓዪ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ስነ-ስርዓት መርዓ ነቲ ኣብቲ ዓዲ ዘሎ ሕጊ ዜኽብርን ነቲ ቄሳር ዚሓቶ ብቕዓታት ዜማልእን ምዃኑ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ዅላትና ኽንፈልጥ ኣሎና። (ሉቃስ 20:25) ጳውሎስ “ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ: ተጎ ንዚግብኦ ተጎ: . . . ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት: ንዅሉ እቲ ዘዚግብኦ ሀብዎ” ኢሉ ተማሕጺኑና እዩ። (ሮሜ 13:7) እወ: ክርስትያናት ካብ መዓልቲ መርዓ ኣትሒዞም: ነቲ ኣምላኽ ነዚ ግዜና ዝሰርዓልና ነገር ኣኽብሮት ኬርእዩ ይግባእ።
18. እንታይ ንምርጫ ዚግደፍ ኣብ መርዓ ዚህሉ መዳይ እዩ ኣቓልቦና ዜድልዮ፧ ነዚ ዚምልከት መምርሒኸ ኻበይ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧
18 ደድሕሪ ሓያሎ ክርስትያናዊ መርዓ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ: ማለት ድግስ: ውራይ: ወይ ምሳሕ ይግበር እዩ። የሱስ ናብ ሓደ ኸምዚ ዝኣመሰለ ድግስ ከም ዝኸደ ኣይትረስዕ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምትእኽኻብ እንተ ኣልዩ: ከመይ ጌርና ኢና በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ኣቢልና ንኣምላኽ ክብሪ ዜምጽእን ነቶም ሓደስቲ መርዑ ዀነ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ጽቡቕ ስም ዜውህብን ክንገብሮ እንኽእል፧ እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ነዚ ጕዳይ እዚ ኽትምርምሮ እያ።d
[እግረ-ጽሑፋት]
a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ መርዓ” ዘርእስቱ 30 ደቂቕ ዚወስድ ኣስተዋጽኦ መደረ መርዓ ኣሎ። እዚ ኻብታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘዳለውዋ መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት ዘርእስታ መጽሓፍን ካብ ካልኦት ጽሑፋትን እተዋጽአ ቕዱስ ጽሑፋዊ ማዕዳ ዝሓዘ እዩ። እቲ መደረ ነቶም ዚምርዓዉ መጻምድቲ ዀነ ነቶም ኣብኡ ዚርከቡ ጠቓሚ እዩ።
b እቲ ኣብቲ ዓዲ ዘሎ ሕጊ ኻልእ ዚጠልብ እንተ ዘይኰይኑ: እዚ ንኣምላኽ ዜኽብር ቃል ኪዳን እዚ ምጥቃም ይከኣል እዩ። እቲ መርዓዊ ኸምዚ ይብል:- “ኣነ [ስም መርዓዊ] ንዓኺ [ስም መርዓት]: ብመሰረት እቲ ንክርስትያን ሰብኡት ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተሰሪዑ ዘሎ መለኮታዊ ሕጊ ኸፍቅረክን ክሕብሕበክን: ክልቴና ኣብ ምድሪ ብህይወት ክሳዕ ዘለና ድማ ብመሰረት እቲ ናይ ኣምላኽ ስርዓት መርዓ ኽመላለስ ሰበይተይ ክትኰንኒ እምርዓወኪ ኣለኹ።” እታ መርዓት ድማ ከምዚ ትብል:- “ኣነ [ስም መርዓት] ንዓኻ [ስም መርዓዊ]: ብመሰረት እቲ ንክርስትያን ኣንስቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተሰሪዑ ዘሎ መለኮታዊ ሕጊ ኸፍቅረካን ክሕብሕበካን ዓሚቝ ክብሪ ኸርእየካን: ኣብ ምድሪ ብህይወት ክሳዕ ዘለና ድማ ብመሰረት እቲ ናይ ኣምላኽ ስርዓት መርዓ ኽመላለስ ሰብኣየይ ክትኰነኒ እምርዓወካ ኣለኹ።”
c ናይ 1 ግንቦት 1962 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 287 ብዛዕባ ተኣኻኺብካ ምንባር ሓሳባት ትህብ እያ።
d ነታ ኣብ ገጽ 28 እትርከብ “መዓልቲ መርዓኻ ብዝያዳ ባህ እተብልን ምዕርግትን ግበራ” ዘርእስታ ዓንቀጽ እውን ርአ።
ትዝክሮዶ፧
• እቲ ሕጋውን መንፈሳውን መዳያት መርዓ ኼገድሰና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧
• ክልተ ክርስትያናት ብሲቭላዊ መገዲ እንተ ተመርዕዮም: ደድሕሪኡ እንታይ ኪገብሩ ኺውስኑ ይኽእሉ፧
• መደረ መርዓ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚወሃብ ስለምንታይ እዩ፧
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ጥንታውያን እስራኤላውያን ኣብ ዚገብርዎ ዝነበሩ መርዓ: እቲ መርዓዊ ነታ መርዓቱ ናብ ቤቱ ወይ ናብ ቤት ኣቦኡ የእትዋ ነበረ
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]
ክርስትያናት ድሕሪ ባህላዊ መርዓ: ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ መደረ ኺግበረሎም ይደልዩ ይዀኑ