መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሕዳ.
“ሰባት ዝያዳ ትሑታት እንተ ዚዀኑ ዓለም ትመሓየሽዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] የሱስ ብዛዕባ እዛ ባህርይ እዚኣ እንታይ ከም ዝበለ ኣስተብህል። [ማቴዎስ 23:12 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ: ኣብዛ ውድድር ዝመልኣ ዓለም እውን ከይተረፈ ትሕትና ምምዕባል ዘለዎ ጥቕሚ ትገልጽ።”
Awake! Nov.
“ኣብዚ ስነ-ፍልጠትን ምጥርጣርን ዓብሊሉሉ ዘሎ ግዜ: ብዙሓት ሰባት: መጽሓፍ ቅዱስ ግዜኡ ዝሓለፎ ዀይኑ ይስምዖም። ብዛዕባ እዚ እንታይ ርእይቶ ኣሎካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ኵሉ እቲ ምስ ስነ-ፍልጠት ዚተሓሓዝ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ነገራት ልክዕ ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧ [እዮብ 26:7 ኣንብብ።] እዛ ፍልይቲ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንተኣማመን ዚገብረና ድልዱል ምኽንያት ተቕርብ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ሕዳ.
“ኵልና ሕጉስን ትርጕም ዘለዎን ህይወት ክንነብር ኢና እንደሊ። ነዚ የሱስ ዝበሎ: ሓጐስ ንምርካብ ዜድሊ ቐንዲ ረቛሒ ትሰማምዓሉዶ፧ [ማቴዎስ 5:3 ኣንቢብካ መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ነቲ ንኣምላኽ ከተምልኽ ናይ ምድላይ ባህርያዊ ባህጊ ምዕጋብ ንህይወትና ብኸመይ ትርጕም ከም ዚህቦ ትገልጽ።”
Awake! Dec.
“ገለ ሰባት: ሞት ናብቲ ድሕሪኡ ዘሎ ህይወት መሰጋገሪ ዀይኑ ይስምዖም: ገሊኦም ድማ ሞት መወዳእታ ዅሉ ነገር ከም ዝዀነ ይኣምኑ። ሞት ኪፍራህ ዘለዎ ዀይኑ ድዩ ዚስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዮብ ብዛዕባ እቲ ምስ ሞተ ዚህልዎ ተስፋ እንታይ ከም እተሰምዖ ኣስተብህል። [እዮብ 14:14, 15 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ምስ ሞትና እንታይ ከም እንኸውን መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ንጹር መግለጺ ሒዛ ኣላ።”