መጽሔታት ክንዕድል ከሎና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ነሓሰ 2001
“ባህ ዝበለና ናይ ምእማን ናጽነትና: መብዛሕትና ኣኽቢርና እንርእዮ ነገር ኢዩ። እዚ መሰረታዊ መሰል ኵሎም ደቅሰብ እውን ተባሂሉ ኢዩ። ይኹን እምበር: ብሓደ ሓቅነት ዘይብሉ ነገር ተታሊልና ኽንኣምን ኣይንደልን ኢና። ነቲ ኣብ ዮሃንስ 8:32 ዝርከብ ቃላት የሱስ ትዝክሮ ትኸውን [ኣንብብ]። ስለዚ: እቲ እንኣምኖ ነገር ክጠቕመና እንተ ዀይኑ: ኣብ ሓቂ እተመስረተ ክኸውን ኣለዎ። እዛ መጽሔት እዚኣ ‘እቲ እትኣምኖ ድልዱል መሰረት ዘለዎ ድዩ፧’ ዝብል ሕቶ እተልዕል ኰይና: ሓቂ ንምርካብ ዘኽእለና ጽቡቕ መሰረት ብኸመይ ክንፈልጦ ኸም እንኽእል ትሕግዘና ኢያ።”
ንቕሑ!® ሓምለ-መስከረም 2001
“ቈልዑ ክቡራት ምዃኖም: ካብ ዓበይቲ ድማ ፍሉይ ሓልዮትን ቈላሕታን ክግበረሎም ከም ዘድሊ መብዛሕትና ንሰማምዓሉ ኢና። እንተዀነ ግን: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ቘልዑ ኣብ ድኽነት ኢዮም ዝነብሩ: ገና ዕሸላት ከለዉ ድማ ይሞቱ፣ ገሊኦም ከኣ ዘፍቅሮምን ዝሓልየሎምን የብሎምን: ዓበይቲ ኸኣ የጋፍዕዎም ኢዮም። ኣምላኽ ነዚ ዅነታት እዚ ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮ፧ [1 ጢሞ. 5:8] እዛ መጽሔት እዚኣ ንናብራ ቈልዑ ንምምሕያሽ ሕጂ እንታይ ክግበር ከም ዝከኣል: ነባሪ መፍትሒ ናይዚ ጸገም እዚ ድማ እንታይ ምዃኑ ትገልጽ ኢያ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ነሓሰ 2001
“ብዙሓት ሰባት ግዜ ንእስነት ባህ ዘብል እዋን ምዃኑ ይሰማምዕሉ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ዘሐጕስ እዋን ጥራይ ዘይኰነስ: ብዛዕባ መጻኢኻ ኣርዚንካ እትሓስበሉ እዋን እውን ኢዩ። ከመይሲ ብንእስነትና እንገብሮ ነገር ነቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ህይወትና ኣጸቢቑ ይጸልዎ ኢዩ። ስለዚ እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ኣብ መክብብ 11:9, 10 ንመንእሰያት ከምዚ ዝብል ምኽሪ ሃቦም። [ኣንብብ] እዛ መጽሔት እዚኣ መንእሰያት ንህይወቶም ብጽቡቕ ንኽጥቀምሉ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዝሕግዞም ኢያ እትገልጽ።”