መጽሔታት ክንዕድል ከሎና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መስከረም 2001
“ብዙሓት ሰባት ‘ድያብሎስ ንዅሉ እዚ ኣብ ዓለም እንርእዮ ዘሎና እከይ ዝቘሳቝስ ድዩ: ወይስ ዘይተማህሩ ሰባት ዝፈጠርዎ ማሪታዊ ፍርሂ ጥራይ ኢዩ፧’ ዝብል ሕቶ ንምምላሱ የጸግሞም ኢዩ። ገሊኣቶም ድያብሎስ ከም ዘሎ መርትዖ ንምሃብ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተፈላለየ ጥቕስታት ይጠቕሱ ኢዮም: ንኣብነት:- [1 ዮሃንስ 5:19 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ዘተኰረት ኰይና: የሱስ ብህላወ ድያብሎስ ይኣምን እንተ ነይሩ ተብርህ: ከምኡ እንተ ዀይኑ ኸኣ ድያብሎስ ንኸየጥቅዓና ብኸመይ ክንከላኸሎ ኸም እንኽእል ትገልጽ ኢያ።”
ንቕሑ! ሓምለ-መስከረም 2001
“ቈልዑ ክቡራት ምዃኖም: ካብ ዓበይቲ ድማ ፍሉይ ሓልዮትን ቈላሕታን ክግበረሎም ከም ዘድሊ መብዛሕትና ንሰማምዓሉ ኢና። እንተዀነ ግን: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ቘልዑ ኣብ ድኽነት ኢዮም ዝነብሩ: ገና ዕሸላት ከለዉ ድማ ይሞቱ፣ ገሊኦም ከኣ ዘፍቅሮምን ዝሓልየሎምን የብሎምን: ዓበይቲ ኸኣ የጋፍዕዎም ኢዮም። ኣምላኽ ነዚ ዅነታት እዚ ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮ፧ [1 ጢሞ. 5:8] እዛ መጽሔት እዚኣ ንናብራ ቈልዑ ንምምሕያሽ ሕጂ እንታይ ክግበር ከም ዝከኣል: ነባሪ መፍትሒ ናይዚ ጸገም እዚ ድማ እንታይ ምዃኑ ትገልጽ ኢያ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 መስከረም 2001
“ዳርጋ ኣብ ኵለን ሃይማኖታት ኣፍቀርቲ ሓቂ ኣለዉ። እንተዀነ ግን ሃይማኖት ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ ንሰባት ይኸፋፍሎም ኢዩ ዘሎ። ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ከም ዝሓብሩ ንምግባር እንታይ ኢዩ ዘድሊ፧ [መልሲ ምስ ሃበ: ጸፎንያስ 3:9 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ብዛዕባ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ፍልጠት ምሓዝ ኣብ ኵሉ ቦታ ንዝርከቡ ሰባት ብኸመይ የሕብሮም ከም ዘሎ እተርኢ ኢያ።”