ቀዋሚ ናይ መጽሔት ትእዛዝ ኣሎካዶ፧
1 ናብ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ኬድካ ቦርሳኻ ምስ ፈተሽካ ዋላ ሓንቲ መጽሔት ዘይብሉ ኰይኑዶ ጸኒሑካ ይፈልጥ፧ ነታ “ንመጽሔታትና ብዝበለጸ ተጠቐመሎም” ዘርእስታ ናይ መስከረም 1995 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው እሞ ዘክራ። “ካብቲ መጽሔታት ሒዙ ዘሎ ሓው ናይ ነፍሲ ወከፍ ሕታም ውሱን ቍጽሪ ኣዝዝ። ብኸምዚ ኣገባብ ንስኻን ስድራቤትካን ስርዓታውን እኹልን ቀረብ ናይ መጽሔታት ክህልወኩም ኢዩ” ኢላ ብምግላጽ “ውሱን ናይ መጽሔታት ትእዛዝ ይሃሉኻ” ትብል። ከምዚ ገይርካዶ ኢኻ፧
2 ስለምንታይ ቀዋሚ ትእዛዝ ናይ መጽሔት ዘይትገብር፧ ከምዚ እንተድኣ ገይርካ ነቲ መጽሔታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ክትዕድሎ ከም ዘሎካ ዝዓበየ ሓላፍነት ክስምዓካ ኢዩ: ከምዚ ብምግባርካ ኸኣ ተወሳኺ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ። ድሮ ቀዋሚ ናይ መጽሔት ትእዛዝ እንተድኣ ኣሎካ ኸኣ ብገምጋም ኣብ ወርሒ ንኣገልግሎት ዝኣኽለካ መጽሔት ትረክብ ምህላውካን ዘይምህላውካን እንደገና መርምር። ርግጽ ኢዩ: ነቲ ዝኣዘዝናዮ መጽሔት ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ብምውሳድ እሙናት ክንከውን ኢና እንደሊ: ክንፍጽሞ ዘሎና ግዴታ ኰይኑ ኸኣ ክስምዓና ኣለዎ። ንንውሕ ዝበለ ግዜ ካብታ ጉባኤ ክትግዕዝ እንተ መዲብካ ድማ ክሳዕ እትመጽእ ንመጽሔታትካ ካልኦት ክወስድዎ ክፈቕደሎም ነቲ ናይ መጽሔት ኣገልጋሊ ክትነግሮ ትኽእል ኢኻ።
3 እዛ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሳ ዘላ እታው “ስርዓታዊ መዓልቲ መጽሔት መድብ” እውን ትብለና ኢያ። ኣብቲ መጽሔታት ዝዕደሎ ሰሙናዊ መደብ ብምክፋል ደገፍካ ከተበርክት ትኽእልዶ ኢኻ፧ ኣብ ናይ 1999 ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተገሊጹ ከም ዘሎ እዚ ነፍሲ ወከፍ ቀዳም ኢዩ ዝግበር! መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ምዕዳል ዘለዎ ኣድላይነት ኣትሒትካ ኣይትርኣዮ። ኣብቲ መጽሔት ናይ ምዕዳል ንጥፈት ምሉእ እጃምና ንምውፋይ ምስ እንጽዕር ንጐረባብትና ‘ሰናይ ነበስር’ ኣሎና ማለት ኢዩ።—ኢሳ. 52:7