መጽሔታት ክንዕድል ከሎና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሕዳር 2002
“መብዛሕትና ምስ ካልኦት ብሰላም ክንነብር ኢና እንደሊ። እንተዀነ ግን: እዚ ኻብ ክትገብሮ ኽትብሎ ኸም ዝቐልል ትሰማምዓሉ ይመስለኒ። [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ናይዚ ምኽንያት ይነግረና እዩ። [ያእቆብ 3:2 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ይቕረታ ምሕታት: ሰላም ንምምጻእን ብሰላም ንምንባርን ስለምንታይ ቀንዲ ረቛሒ ኸም ዝዀነ ትሕብር እያ።”
ንቕሑ! ጥቅምቲ-ታሕሳስ 2002
“ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጻን ግብረ-ሽበራን ብዙሕ ይጭነቑ እዮም። ምናልባት ንስኻውን ምስቲ ኣብ መክብብ 8:9 ዘሎ ቓላት ትሰማማዕ ትኸውን። [ኣንብብ: መልሲ ኸኣ ተጸበ።] እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ብዛዕባ ኻብ ታሪኽ እንረኽቦ ትምህርቲ ትገልጽ: እዚ ዘሎ ኣገባብ ብኸመይ ከም ዝጠፍእ ድማ ትሕብር።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ሕዳር 2002
“ገሊኣቶም ሰባት ንኣምላኽ ንምምላኽ ኣብያተ-ክርስትያንን ኣብያተ-መቕደስን የድሊ እንተ ዀይኑ ኣብ ሕቶ የእትዉዎ እዮም። ብዛዕባዚ እንታይ ሓሳባት ኣሎካ። [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ከም ዝብል እሞ ርአ። [ግብሪ ሃዋርያት 17:24 ኣንብብ።] ናይ ኣምልኾ ቦታታት ደኣ እሞ ንምንታይ ዕላማ እዩ ዘገልግል፧ እዛ መጽሔት እዚኣ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት መልሲ ናይዛ ሕቶ ኽትህበካ እያ።”