መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሕዳ.
“ብዙሓት ሰባት በዛ መራር ዓለም እዚኣ ይርበሹ እዮም። ኣብ ዓለም ብሓቂ ለውጢ ኼምጽእ ዚኽእል ዘሎዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ለውጢ ንምምጻእ ዜጋጥም ዕንቅፋታት ትገልጽ። ነዚ ዕንቅፋታት እዚ ኺሰግሮን ናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን ኬምጽእ ዚኽእል መን ምዃኑን እውን ትገልጽ።” መዝሙር 72:12-14 ኣንብብ።
Awake! Nov. 8
“ኣብ መላእ ዓለም ኣብ መንጎ ሃብታማትን ድኻታትን ዘሎ ጋግ ሰፊሕ እዩ። ነዚ ጋግ እዚ ንምጽባብ ኪግበር ዘለዎ ነገር ዘሎዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ ማቴዎስ 6:9, 10 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ንደቅሰብ ዜሸግሮም ዘሎ ዘይምዕሩይ ናብራ ኸተጥፍኦ ምዃና ርግጸኛታት ክንኰነሉ እንኽእል ምኽንያታት ትገልጽ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ሕዳ.
“ብዙሓት ሰባት ጸገማት ደቅሰብ ኣብ ክንዲ እናሓሸ: እናገደደ ዚኸይድ ዘሎ ስለምንታይ ምዃኑ ይገርሞም እዩ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኸም ምኽንያት እተቕርቦ ሓሳብ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ [ራእይ 12:9 ኣንቢብካ መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ብዛዕባ እቲ ድያብሎስ ንሰባት ንምግጋይ ዚጥቀመሉ ሜላታትን ብኸመይ ነዚ ጽልዋ እዚ ኽንጻረሮ ኸም እንኽእልን ትገልጽ።”
Awake! Nov. 22
“ኣብ ዓለም ንዅሉ ሰብ ዚኣክል ምግቢ እናፈረየ ኽነሱ: 800 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት እኹል ምግቢ ኣይረኽቡን እዮም። እዝስ ዜሕዝንዶ ኸይኰነ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ብዛዕባ እቲ ንተቐማጦ ኸተማታት ምምጋብ ብዝያዳ ኣጸጋሚ ይኸውን ከም ዘሎ ትምርምር። ብዛዕባ እቲ ጥሜት ዘይብላ ዓለም ክትመጽእ ምዃና ዚገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መብጽዓ እውን ትገልጽ።” መዝሙር 72:16ሀ ኣንብብ።