መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ታሕ.
“ሓደ ኻብቲ ንሰብ ካብ እንስሳ ዚፈልዮ ባህሪ ቕኑዕን ጌጋን ናይ ምፍላይ ክእለት እዩ። እቲ ዜሕዝን ግን ብዙሓት ሰባት ሕማቕ ተግባራት ይገብሩ ኣለዉ። እዚ ዚኸውን ዘሎ ስለምንታይ እዩ ምበልካ፧ [መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ ኤርምያስ 17:9 ወይ ራእይ 12:9 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ቕኑዕ ዘበለ ኽንፈልጥን ክንገብርን ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ ምዃኑ ትገልጽ እያ።”
Dec. 8
“ኣብ ቴክኖሎጂ እተራእየ ምዕባለ ነቲ ሰባት ዕርክነት ንምምስራት ዘለዎም መሰረታዊ ድሌት ኣየማልኣሎምን። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሕብረተሰብ ዚርአ ዘሎ ለውጢ ዕርክነት ንምምዕባል ኣጸጋሚ ገይርዎ ኸም ዘሎስ ኣስተውዒልካዶ፧ [መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ ምሳሌ 18:24 ኣንብብ] እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ብኸመይ ከነጥርን ክንዕቅብን ከም እንኽእል ትገልጽ እያ።
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ታሕ.
“ኣብዚ ወርሓት እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ሰባት ንውልደት የሱስ ብእተፋላለየ ኣገባብ ይዝክርዎ እዮም። ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ንውልደት የሱስ ምስ ነባሪ ሰላም ከም ዜተሓሕዞ ትፈልጥዶ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ ኢሳይያስ 9:6, 7 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ነባሪ ሰላም ብኸመይ ከም ዚመጽእ ትገልጽ እያ።”
Dec. 22
“ሰባት ኣብ ደጋዊ ትርኢቶም ብዙሕ ኣቓልቦ ኸም ዚገብሩስ ኣስተብሂልካዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ብዛዕባ መልክዕካ ኣመና ምጭናቕ ዜስዕቦ ጸገማት ትገልጽ እያ። ብዛዕባ እቲ ዝያዳ ኣድላይነት ዘለዎ ጽባቐ እውን ትገልጽ እያ።”—1 ጴጥሮስ 3:3, 4 ኣንብብ።