ነቲ ናይ ክርስቶስ ትንቢታት ከቕልብሉ ዓድሞም
1 ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 5:14 ተመዝጊቡ ዘሎ: የሱስ ንደቂ መዛሙርቱ ከምዚ በሎም:- “ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም።” ሰዓብቲ የሱስ: ብዛዕባ ትንቢታት ናይ መንግስቲ የሆዋን ነቲ ብየሱስ ዝርከብ ንድሕነት ዝኸውን ፍቕራዊ ምስንዳእን ኣብ ኵሉ ቦታ ንሰባት ክነግሩ ነበሮም። ነዚ ትእዛዝ እዚ ኣብ ኣእምሮ ብምሓዝ: ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ንመጽሓፍ ራእይ—እቲ ዝዓበየ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! [እንግሊዝኛ ወይ ኣምሓርኛ] ከነበርክታ ብተስፋ ንጽበ!
2 እታ ራእይ ፍጻሜኡ መጽሓፍ ሰባት ንኽርድእዋ ኣዝያ ዓማቍ ድያ? ብዙሓት ኣዝያ ከባድ ኮይና ከም ዘይረኸብዋ ርኡይ ኢዩ። ንገለ ካብቲ ኣንበብቲ ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ዝሃብዎ ብዙሕ ርእይቶታት እስኪ ተዓዘብ። ሓደ ሰብኣይ ከምዚ በለ:- “እዚ ሓበሬታ እዚ ሓያል ኢዩ። ግን ኣገዳሲ ኢዩ። እፈትዎ ኢየ።” ሓደ ቀሺ ከምዚ በለ:- “ካብዛ መጽሓፍ እዚኣ ንላዕሊ ገይሩ ስምዒት ዘለዓዕልን ሓቅነት ዝመልኦን ርእየን ኣንቢበን ኣይፈልጥን!” ሓደ ካልእ ኣብ ሰሙን ዘይመልእ ግዜ ዘንበባ ሰብ ከምዚ ኢሉ ሓሳብ ይህብ:- “ሕጂ ኣዒንተይ ንሓቂ ኣግፊሐን ተኸፊተን ኣለዋ። ህይወተይ ብምሉኡ ክልውጦ እደሊ ኢየ።” ብንጹር: ንመጽሓፍ ራእይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ህይወቶም ብምርዳእ ምስ ኣንበብዎን ነቲ ቓላቱ ክዕዘብዎ ምስ ጀመሩን ብዙሓት ሓጐስ ይረኽቡ ኣለዉ።
3 ኣብ ርእሲ እቲ ናይ ቤተ–ቤት ኣገልግሎት: ብዙሓት ነዛ መጽሓፍ ራእይ ፍጻሜኡ እግረ–መገዶም ነዝማዶም: ንዝፈልጥዎምን ኣብ ስራሕ ንዝረኽብዎምን ሰባት ብምዕዳል ዓወት ረኺቦም ኢዮም። ካብቶም ኣብታ መጽሓፍ ዘለዉ ህያው ስእላዊ መግለጺታትን ሓገዝቲ ሰሌዳታትን ከምኡውን ካልኦት ዘደንቑ ናይ ኣማሃህራ ሓገዛትን ብብሕትኻ ብኸመይ ከም እተጠቐምካ ጥቐስ።
4 ገለ ነዚ ዝመስል ክትብል ትደሊ ትኸውን:-
◼ “ሰላም! ስመይ . . . ይበሃል። ህይወት ብሽግራት ዝመልአት እኳ እንተኾነት: ብዛዕባ መጻኢ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ከነካፍለኩም ኢና እንጽዕር ዘሎና። ነቲ ኣብ ራእይ 1:3 ዘሎ ናይ የሱስ ቃላት እሞ ኣስተብህልሉ። [ኣንብብ] ንሓደ ካብቲ ትንቢታት ዝገልጽ ስእሊ ከርእየኩም ፍቐዱለይ። [ገጽ 302 ክፈት እሞ ንራእይ 21:3, 4 ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጥታ ካብ ገጽ 303 ናይታ መጽሓፍ ኣንብብ።] ሓጐስካ ንኽውስኽ: ነዛ ነፍሲ ወከፍ ጥቕሲ ናይ ራእይ እትገልጽ ጽብቕቲ መጽሓፍ ንዓኻ ነበርክታ ኣሎና። ተመሊስና ክንመጽእን ነዞም ኣድለይቲ ትንቢታት ክትርድኦም ክንሕግዘካን ሕጕሳት ኢና።”
5 ካልኦት ርእይቶታት ኣብዚ እነዉ:-
◼ “ኣነን [ስምካ ሃብ።] ዓርከይን [ስም ሃብ።] ንጐረባብትና ሕቶ ንሓትት ኣሎና:- መጽሓፍ ራእይ ክንርድኣ እተጻሕፈትዶ ይመስለካ ወይስ እዞም ትንቢታት እዚኣቶም ንኹሉ ግዜ ምስጢር ኮይኖም ኢዮም ክተርፉ? [መልሲ ተጸበ።] ብዙሓት ከምዚ ናትካ ኣተሓሳስባ ኢዩ ዘለዎም። ነዘን ኣብ ራእይ 1:3 ዘለዋ ናይ የሱስ ቃላት ኣስተብህለለን። [ኣንብብ] ስለዚ እዞም ትንቢታት እዚኣቶም ክንርድኦም ኢዮም ተጻሒፎም። ንኣብነት: ሓደ ኣገዳሲ ምልክታ ኣብ ምዕራፍ 14:6, 7 ዘሎ ኢዩ። [ኣንብብ] ብሕጽር ዝበለ ነቲ ፍርድን [ነቲ ናይታ ዓባይ ኣመንዝራ ዘርኢ ገጽ 241 ገንጽል: ግን ኣይትግለጾ] በረኸታትን [ገጽ 308 ከምኡውን 309 ክፈት] ዝገልጽ ክልተ ስእልታት እሞ ተዓዘብ። እዛ ንራእይ ዮሃንስ እተብርሃልካ መጽሓፍ ክትረኽባ ትኽእል ኢኻ።”
◼ “[ሰላምታ] ንትርጕም ናይዚ ሎሚ ኣብ ዓለም ዝፍጸም ዘሎ ፍጻሜታት ክንዘራረብ ንቑሩብ ደቓይቕ ክንበጽሓኩም ኢና መጺእና። ናብራ እናቐለለ ኣብ ክንዲ ዝኸይድ ዝያዳ እናኸበደ ይኸይድ ኣሎ: ከምኡውን ስቓይን እከይን ዳርጋ ኣብ ኵሉ ምድሪ ይርከብ ምህላዉ ብዘይ ጥርጥር ተዓዚብካ ኣሎኻ። [ሓጺር ዕረፍቲ ግበር።] ነዚ ስእሊ እሞ በጃኻ ርኣዮ። [ገጽ 180 ከምኡውን 181 ክፈት።] እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣሕጽር ኣቢለዶ ክነግረካ? [ራእ. 12:7–9, 12 ካብቲ መጽሓፍ ኣንብብ: ብድሕሪኡ በቲ ኣብ ገጽ 182 ዘሎ ስእሊ ገይርካ ሳዕቤን ምድርባይ ሰይጣን ኣርኢ።] እዚ ድሮ ተፈጺሙ ኢዩ: ንሕና ድማ ኣብቲ ናይ ሰይጣን መወዳእታ ዝቐረበሉ ግዜ ኢና እንነብር ዘሎና። እዛ ጽብቕቲ መጽሓፍ ክትረኽባን ብዛዕባኣ ዝያዳ ከተንብብን ትኽእል ኢኻ።”
6 መልሲ ዝረኽቡ ኣቀራርባታት: እቶም ብንጹር ነቲ ብዓል ቤት ብኸመይ እቲ ኣርእስቲ ከም ዘገድሶ: እዚ ማለት ከኣ ዘድልዮ ወይ ክጥቀመሉ ዝኽእል ነገር ምዃኑ ዘርእዩ ኢዮም። ኣብ ኵሉ ዝርርብካ: እቲ ብዓል ቤት “እዚ ንዓይ የገድሰኒ ኢዩ” ዝብል ምግንዛብ ክህልዎ ሓግዞ። ኣቀራርባ ከነዳሉ ከሎና ንገዛእ ርእስና ከምዚ ኢልና ንሕተት:- ‘ነቶም ኣብቲ ዞባይ ዘለዉ ሰባት ዘገድሶም ኣርእስቲ እንታይ ኢዩ? እቲ ዘድልዮም እንታይ ኢዩ? የሆዋ ነቲ ዘድልዮም ኣብ ኣእምሮኡ ከም ዘሎ ከርእዮም ነቲ መልእኽቲ ብኸመይ መቕረብክዎ?’
7 ተመላሊሰካ ምብጻሕ ብምግባር ክትከታተል ክትክእል: ናይ ተገዳስነትን ዕደላን መዝገብ ክትሕዝ ርግጸኛ ኩን። ግዜ ከሎ ነቶም ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ብቕንኢ ንድለዮም: ነቲ መድሓኒና ዝኾነ የሱስ ክርስቶስ ስዓብቱ ኪኾኑ ድማ ንሓግዞም።—ማቴ. 16:24