መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥቅ.
“ናይ ስነ-ህይወት ምሁራት ሕማም ኣጥፊኦም ዕምሪ ሰብ ኬናውሑ ይጽዕሩ ኣለዉ። ንዘለኣለም ምንባር ግን ዚከኣልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነቲ ንነዊሕ ግዜ ኽንነብር እንደልየሉ ምኽንያት እሞ ኣስተብህለሉ! [መክብብ 3:11 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ኣምላኽ ስለምንታይ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ድሌት ዘሎና ገይሩ ኸም ዝፈጠረና ትገልጽ።”
Awake! Oct.
“መብዛሕትና እነፍቅሮም ሰባት ሞይቶምና እዮም። ምስ ሞቱ እውን ከይተረፈ ንኽንሕግዞም ክንገብሮ እንኽእል ነገር ዘሎዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነዛ ሕቶ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ትምልሳ። ብዛዕባ እዚ ዜጸናንዕ መብጽዓ እውን ትገልጽ።” ዮሃንስ 5:28, 29 ኣንብብ። ድሕሪኡ ነታ ኣብ ገጽ 10 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርእዮ።
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ጥቅ.
“ብዙሓት ሰባት ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ስለ ዚነብር: ክትፈልጦ ኣይትኽእልን ኢኻ ኢሎም ይድምድሙ። ከምዚ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ ዮሃንስ 17:3 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ንኣምላኽ ብኸመይ ክንፈልጦ ኸም እንኽእል ትገልጽ።”
Awake! Nov.
“ፈቃር: ፍትሓዊ: ከምኡውን ሓያል ኣምላኽ እንተ ዚህሉስ: ክንድዚ መከራ ኺህሉ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ጥቕሲ እዚኣ ጠንቂ መከራ እንታይ ምዃኑ ኽትገልጽ ከላ እንታይ ከም እትብል እሞ ኣስተብህል! [1 ዮሃንስ 5:19 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ኣምላኽ መከራ ንምጥፋእ እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ትገልጽ።”