ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/1 ገጽ 10-11
  • ኣብርሃም ፈቃር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብርሃም ፈቃር
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብርሃም መን እዩ ነይሩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • የሆዋ “ፈታውየይ” ኢሉ ጸዊዕዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ኣምላኽ ንእምነት ኣብርሃም ይፍትን
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ናይ እምነት ፈተና
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/1 ገጽ 10-11

ኣብርሃም ፈቃር

ኣብርሃም ብሞት እታ ዚፈትዋ ሰበይቱ ሳራ ኣመና ሓዚኑ ነበረ። ኪቐብራ ኸሎ ኸኣ፡ ብምሉኡ እቲ ምስኣ ዘሕለፎ ጽቡቕ ተዘክሮታት ኣብ ኣእምሮኡ ቕጅል በሎ። ልቡ ብሓዘን መሊኡ ድማ ኣዒንቱ ብንብዓት ቅጽርጽር በላ። (ዘፍጥረት 23:1, 2) እዚ ንብዓት እዚ ምልክት ድኽመት ወይ ውርደት ዘይኰነስ፡ ምልክት እቲ ኣብርሃም ዝነበሮ ፍቕሪ እዩ ነይሩ።

ፍቕሪ እንታይ እያ፧ ፍቕሪ፡ ናይ ምዉቕ ብሕታዊ ምቅርራብ ወይ ናይ ዓሚቝ ምፍታው ስምዒት እያ። ሓደ ፈቃር ሰብ፡ ዋላ እውን ብሕታዊ መስዋእቲ ኺገብር እንተ ኣድለዮ፡ ነቶም ዜፍቅሮም ሰባት ዘለዎ ስምዒት ብተግባር እዩ ዜርእዮም።

ኣብርሃም ፍቕሪ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ ኣብርሃም ንስድራ ቤቱ ኸም ዜፍቅሮም ኣርኣየ። ብስራሕ ትሑዝ እኳ እንተ ነበረ፡ ንስድራ ቤቱ ብስምዒታውን ብመንፈሳውን መዳይ ዜድልዮም ነገራት የማልኣሎም ነበረ። የሆዋ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብርሃም ንስድራ ቤቱ ኣብ ኣምልኾ ጽቡቕ ኣርኣያ ኸም ዚዀኖም ኣስተብሂሉ ነይሩ እዩ። (ዘፍጥረት 18:19) ብዘይካዚ፡ ነቲ ኣብርሃም ዝነበሮ ፍቕሪ ብንጹር ጠቒስዎ ኣሎ። ሓደ እዋን ንይስሃቅ ጠቒሱ ንኣብርሃም ኪዛረቦ ኸሎ፡ “ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ” በሎ።—ዘፍጥረት 22:2።

ኣብርሃም ብሞት እታ ዚፈትዋ ሰበይቱ ሳራ እተሰምዖ ሓዘን እውን፡ ፍቕሩ ዜርኢ እዩ ነይሩ። ንሰበይቱ በኽዩላ እዩ። ብርቱዕ ሰብኣይ እኳ እንተ ነበረ፡ ሓዘኑ ኺሓብእ ግና ኣይፈተነን። እወ፡ ኣብርሃም ብርቱዕ እኳ እንተ ነበረ፡ ርሕሩሕ እውን እዩ ነይሩ።

ኣብርሃም ንኣምላኽ ከም ዜፍቅሮ ኣርኣየ። ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ኣርእይዋ እዩ። ብኸመይ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 1 ዮሃንስ 5:3 እንታይ ከም ዚብል ንፈልጥ ኢና፣ እታ ጥቕሲ፡ “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ” ትብል። ብመሰረት እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ እተደንቕ ፍቕሪ እያ ነይራቶ።

ኣብርሃም ነቲ ብየሆዋ ዚወሃቦ ዝነበረ ተደጋጋሚ ትእዛዝ፡ ብኡብኡ እዩ ዚእዘዞ ነይሩ። (ዘፍጥረት 12:4፣ 17:22, 23፣ 21:12-14፣ 22:1-3) እቲ ትእዛዝ ቀሊል ይኹን ከቢድ ብዘየገድስ፡ ዋላ እውን ስለምንታይ ሓደ ነገር ኪገብር ከም እተኣዘዘ ኣይረድኣዮ፡ ከምቲ እተነግሮ ይገብር ነበረ። ከመይሲ፡ እዚ ዅሉ ረቛሒታት ኣየገድሶን እዩ ነይሩ። ኣምላኽ ሓደ ነገር ኪገብር እንተ ደልይዎ፡ ብፍታው ይገብሮ ነበረ። ንነፍሲ ወከፍ ትእዛዝ ድማ፡ ንየሆዋ ዘላቶ ፍቕሪ ዜርእየሉ ኣጋጣሚ ኸም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ።

ካብዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ንሕና እውን ንኻልኦት፡ ብፍላይ ከኣ ንኣባላት ስድራ ቤትና ብምፍቃር፡ ንኣብርሃም ክንመስሎ ንኽእል ኢና። ናብራ ዜምጽኦ ጸቕጥታት፡ ነቲ ምስቶም እነፍቅሮም ሰባት እነሕልፎ ግዜ ኸይሰርቆ ኽንጥንቀቕ ኣሎና።

ንየሆዋ ኻብ ልብና ኸነፍቅሮ ኣሎና። ከምዚኣ ዓይነት ፍቕሪ፡ ኣብ ህይወትና ሓያል ድራኸ እያ እተሕድር። ንኣብነት፡ ኣረኣእያናን ዘረባናን ኣኻይዳናን ብምቕያር፡ ንኣምላኽ ንኸነሐጕሶ ኽትድርኸና ትኽእል እያ።—1 ጴጥሮስ 1:14-16።

ሓቂ እዩ፡ ንትእዛዛት የሆዋ ምሕላው፡ ወትሩ ቐሊል ከይከውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ንኣብርሃም ዝሓገዞን “ፈታውየይ” ኢሉ ዝጸውዖን ኣምላኽ፡ ንዓና እውን ከም ዚድግፈና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ኢሳይያስ 41:8) እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኬጽንዓኩም፡ ኬበርትዓኩም ኪስርተኩምውን እዩ” ኢሉ ይመባጻዕ እዩ። (1 ጴጥሮስ 5:10) እዝስ እቲ እሙን ዓርኪ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኸመይ ዝበለ ልቢ ዜረስርስ መብጽዓ ዀን እዩ!

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ሳጹን]

ዘይምብካይ ምልክት ስብእነት ድዩ፧

ብዙሓት ሰባት ከምኡ ኢሎም እዮም ዚኣምኑ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ሓደ ኻብቶም ሓያሎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ሓያላትን እሙናትን ሰብኡት ዝነበረ ኣብርሃም፡ ኣብ ግዜ ሓዘን ከም ዝበኸየ ምስ ፈለጡ ይግረሙ ይዀኑ። ካልኦት ዝበኸዩ ሰብኡት እውን ነይሮም እዮም፣ ንዮሴፍን ንዳዊትን ንሃዋርያ ጴጥሮስን ንሽማግለታት ጉባኤ ኤፌሶንን ንየሱስን ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። (ዘፍጥረት 50:1፣ 2 ሳሙኤል 18:33፣ ሉቃስ 22:61, 62፣ ዮሃንስ 11:35፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:36-38) ብንጹር እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዘይምብካይ ምልክት ስብእነት ከም ዝዀነ ኣይምህርን እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ