ኣብ ሩስያ ዚግበር ኣኼባታት ኣውራጃ በረኸት ኣምጸአ
ተፈጥሮ ዚፈትዉ ሩስያውያን፡ ኣብ ዓዓመት፡ ሓጋዮም ምስ ኣተወ፡ ካብ ከተማ ናብ ገጠር ከይዶም ኣብቲ ዳቻ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ጎጆታቶም ዕረፍቶም የሕልፉ እዮም። እቲ እዋን እቲ፡ ካብቲ ሃታሃታ ዝመልኦ ናብራ ኸተማ ዚርሕቑሉ እዋን እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት፡ ኣብ ሩስያ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን፡ ኣብቲ ወርሓት እቲ፡ ብኻልእ ምኽንያት ናብ ገጠራት ኪውሕዙ ይረኣዩ ኣለዉ።
ኣብ ገሊአን ከተማታት፡ ኣብ ሩስያ ንዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዕዮ ስብከቶም ቀይዲ እኳ እንተ ተገብረሎም፡ በቲ ሕገ-መንግስታዊ ወይ ቅዋማዊ መሰል ናጽነት ሃይማኖት ተጠቒሞም፡ ብግህዶ ይእከቡ ኣለዉ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት ግን፡ ብሰንኪ እቲ እቶም ግጉይ ሓበሬታ እተዋህቦም ሰበ-ስልጣን ወይ ኣቕሽሽቲ ናይ ሩስያ ኦርቶዶክስ ዜለዓዕልዎ ተቓውሞን ጸቕጥን፡ ንዓመታዊ ኣኼባታት ኣውራጃ ዚኸውን ምሹእ መአከቢ ኺረኽቡ ኣይከኣሉን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብ ጫካ ወይ ኣብ መሮር፡ ኣኼባታት ኣውራጃ ገይሮም እዮም። ካብ 2007 ክሳዕ 2009፡ ኣብ መላእ ሩስያ ኣብ ዚርከብ 25 ቦታታት፡ 40 ግዜ ዚኣክል ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ኣኼባታት ተገይሩ እዩ።
ሓደ ኣብ ሩስያ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ኣኼባታት ኣውራጃ እተኣከበ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ከምዚ ብምባል ተዘክሮኡ ገለጸ፦ “ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ዚርከብ ስታድዩማትን ህንጻታትን ክንካረ ኸለና፡ ብዙሓት ቅኑዕ ዝልቦም ሰባትን ሰበ-ስልጣንን፡ ኣብቲ ዚርእይዎ ጽሬትን ስርዓትን ተመርኲሶም፡ ብዛዕባ ውድብና ኣብ ናይ ርእሶም መደምደምታ ይበጽሑ ነይሮም እዮም። ሕጂ ግን ኣራዊት ጥራይ ኪዕዘቡና ኣብ ዚኽእሉሉ ዱር ክንእከብ ተገዲድና ኣለና። ህዝቢ ነዚ ኻብ እተፈላለየ ድሕረ-ባይታን ዓሌታትን ሃይማኖታትን ዝመጹ ሰባት ዚእከቡሉ ዜደንቕ ኣኼባታት ኪርእዩ ዘይምኽኣሎም ዜሕዝን እዩ።”
እዚ ኣኼባታት እዚ ዜሐጕስ እኳ እንተ ዀነ፡ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ቅሬታኡ ገሊጹ ኣሎ፦ “ምስቲ ዅነታት ለውጢ ብምግባር፡ ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡን እሙናት ዝዀኑን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምርኣይ የሐጕስ እዩ። ከም ሓቂ ግን፡ ሰበ-ስልጣን፡ ኣኼባታትና ንኸይንገብር ኬሸግሩና ኸለዉ፡ ኣካላውን ስምዒታውን ጸቕጢ እዮም ዚገብሩልና። ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ብኽብሪ ንኸይነምልኾ ናጽነትና ይቕየድ ኣሎ።” ኣብ ሩስያ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነዚ ጸገማት እዚ ብኸመይ ይዋጽኡሉ ኣለዉ፧
ኣብ ብዘላ እታ ሃገር፡ ኣብ ዱር ዚግበር ኣኼባታት ኣውራጃ
መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ውዕል ክራይ ኪስረዝ ከሎ፡ እቶም ኣኼባ ኣውራጃ ዚውድቡ ኣሕዋት፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት፡ ብኣሽሓት ንዚቝጸሩ ኣኼበኛታት ዚኸውን ካልእ መሰናድዎ ኺገብሩ ይግደዱ እዮም። ንኣብነት፡ ብ2008፡ ኣብ ቸቦክሳሪ፡ ሪፓብሊክ ቹቫሽ፡ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብኣእዋም ኣብ እተኸብበን ናብ ፈለግ ቮልጋ ኣብ ዜማዕዱን ሰባት ድንኳን ዘርጊሖም ዚሓድሩሉ ቦታ፡ ኣኼባ ኣውራጃ ገይሮም እዮም። ሽዑ ኺዓይዎ ዝነበሮም ስራሕ ቀሊል ኣይነበረን። ካብቶም 1,930 ዚኣኽሉ ኺመጹ ትጽቢት ዚግበረሎም ኣኼበኛታት፡ 1,700 ኣብቲ ቦታ እቲ ኺሓድሩ ነበሮም። ውዑይን ዝሑልን ማይ ዘለዎ መሕጸብ ነብስን መሕጸብ ኢድን ሽቓቓትን ኤለክትሪክን የድልዮም ነበረ። ንዅሎም ዚኸውን ምግቢ እውን የድሊ ነበረ።
እቶም ኣሕዋት፡ ዜድሊ ዘበለ ንምምላእ ኣበርቲዖም ዓየዩ። ዕዮ ጽርበትን ኤለክትሪክን ሻምብቆታት ማይን ዚዓዩ ሰብ ሞያ ተረኽቡ። ኣስታት 350 ዚኣኽሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ወለንተኛታት ኰይኖም ኣብቲ ዕዮ እቲ ሓገዙ፣ 14 ኻባታቶም ከኣ ኣብቲ ቦታ እቲ ዓሰርተ መዓልቲ ገበሩ። ኣልዋሕ ቈረጹ፡ ሓሰር ጓረቱ፡ ድንኳን ተኸሉ፡ መሕጸብ ነብስን ሽቓቓትን ሰርሑ። ካልኦት ኣሕዋት ከኣ፡ ዜድሊ ዘበለ ንምዕዳግ፡ ናብ ከተማ ብዙሕ ግዜ ተመላለሱ። ከይወዓየ ንዚብላዕ ምግቢ ዚኸውን መኸዘኒ ስለ ዘይነበረ፡ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ ብውዑዩ ዚቐርብ ምግቢ ኺዳሎ ተወሰነ። እቶም ነቲ ቦታ እቲ ዜመሓድሩ ሰባት፡ ነቶም ኣኼበኛታት ዚኸውን ምግቢ ዜዳልዉ ሰራሕተኛታት ቈጸሩ። ኣብ መወዳእታ፡ 500 ኣኼበኛታት ነናቶም ድንኳን ኣምጽኡ፡ 150 ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከብ ኣባይቲ ተኻረዩ፡ 15 ተሓጒሶም ኣብ ሓሰር ደቀሱ፡ ዝተረፉ ኸኣ ኣብቲ ብኣሕዋት እተዳለወ ድንኳናት ሓደሩ።
እቶም ኣኼበኛታት ምስ መጹ፡ እተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎ ብፕላስቲክ እተሰርሐ መናብር ተሰሪዑ ጸንሖም። ኣብ ቅድሚት፡ ሓደ ንቛንቋ ሩስያ፡ ካልእ ከኣ ንቛንቋ ቹቫሽ ዚኸውን ብዕምባባታት እተሰለመ ኽልተ መድረኽ ነበረ። ኵሎም በቲ መንፈሳዊ ኣኼባ ተሓጐሱ፣ ነቲ እቶም ወለንተኛታት ዝገበርዎ ጻዕሪ ድማ ኣማሰዉሉ። ሓደ ኻብቶም ምግቢ ዜዳልዉ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት፡ “ብኣዒንተይ እንተ ዘይርኢ ነይረ፡ ከም ናታትኩም ዝኣመሰለ ስሉጥን ስርዓታውን ውድብ ከም ዘሎ ኸቶ ኽኣምን ኣይምኸኣልኩን!” በለ። ገሊኦም ከኣ፡ ነቲ መሰናድዎ ኣኼባ ኣውራጃ፡ ምስቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህዝቢ እስራኤል ዚበዓል ዝነበረ በዓል ዳስ ኣመሳሰልዎ።
ኣብ ካልእ ከተማታት፡ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ምስ ተረፈቶም እዮም ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ ኻልእ ቦታ ኼዳልዉ ዚግደዱ ዝነበሩ። ኣብ ኒዥኒ ኖቭጎሮድ ከምኡ እዩ ኣጋጢምዎም፣ ኣብኡ ኸኣ እቶም ወለንተኛታት ኣብ ናይ ውልቂ መሬት ኣኼባ ኣውራጃ ንምድላው፡ በብእብረ ለይትን መዓልትን ዓየዩ። ኣእዋምን ቍጥቋጥን ኪቘርጹ፡ ሳዕሪ ኺዓጽዱ፡ ነቲ ቦታ ድማ ካብ ቍርዲድን ጻጸን ኬጽርዩ ነበሮም። እቶም ኣኼበኛታት ዓርቢ ንግሆ ኣብ ዝመጹሉ እዋን፡ እቶም ወለንተኛታት 2,000 ብፖላስቲክ እተሰርሐ መናብርን ዓሰርተ ተንቀሳቓሲ ሽቓቓትን ኣምጺኦም፡ መሕጸቢ ኢድ ሰሪሖም፡ መድረኽ ሃኒጾም፡ ጀነረይተርን መሳርሒ ድምጽን እውን ተኺሎም ነበሩ። ሓደ ሓው፡ “እቶም ለይትን መዓልትን ዝሰርሑ ኣሕዋት፡ ጀጋኑ ኸም ዝዀኑ ዀይኑ ዘይተሰምዖም ምዃኑ ኣዝዩ ዜገርም እዩ። ኣብቲ ኣኼባ ብትሕትና እዮም ዜገልግሉ ነይሮም። ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ጥዒምዎም ነቲ መንፈሳዊ ትምህርቲ ምእንቲ ኼስተማቕሩ፡ ቃል ብቓሉ ገዛእ ርእሶም እዮም ወፍዮም” በለ።
ካልእ ሓው ድማ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ሕብረት ነይሩ እዩ። ኣሕዋት ንፈለማ ግዜ ኣብ ግዳም እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ እኳ እንተ ወደቡ፡ ነዚ ንምውዳብ ዝነበሮም ግዜ እውን ሓጺር እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ኣኼባ ኣብ ዚካየደሉ እዋን፡ ኣቓልቦ ዚሰርቕ ኵነታት ከይህሉ ብዙሕ እዮም ሓሲቦምሉ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ፡ ድኻም ኣይተሰምዓናን። የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና፡ ኣኽናፍ ከም ዝሃበና ዀይኑ እዩ ተሰሚዑና!”
መንፈስ ኣምላኽ ብግብሪ ተራእየ
መብዛሕትኡ ግዜ፡ ነቲ ጸገማት ንምፍታሕ ዚግበር ዝነበረ ጻዕሪ፡ ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዝያዳ ኣቀራሪብዎምን መንፈስ ኣምላኽ ብግብሪ ኸም ዚርአ ገይሩን እዩ። ኣብ ስሞለንስክ፡ ተሓዚኡ ዝነበረ መሕደሪታት፡ ኣብ ድሮ እቲ ኣኼባ ኣውራጃ ዚግበረሉ መዓልቲ ተሰረዘ። ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዘጋጠመ ነገር፡ ሓደ ሽማግለ ኸምዚ በለ፦ “ሰዓት ሓደ ናይ ለይቲ፡ ኣኼበኛታት ዝመልኣ ኣውቶቡሳት ኪመጻ ምስ ጀመራ፡ መዕረፊ ኣይነበረናን። ዋላ ሓንቲ ኽገብረሎም ብዘይምኽኣለይ ክነብዕ ጀመርኩ። ናብ የሆዋ ጸለኹ፡ ነቲ ጸገም ኪፈትሓልና ድማ ለመንክዎ። ድሕሪ ሓደ ሰዓት፡ ንዅሎም ዚኣክል ካልእ መሕደሪታት ብምርካብና፡ ኣዝየ ተሓጐስኩ! ብሓቂ ዜገርም እዩ ነይሩ፣ የሆዋ ንጻድቑ ኸም ዘይድርብዮ ዜረጋግጽ እዩ ነይሩ!” ኣብ ዱር ኣብ እተገብረ ኻልእ ኣኼባ ኣውራጃ፡ እቶም ኣሕዋት ካብ ነበርቲ እቶም ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ቍሸት መሕደሪታት ንምርካብ ሓገዝ ሓተቱ። ኣብቲ ኸባቢ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽቡቕ ስም ስለ ዘለዎም፡ እቶም ነበርቲ እታ ቝሸት ብፍታዎም 2,000 ዚኣኽሉ ኣኼበኛታት ኣብ ኣባይቶም ተቐቢሎም ኣሕደሩ።
ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር፡ “እቲ ኣኼባ ኺካየድ ምኽኣሉ ጥራይ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ናብ የሆዋ ምጽጋዕ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ዜእምን መርትዖ እዩ ነይሩ” በለ። ብሕልፊ፡ ዘይተዓደሙ “ኣጋይሽ” ነቲ ኣኼባ ንምርባሽ ምስ መጹ፡ እዚ ነገር እዚ ተራእዩ እዩ። ኣብ ኖቮሻክቲንስክ፡ ኣቕሽሽቲ ናይ ሩስያ ኦርቶዶክስን ተቓወምትን መጺኦም፡ ንድምጺ እቲ ኣብቲ ኣኼባ ዚምድር ዝነበረ ተዛራባይ ንምውሓጥ፡ ብማይክሮፎን ገይሮም ኣዜሙ። ኰይኑ ግን፡ ፖሊስ ነቲ ኣኼባ ንኸይርብሹ ኸልከሎም። ሓንቲ ኻብቶም ተቓወምቲ ዝነበረት ሰዓቢት እምነት ኦርቶዶክስ ብሰንኪ ሃሩር ሃለዋታ ምስ ኣጥፍአት፡ እቶም ኣሕዋት ናብቲ ኣብቲ ኣኼባ ዝነበረ ኽፍሊ ቐዳማይ ረድኤት ወሲዶም፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ሃብዋ። ንሳ እውን፡ በዚ ደንጸዋ።
በቲ ዝረኣይዎ ተገረሙ
ኣብ ሩስያ ስግኣት ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ስለ ዘሎ፡ ዓበይቲ ኣኼባታት ኪግበር ከሎ፡ እቶም ሕጊ ዜፈጽሙን ኣብቲ ኸባቢ ዚርከቡን ሰበ-ስልጣን የተኵሩሉ እዮም። ንኣብነት፡ ተወከልቲ ጕጅለ ፖሊስ ጸረ-ጥሩፍነት ነቲ ኣብ ቮልሽኪ፡ ኣብ ዱር እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ ተኸታቲሎምዎ እዮም። ሓደ ኻባታቶም ኣብ መንጎ እቲ ኣኼባ ሞባይሉ ጠፍኣቶ፣ ኣሕዋት ከኣ ኣብ ክፍሊ ጠፊኡ እተረኽበ ኣቕሑ ኸይዱ ንኺረኽባ ሓገዝዎም። ድሕሪ እተወሰነ እዋን፡ ካብ ሓለቓኡ ተደወለሉ። ሓለቓኡ፡ ንዓመጻ ወይ ንጥሩፍነት ዜለዓዕል ነገር እንተ ኣልዩ ኺፈልጥ ደልዩ እዩ ደዊሉሉ። እቲ ፖሊስ ከኣ፡ “ኵሉ ደሓን እዩ፣ 5,000 ሰባት ኣለዉ፡ ሕጊ እውን ኣይተጣሕሰን። ናይ ምንታይ ጥሩፍነት፧ ዜገርም እኮ እዩ። ተሌፎነይ ጠፊኣትኒ ነይራ፡ ንሳቶም ግን ረኺቦም መሊሶምለይ!” በለ።
ሓደ ሓላዊ ብጽሬት እቲ ቦታ ኣዝዩ ተገረመ፣ ብዙሓት ቈልዑ እኳ እንተ ነበሩ፡ ዋላ ሓንቲ መጠቕለሊ ካራሜላ ኺረክብ ብዘይምኽኣሉ ደንጸዎ። ኣብ ካልእ ኣኼባ እተገብረሉ ቦታ ኸኣ፡ ዋና እቲ ቦታ ምስ ኪምርምር ዝመጸ ፖሊስ ተራኸበ። እቲ ፖሊስ ሓደ ዓብዪ ሃይማኖታዊ ኣኼባ ይግበር ከም ዘሎ ተነጊርዎ እዩ መጺኡ። እቲ ዋና ነቲ ሓለቓ ፖሊስ፡ ናብቲ ነቲ ኣኼባ ዜርኢ ህንጻ ኣደዪቡ፡ “ርኣዮም እሞ! ብዓይንኻ ኽትርኢ ትኽእል ኢኻ። ኣየ ስርዓት!” በሎ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣልኮላዊ መስተ ኸም ዘይሰተዩ ወይ ከም ዘየትከኹ ምስ ፈለጠ፡ ነቲ ቦታ እቲ ኸኣ ሰብ ዝነበሮ ኸም ዘይመስል ገይሮም ጐሓፎም ሒዞም ከም ዝኸዱ ምስ ርኣየ፡ ተደመመ። “ከም ገነት እዩ ነይሩ!” በለ።
ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ዚርአ ሓድነት
ሓደ ኣኼባ ኣውራጃ ምስ ተገብረ፡ ሹም ሓንቲ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ቍሸት፡ “ትሑታት ሰባት ምዃንኩም ተገንዚበ እየ፣ ግናኸ ብሓቂ ሓያላት ኢኹም። ነፍሲ ወከፍና በብርእስና ኽንነብር ከለና፡ ንስኻትኩም ግን ሓድነት ክትፈጥሩ ኽኢልኩም ኢኹም” በለ። ካብታ ብምዕራብ ጫፍ እትርከብ ካሊኒንግራድ፡ ክሳዕ እታ ብምብራቕ ጫፍ እትርከብ ካምቻትካ፡ ዜጋታት እዛ ሰፋሕ ሃገር በቲ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ዓበይቲ መንፈሳዊ ኣኼባታቶም ዘለዎም ሓድነት ይምሰጡ ኣለዉ። ህዝቢ ኣምላኽ ኣውጺኦምዎ ዝነበሩ መደባት ብቕልጡፍን ብሃንደበትን ዋላ እኳ እንተ ተቐያየረ፡ ንዓለማውያን ሰበ-ስልጣንን ንሰባትን ዘለዎም ኣኽብሮት ግን ኣይቅየርን እዩ።
ብሕጂ ዚመጽእ ኵነታት እውን ብዘየገድስ፡ ኣብ ሩስያ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መንፈሳዊ ኣኼባ ኻብ ምግባር ኣይኬቋርጹን እዮም። ‘ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲኦም ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽነብሩሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን’ ይጽልዩ እዮም።—1 ጢሞቴዎስ 2:2።
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ኣብ ግዳም ኣብ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ ዘገልገለ ወለንተኛ ናይ የሆዋ ምስክር
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ሓሳብ]
ኣብ ሩስያ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ‘ብዅሉ ኣምልኾ ሃዲኦም ብዘይ ህውከት’ ይነብሩ ኣለዉ
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእልታት]
ኣኼባ ኣውራጃ ቕድሚ ምጅማሩ፡ ወለንተኛታት ነቲ መአከቢ ኼጽርዩን ንኣሽሓት ኣኼበኛታት ዚኸውን ምግቢ ኼዳልዉን ከለዉ
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእልታት]
ኵሎም በቲ መንፈሳዊ ኣኼባ ተሓጒሶምን ንጻዕሪ እቶም ወለንተኛታት ኣማስዮምሉን እዮም