መጽሔታት ክንዕድል ከሎና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 15 መስከረም 2001
“ዳርጋ ኣብ ኵለን ሃይማኖታት ኣፍቀርቲ ሓቂ ኣለዉ። እንተዀነ ግን ሃይማኖት ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ ንሰባት ይኸፋፍሎም ኢዩ ዘሎ። ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ከም ዝሓብሩ ንምግባር እንታይ ኢዩ ዘድሊ፧ [መልሲ ምስ ሃበ: ጸፎንያስ 3:9 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ብዛዕባ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ፍልጠት ምሓዝ ኣብ ኵሉ ቦታ ንዝርከቡ ሰባት ብኸመይ የሕብሮም ከም ዘሎ እተርኢ ኢያ።”
ንቕሑ! ሚያዝያ-ሰነ 2001
“መብዛሕትና ብህይወት ምንባር የሐጕሰና ኢዩ። ይኹን እምበር: ሎሚ ኣብ ዓለም ብዙሓት ሰባት ንህይወት ኣሕሲሮም ዝርእይዋ ዘለዉ ኢዮም ዝመስሉ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ብሰንኪ ጃምላዊ ቕትለት: ዓሌታዊ ምጽናትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ዓመጽን ህይወት ሚልዮናት ሰባት ጠፊኡ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ዘይህልወሉ ግዜ ከም ዝመጽእ ይነግረና ኢዩ። [ኢሳይያስ 11:9] እዛ መጽሔት እዚኣ: ጠንቅታት ናይዚ ሎሚ እንርእዮ ዘሎና ዓመጽ እንታይ ምዃኑ ብምግላጽ ኣብ መጻኢ ዓመጽን ሞትን ዘይብሉ ዅነታት ክመጽእ ምዃኑ ከእምነና ዝኽእል ርጡብ ምኽንያት ትህብ ኢያ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥቅምቲ 2001
“እምነት: ብዙሓት ሰባት ከልዕልዎ ዘይደልዩ ኣርእስቲ ምዃኑ ትሰማምዓሉ ትኸውን። ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ ምበልካ፧ [መልሲ ምስ ሃበ: እብራውያን 11:1 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ናይ ሓቂ እምነት እንታይ ምዃና: ኣብ መንጎ እምነት ዘሎካ ምዃንን እምነት ዘይብልካ ምዃንን ድማ እንታይ ፍልልይ ከም ዘለዎ ትገልጽ ኢያ።”