መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥሪ
“ካብ ቃል ኣምላኽ ሓደ ጠቓሚ ሓሳብ ከካፍለካ ምፈተኹ። ምስዚ ኣብዚ ዘሎ ሓሳባት ትሰማማዕዶ፧ [ያእቆብ 3:2 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ: ንኣባላት ስድራ ቤትና ብዘረባና ኸይንጎድኦም ኪሕግዘና ዚኽእል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግብራዊ ሓሳባት ትህብ።” ነታ ኣብ ገጽ 10 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርእዮ።
Jan.
“ንሰባት ኣብ ህይወቶም ንዜጋጥሞም ጸገም ምእንቲ ኺዋጽኡሉ ንምሕጋዝ ጻዕርታት ንገብር ኣሎና። ንኣብነት: ኵሉ ሓዳር ጸገም ኣለዎ። ሰብ ሓዳር ዜተኣማምን ምኽሪ ኻበይ ኪረኽቡ ዚኽእሉ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዚ ግብራዊ መምርሒ እሞ ኣስተብህለሉ። [ኤፌሶን 5:22, 25 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ: ሰበይቲ ንሰብኣያ ኽትእዘዞ ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ትገልጽ።” ነታ ኣብ ገጽ 28 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርእዮ።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥሪ
“ንሰባት ሓንቲ ኣጸቢቓ እትፍለጥ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ጥቕሲ ኸነርእዮም ጸኒሕና። ብዙሓት ሰባት መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ይጽልዩ እዮም። ንኣብነት: ነዛ የሱስ ንሰዓብቱ ዚመሃሮም ፍልጥቲ ጸሎት ኣስተብህለላ። [ማቴዎስ 6:9, 10 ኣንብብ።] መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምዃናን መዓስ ከም እትመጽእን ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ከም ዚብል ትገልጽ።”
Jan.
“ጥበብ ኣምላኽ ብዙሕ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ንሰባት ክንሕብር ጸኒሕና። ንኣብነት: ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መላእ ታሪኽ ወዲ ሰብ ኣድልዎን ዓመጽን ኣጋጢምወን እዩ። ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኡት ነንስቶም ብኸመይ ኪሕዝወን ከም ዘለዎም እንታይ ኢሉ ኸም ዚእዝዞም እሞ ኣስተብህል። [1 ጴጥሮስ 3:7 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ኣምላኽን የሱስን ንደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ ከም ዚርእይወን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ትገልጽ።”