ስዓብቱ ኪኾኑ ኣተባብዕዎም
1 ኣብ 1 ቈረንቶስ 3:6 ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣነ ተኸልኩ: ኣጵሎስ ኣስተየ: ኣምላኽ ግና ኣብቈለ።” ጳውሎስ ነዚ ኣበሃህላ እዚ እተጠቕመ: ኣሕዋቱ ኣብ ትሕቲ ርእስነት ናይ ክርስቶስ ሓቢርካ ምስራሕ ኣድላይነቱ ንኽግንዘቡ ክሕግዞም ኢሉ ኢዩ። በዚ መገዲ እዚ ድማ: ነቲ ኣብ ናይ ምትካልን ምስታይን እተጻወትዎ ኣገዳሲ ተራ ንኸማስውሉ ሓጊዝዎም ኢዩ።
2 እዚ ህይወት ኣድሕን ዕዮ እዚ: ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናብ መደምደምታ ክበጽሕ ኢዩ። ከም ውፉያት ክርስትያናት መጠን: ካልኦት ናይ የሱስ ሰዓብቲ ክኾኑ ንምሕጋዞም ከቢድ ሓላፍነት ኣሎና። (ግብ. 13:48) ነቲ ከተለዓዕለሉ ዝኸኣልካ ተገዳስነት ብኸመይ ምተኸታተልካዮ? ገለ ሓሳባት ኣብዚ እነዉ:-
3 ንእተረኽበ ተገዳስነት ምኹስኳስ:- “ኣብቲ ዝሓለፈ ኣሕጽር ኣቢልና ክንዛራረብ ከሎና ኣዚኻ ትሑዝ ኢኻ ነይርካ: ይኹን እምበር ብዛዕባ መጻኢ ዘሎካ ተገዳስነት ንምግላጽ ግዜ ወሲድካ ኢኻ። ከም እትዝክሮ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ራእይ 1:3 “እቲ ዘመን ቀረባ እዩ” ዝብል ኣንቢብና ነይርና። እዚ ኣብ ናይ ኵልና መጻኢ ቀጥታዊ ሳዕቤን ኣለዎ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ እትብሎ እሞ ኣስተብህለሉ። [ካብታ ራእይ ፍጻሜኡ (እንግሊዝኛ) መጽሓፍ ገጽ 17 ቍጽሪ 11 ኣንብብ።] እዛ ሕታም እዚኣ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ትንቢታት ብምሉኡ ትደግሞን ብብሕትና ኸኣ ብኸመይ ክንጥቀም ከም እንኽልን ተርእየና። ዝያዳ ንኽትማሃርሲ ምተገደስካዶ?”
4 ራእይ ፍጻሜኡ መጽሓፍ ተጠቒምካ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር:- “ካልኣይ ግዜ ዝረኸብኩኹም ደስ ኢዩ ዝብለኒ። ኣብታ ዝገደፍኩልኩም መጽሓፍ ዝረኸብክዎ ተወሳኺ ነጥቢ ከካፍለኩም እደሊ ኣሎኹ: ኣዝዩ ዘተባብዕ ድማ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ምስቶም ንዘለኣለም ዝነብሩ ብምትሕሓዝ ብዛዕባ ‘መጽሓፍ ህይወት’ ይዛረብ ኢዩ። ኣብቲ ጥቕላል እንታይ ኣስማት ተጻሒፉ ከም ዘሎ ክትፈልጡ ምደለኹምዶ?” ናብ መጽሓፍ ራእይ ፍጻሜኡ ገጽ 298 ኪድ። ቍጽሪ 11 ኣንቢብካ ነቲ ኣብታ ቍጽሪ እቲኣ ዘሎ ሕቶታት ሕተት። ብርክት ዝበሉ ቍጽርታት ምስ ተዘራረብካሎም ከኣ ተመሊስካ ክትመጽእ እሞ ነቲ ዝርርብ ክትቅጽልዎ ዓድሞም።
5 ተገዳስነት ከተለዓዕል ብልሓት ተጠቐም:- መጽሓፍ ራእይ ፍጻሜኡ ብዙሕ ህያው ስእላዊ መግለጺታት ኣለዋ። እዚኣቶም ተገዳስነት ንምልዕዓል ክጐልሑ ይኽእሉ ኢዮም። ንኣብነት: ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብር ከሎና ገጽ 7 ክንግንጽል ንኽእል ኢና። ናብቲ ስእሊ ናይ ዮሃንስ ኣብ ደሴት ጳጥሞስ ኣመልክት። ራእይ 1:3 እቲ ናይ ዮሃንስ ራእይ: ናይ ሓጐስ መልእኽቲ ምዃኑ የጕልሕ። ራእይ ብዛዕባ ኣዝዮም ዘፍርሁ ኣራዊትን ጥፍኣትን እናገለጸት ከላስ እዚ ከመይ ኢሉ ኪኸውን ይኽእል? ኣብ ገጽ 6 ንቑጽሪ 1ን 2ን ናይታ መጽሓፍ ተዘራረቡለን። ነቲ ኣብቲ መወዳእታ ገጻት ዘሎ ስእላዊ መግለጺታትን ነቶም ኣብ ገጽ 302: 308: 309 ዘለዉ ብዛዕባ ገነታዊት ምድሪ ዝገልጹ ትርኢታትን: ክቐርቡ ይኽእሉ ኢዮም።
6 ጳውሎስ ኣብ ዓጺድ ዘሎ ሰራሕተኛ “ከከም ጻዕሩ ዓስቡ ኪቕበል እዩ” ይብል። (1 ቈረ. 3:8) ካልኦት ሰዓብቲ የሱስ ክኾኑ ክንሕግዞም ኣበርቲዕና ምስ እንጽዕር: ዓስብና ዓቢ ከም ዝኸውን ርግጽ ኢዩ።