መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥሪ
“መብዛሕትአን ሃይማኖታት ሰባት ንጐረባብቶም ኬፍቅሩ ኸም ዘለዎም ይምህራ እየን። [ማቴዎስ 22:39 ኣንብብ።] ሃይማኖታት ኣብቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚግበር ግጭታትን ውግኣትን ኢደን ዜእትዋ ዘለዋ ደኣ ስለምንታይ እየን፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ ‘ሃይማኖታት ንደቅሰብ ኬሕብራ ይኽእላዶ፧’ ንዚብል ሕቶ ትምልስ እያ።”
Awake! Jan. 8
ነዛ ሕቶ እዚኣ ብኸመይ ምመለስካያ፧ [ነታ ኣብ ገበር ናይታ መጽሔት ዘላ ሕቶ ኣንብባ። ድሕሪኡ መልሲ ተጸበ።] ሃብቲ ምድሪ ብዜሰንብድ ናህሪ ይጕሕጓሕ እዩ ዘሎ። እንተዀነ ግን: ነዚ ኣብዚ ዚርከብ ርጉጽ መብጽዓ እሞ ኣስተብህለሉ! [መዝሙር 104:5 ኣንብብ።] እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ምድርና ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብኸመይ ምሉእ ብምሉእ ከም እትሕደስ እተብርህ እያ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ጥሪ
“ንሕናን ደቅናን ዝበለጸ ህይወት ኪህልወና ንደሊ ኢና: እንተዀነ ግን ብዙሓት ሰባት ከምዚ ኺገብሩ ዓቕሚ ዘይብሎም ኰይኑ ይስምዖም። ንመጻኢና ኽንቆጻጸሮ እንኽእልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ዓቕሚ ዘይብልና ዘይኰንናስ መጻኢና ኣብቲ ሕጂ እንገብሮ ምርጫ ዚምርኰስ ምዃኑ ትገልጽ እያ።”—ዘዳግም 30:19 ኣንብብ።
Jan. 22
“ኵላትና ናይ ጥዕና ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ: ስምዒትና ዚርድኣልና ሓኪም ንደሊ ኢና። እንተዀነ ግን: ብዙሓት ሕሙማት ስምዒት ናይ ሓኻይሞም ኣብ ግምት ዜእትዉዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ነቲ ሎሚ ሓኻይም ዜጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ከምኡውን ንሕክምና ዚምልከት ኣብ መጻኢ እንታይ ይጽበየና ኸም ዘሎ ትገልጽ እያ።”—ኢሳይያስ 33:24 ኣንብብ።