መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሕዳ.
9 “ኵላትና ብእንኣምኖ ዝነበርና ሰብ ተጠሊምና ንፈልጥ ኢና። ‘እምበርዶ ኽትኣምኖ እትኽእል ኣሎ እዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሓቲትካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ። ምሳሌ 3:5 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ንምንታይ ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ክንኣምኖ ኸም ዘሎና እያ እትገልጽ። ካብ ሰባት እውን ንመን ክንኣምን ከም እንኽእል ትሕብረና።”
Nov. 8
“ካብ ነዳዲ ዘይቲ ዝዳሎ ፍርያት ንዅሉ መዳይ ህይወትና እዩ ዝትንክፎ። ብዘይ እዚ ፍርያት እዚ ህይወት ከመይ ከም እትመስል ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ነዳዲ ዘይቲ ኣብ ዘመናዊ ሕብረተሰብ ብኸመይ ጕሉሕ ግደ ኽህልዎ ኸም ዝኸኣለ ትገልጽ። ነዳዲ ዘይቲ ኸይውዳእ ዝብል ፍርሂ ንምንታይ ክሓድረና ኸም ዘይብሉ እውን ትገልጽ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ሕዳ.
“ቀደም ብዙሓት ሰባት ምድሪ ሓደ መዓልቲ ገነት ከም እትኸውን ይኣምኑ ነይሮም። ሎሚ ግን ገሊኣቶም ክትጠፍእ እያ ዝብል ርእይቶ እዩ ዘለዎም። ንስኻኸ ምድሪ ኣብ መጻኢ እንታይ እትኸውን ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዝብል እሞ ኣስተብህለሉ። [መዝሙር 37:11 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምድሪ ዝንበዮ ተወሳኺ ነገራት ትገልጽ።”
Nov. 22
“ገሊኣቶም ሰባት ኣብ ኣከባቢ ዝወረደ ጕድኣት ክዕረ ዘይክእል ኰይኑ ስለ ዝስምዖም ይጭነቑ። እዚ ዅነታት እዚ ተስፋ ዘይብሉ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ፈጣሪ ንምድሪ ዋላ ሓደ ሰብ ዘይነብራ እንዳ ጐሓፍ ክትከውን ኣይኰነን ፈጢርዋ። [ኢሳይያስ 45:18 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ምድሪ ብኸመይ ካብዚ ኸም እትናገፍ ትገልጽ።”