መጽሔታት ክንዕድል ከሎና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥቅምቲ 2002
“ብዙሓት ሰባት ነዚ ኣብ ከባቢና እንርእዮ ኸም እኒ ውግእ: ዓመጻ: ግብረ-ሽበራ ዝኣመሰለ ጸገማት መወዳእታዶ ዀን ይህልዎ ኢሎም ይሓስቡ እዮም። ብዛዕባዚ እንታይ ኣረኣእያ ኣሎካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዝምልከት ዘጸናንዕ መረጋገጺ ይህበና እዩ። [መዝሙር 37:10, 11 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ኣምላኽ ንእከይን ብሰንክዚ ንዝመጸ ሕሰምን ስለምንታይ ክሳዕ ሕጂ መወዳእታ ኸም ዘይገበረሉ ኽትገልጸልካ እያ።”
ንቕሑ! ሓምለ-መስከረም 2002
“ዝሓለፈ ዓመት ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ናይ ዓለም ሰላም ኣብ ሓደጋ ኣትዩ እዩ። ሰብኣውያን መንግስታት ኣብ ዓለም ሰላም ከምጽኣ ዝኽእላዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ምስ ሃበካ: ኢሳይያስ 2:4 ኣንብብ።] እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብ ዓለም ሰላም ከም ዝሰፍን ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ከም እንኽእል ትሕብር እያ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ጥቅምቲ 2002
“ኣብዚ ግዜና ስለምንታይ እከይ ከም ዘሎ ንቘልዑ ወይ ንኻልኦት ብኸመይ ምገለጽካሎም፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ‘ናይዚ ዅሉ እከይ ተሓታቲ መን እዩ፧’ ንዝብል ሕቶ መልሲ ይህበና እዩ። [1 ዮሃንስ 5:19 ኣንብብ።] እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ እቲ እኩይ ተባሂሉ ዘሎ መን ምዃኑን ብኸመይ ክንጻረሮ ኸም እንኽእልን ክትሕብረካ እያ።”