መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሕዳ.
“ብዙሓት ሰባት: ሰብኣውያን መራሕቲ ኣብ ዓለም ንዘሎ ጸገማት ክፈትሑ ይኽእሉ እዮም ዚብል እምንቶ የብሎምን። ነቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ትንቢት ኪፍጽም ዚኽእል ኣካል ዘሎዶ ይመስለካ፧ [መዝሙር 72:7, 12, 16 ኣንብብ። ድሕሪኡ መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: እዚ ብትንቢት እተነግረሉ መራሒ መን ምዃኑን እንታይ ከም ዚፍጽምን ትገልጽ እያ።”
Nov. 8
“ውሉዳት ነቲ ሎሚ ዜጋጥሞም ዘሎ ጸቕጢ ንምጽዋሩ መምርሒ ኸም ዜድልዮም ትሰማምዓሉዶ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ኤፌሶን 6:4 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ሓቀኛ ትርጕም ተግሳጽ እንታይ ምዃኑ ትምርምር እያ። ወለዲ ንደቆም ተስፋ ኸም ዚቘርጹ ኸይገበሩ ብኸመይ መምርሕን ተግሳጽን ኪህብዎም ከም ዚኽእሉ እውን ትገልጽ እያ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ሕዳ.
“መብዛሕትኦም ሰባት ምሉእ ጥዕናን ነዊሕ ዕድመን ኪረኽቡ ሃረር እዮም ዚብሉ። ዚከኣል እንተ ዚኸውን ንዘለኣለም ክትነብር ምደለኻዶ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ዮሃንስ 17:3 ኣንብብ።] እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መብጽዓ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት እትገልጽ እያ። እቲ መብጽዓ ምስ ተፈጸመ ኣብ ምድሪ ዚህሉ ዅነታት እውን ትገልጽ እያ።”
Nov. 22
“ኣብዘን ዝሓለፋ 20 ዓመታት ሰባት ብዛዕባ ሕማም አይድስ ዘለዎም ምርዳእ ክብ ኣብ ምባልን ኣብ ምሕካሙን ዓብዪ ምዕባለ ኣርእዮም እዮም። ገና ግን ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እዚ ሕማም እዚ ጌጋ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። [ነታ “ሓቅነት ዘይብሉ ብሂል ብዛዕባ አይድስ” እትብል ሳጹን ኣርእዮ። ብድሕሪኡ መልሲ ተጸበ።] እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ወለዲ ንደቆም ካብዚ ቐዛፊ ሕማም እዚ ብኸመይ ኬዕቍብዎም ከም ዚኽእሉ ትገልጽ እያ።” ዘዳግም 6:6, 7 ኣንብብ።