መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ጥሪ
“ዓወት ሓደ ሰብ ብመጠን እቲ ዚውንኖ ሃብቲ ዚልካዕዶ ይመስለካ፧” [መልሲ ተጸበ። ብድሕሪኡ 1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10 ኣንብብ።] መጽሓፍ ቅዱስ ንገንዘብ ዘይዅንን እኳ እንተ ዀነ: ናይ ሓቂ ዓወት ግን ኣብ ገንዘብ ከም ዘይምርኰስ ይገልጽ እዩ። እዛ መጽሔት እዚኣ ነዚ ትገልጽ።”
Awake! Jan.
“ብዙሓት ክርስትያናት ኢና ዚብሉ ሰባት ንትምህርታት የሱስ ከም ዘይስዕቡ ተዓዚብካዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ንኣብነት: ነቲ ኣብዚ ዘሎ ቓላት የሱስ ብዙሓት ኣይስዕብዎን እዮም። [ዮሃንስ 13:35 ኣንብብ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነቲ ኣብ መንጎ እቲ የሱስ ዝመሃሮን ኣረኣእያ እቶም ክርስትያናት ኢና ዚብሉ ሰባትን ዘሎ ፍልልይ ትምርምር።” ነታ ገጽ 18 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርእዮ።
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ጥሪ
“ሰብ ሓዳር ዜተኣማምን ምኽሪ ኻበይ ኪረኽቡ ዚኽእሉ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መርዓ መን ከም ዝመስረቶ እሞ ኣስተብህል። [ዘፍጥረት 2:22 ኣንብብ።] ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ሰብኣይን ሰበይትን ዘለዎም ክቡር ግደ እውን መምርሒ ሂቡ እዩ። እዛ መጽሔት እዚኣ ብዛዕባ እዚ ትገልጽ።”
Awake! Feb.
“ኣብ ገሊኡ ማሕበረሰብ: ሰባት ንሃይማኖታት ዘለዎም ኣረኣአያ ዚቕይሩ ዘለዉ ይመስል። ኣብያተ-ክርስትያን ዝነበረን ጽልዋ ዚንኪ ዘሎዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዘን ሃዋርያ ጳውሎስ እተዛረበን ቃላት እዚኣተን: ገለ ሰባት ኣብ ሃይማኖት ዝነበሮም ምትእምማን ዘጥፍእሉ ምኽንያት ይገልጻ እየን። [ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ክርስትና እንታይ ከም ዚብል ትገልጽ።”