መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መስ.
“ሎሚ ኣብ ዓለም: መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ንተኣማንነት ኣብ ግብሪ ኻብ ምውዓላ ምንኣዳ እዩ ዚቐሎም። ብዙሓት ሰባት ከምዚ ኣብዛ ጥቕሲ ተገሊጹ ዘሎ ፈታዊ እንተ ዚዀኑስ ጽቡቕዶ ኣይምዀነን፧ [ምሳሌ 17:17 ኣንቢብካ መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ብዛዕባቲ ንስድራቤትናን ኣዕሩኽትናን እሙናት ብምዃን ዚርከብ ጥቕምታት ትጠቅስ እያ።”
Awake! Sept. 8
“በቲ ኣብ ተፈጥሮ ዚርአ ሓድሕዳዊ ምትሕብባር ተደኒቕካ ትኸውን ኢኻ። [ኣብታ ዓንቀጽ ተጠቒሱ ኻብ ዚርከብ ኣብነት ሓንቲ ጥቐስ።] ኣብ ሰባት ከምዚ ዓይነት ምትሕብባር ክንርኢ ብዘይምኽኣልናስ ዜሐዝንዶ ኸይኰነ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኣብ ምድሪ ብኸመይ ሰላምን ስኒትን ከም ዜምጽእ ትገልጽ እያ።” ኢሳይያስ 11:9 ኣንብብ።
ግምቢ ዘብዐኛ 15 መስ.
“ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ሰባት ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ሰሚዖም ኣለዉ። ገለ ሰባት ከም ሓደ ፍሉይ ሰብ ጥራይ ገይሮም ይርእይዎ። ካልኦት ከኣ ከም ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ገይሮም የምልኽዎ። ንስኻኸ የሱስ ክርስቶስ መን እዩ ምበልካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ የሱስ ክርስቶስ መን ምዃኑ: ካበይ ከም ዝመጸ: ከምኡውን ሕጂ ኣበይ ከም ዘሎ ብልክዕ ትገልጽ።” ዮሃንስ 17:3 ኣንብብ።
Awake! Sept. 22
“ብዙሓት ሰባት ብቑዕ መንበሪ ቦታ ኺረኽቡ ዓቕሚ የብሎምን። ኵሉ ሰብ ብቑዕ መንበሪ ገዛ ዚህልወሉ ግዜ ዚመጽእዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ሕታም ንቑሑ! እዚኣ ብዛዕባ ቕልውላው መንበሪ ገዛ ዚገልጽ እዋናዊ ጸብጻብ ሒዛ ኣላ። ብተወሳኺ: እዚ ዚስዕብ መብጽዓ ኣምላኽ ከም ዚፍጸም ርግጸኛታት እንዀነሉ ምኽንያታት እውን ትገልጽ።” ኢሳይያስ 65:21, 22 ኣንብብ።