መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥሪ
“ብዙሓት ሰባት ኣብ ምድሪ ሰላም ንኺሰፍን ሃረር ይብሉ እዮም። ነዚ ቐጺለ ዜንብበልካ ቓላት ዚፍጸመሉ እዋን ዚመጽእዶ ይመስለካ፧ [መዝሙር 46:9 ኣንብብ። ድሕሪኡ መልሲ ተጸበ።] እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ: እዚ ብኸመይ ከም ዚፍጸምን ነቲ ኣምላኽ ውግእ ዘይብላ ዓለም ኬምጽእ ምዃኑ ዝኣተዎ መብጽዓ ስለምንታይ ክንኣምኖ ኸም ዘሎናን ትገልጽ።”
Jan. 8
“ኣብ መላእ ዓለም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ብሰንኪ እተፈላለየ ዓይነት ጭንቀት ተቐያያሪ ባህርያት እዩ ዘለዎም። ፈጣሪና ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ኣጸቢቑ ይሓልየሎም እዩ። [መዝሙር 34:18 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ሽግር ዘለዎም ብኸመይ ከም ዚሕገዙ ትገልጽ። ነቲ ዅሉ ዓይነት ሕማም ኪጠፍእ ምዃኑ ዚገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መብጽዓ እውን ትሕብር።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ጥሪ
“ኣብዚ ግዜና ዚእቶ ሓያሎ መብጽዓታት ስለ ዘይሕሎ: ብዙሓት ሰባት ንዝዀነ ይኹን ሰብ ምእማን የሸግሮም እዩ። መብጽዓታቱ ኽንኣምኖ እንኽእል ዘሎዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ እያሱ 23:14 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መብጽዓታት ኣምላኽ ብኸመይ ምትእምማን ከነማዕብል ከም እንኽእል ትገልጽ።”
Jan. 22
“ብእብራይስጢ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ከምዚ ይመስል። [ገበር ኣርኢ።] ገሊኣቶም ሰባት እዚ ስም እዚ ዓው ኢልካ ኽትዛረበሉ ኸም ዘይብልካ ይኣምኑ። ገሊኣቶም ከኣ ብዘይ ቀይዲ ይጥቀሙሉ። እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ: ነዚ ኽርክር እዚ እያ እትምርምር። ንኣምላኽ ብስሙ ብኸመይ ክንፈልጦ ኸም እንኽእል ከኣ ትገልጽ።” መዝሙር 83:18 ድሕሪ ምንባብ ኣብ ካልእ ትርጕማት ስም የሆዋ ኸም ዘለዋ ጥቐስ።