መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ታሕ.
“ነዛ ሕቶ እዚኣ እንታይ ኢልካ ምመለስካያ፧ [ነታ ኣብ ገበር ዘላ ሕቶ ኣንብብ። ድሕሪኡ መልሲ ተጸበ።] ዓሌታት ደቅሰብ ሓቢሮም ኪነብሩ ዕላማ ኣምላኽ እዩ። [መዝሙር 46:8, 9 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ብዛዕባ እቲ ሓድነት ዚመጸሉ መገዲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ትገልጽ።”
Dec.
“ሞይቶም ዘለዉ ፍቑራትና እንደገና ብህይወት ዚነብሩዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሞት እንወጸሉ መገዲ ኸም ዘሎ ይዛረብ። [መዝሙር 68:20 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ንሞት ከም ነባሪ መኸተምታ ህይወት ጌርና ኽንፈርሃሉ ዘይብልና ምኽንያት ትገልጽ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ታሕ.
“ብዙሓት ሰባት ኣብ እዋን በዓላት ሕያዎትን ደንገጽትን ኪዀኑ እዮም ዚጽዕሩ። ሰባት ምሉእ ዓመት ድንጋጽ እንተ ዜርእዩ እዛ ዓለም ምተመሓየሸትዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ: 1 ጴጥሮስ 3:8 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ድንጋጽ ዘለዋ ጥቕምን ድንጋጽ ከነርእየሉ እንኽእል ገለ ግብራዊ መገድታትን ትገልጽ።”
Jan.
“ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መላእ ታሪኽ ወድሰብ ኣድልዎን ዓመጽን ኣጋጢምወን እዩ። ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኡት ነንስቶም ብኸመይ ኪሕዝወን ከም ዘለዎም እንታይ ኢሉ ኸም ዚእዝዞም እሞ ኣስተብህል። [1 ጴጥሮስ 3:7 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ኣምላኽን የሱስን ንደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ ከም ዚርእይወን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ትገልጽ።”